ቢሮሰላምን ፀጥታን ትግራይ ብቴሌቪዥን ኣሰና ብፍላጥ ካብ ለይቲ ጀሚሩ “ሰበር ዜና”ብዝብል ጀነራላትን ፖለቲከኛታትን ይእሰሩ ኣለዉ ብምባል ኣሽማት ፀሪሑ ክፍንዎ ዝሓደረ ልሙድ ፃዕዳ ሓሶት ህዝቢ ትግራይ ራዕዲ ክስምዖን ክሕመስን ተፈጢሩ ዘሎ ፓለቲካዊ ውጥጥውን ተወሳሲቡ ናይ ሓባር ጥፍኣት ከስዕብን ኮነ ተባሂሉ ዝንዛሕ ዘሎ ፀሊም ፕሮፓጋንዳ እዩ ክብል ኮኒኑዎ።
ህዝቢ ትግራይ ውሽጣዊ ፀገማቱ ብባዕሉ ብሰላማዊን ፖለቲካዊን መንገዲ ከምዝፈትሕን ኣብዚ ፃዕሪ ህዝቢውን ሓይሊ ጸጥታ ትግራይ ኣብ ቅድመ ግንባር ዝተሰለፈ ምዃኑ ውን ኣብቲ መግለፂኡ ኣፍሊጡ ።
ብተመሳሳሊ ቤትፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኣብ ዝሓለፉ ናይ መኸተ ዓመታት ቴሌቪዥን ኣሰና ኣብ ጎኒ ፍትሓዊን ቅኑዕን ናይ መኸተ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ክሃስስ ዘይኽእል ተጋድሎ ከም ዘካየደ ጠቒሱ ብዘርኣዮ ህዝባዊነትን ዘይርብርብ ቃልስን ኣመስጊኑ ይኹን ድኣ እምበር ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ግን መሰረት ዘይብሎም ሓበሬታታት ምዝርጋሕ ጀሚሩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ።
እዚ ድማ ሓደ፣ ኣብ ትግራይ ምርግጋእ ከይህሉን ውሽጣዊ ምጥርጣራት ክዓቢን ዝድርኽ እንትኸውን፣ ብካልኣይ መንገዲ ከኣ ከም ህዝቢ ዝጀመርናዮ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ናይ ቃልሲ ንኡስ መድረኽ ኣንፈቱ ስሒቱ ህዝቢ ትግራይ እፎይታ ከይረክብን ካብ ኩናትን ወረ ኩናትን ተናጊፉ ናብ ንቡር ህይወቱ ንምምላስ ዝገብሮ ፃዕሪ ዝሓልኽ እዩ ክብል ኮኒንዎ።
እዚ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ዜና ንብዙሓት ሰባት ዘደናገጸ ዜና እንትኸውን ብተወሳኺ ኣሰና ቲቪ ኣብ ቀረባ አዋን ሰራዊት ኤርትራ ናብ ከባብታት ኣድያቦን ባደመን ካልኦት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዝርከቡ ከባብታትን ተወሳኺ ሰራዊት እናእተወ እናሃለወ ኣሰና ቴሌቭዥኝ ግን ካብ ከባብታት ታሕተዋይ ኣድያቦን ባድመን ይለቅቕ ኣሎ ዝብል ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ዜና ምጽብጻቡ ዝዝከር እዩ ።

