Site icon Tigrai Academy

ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 733 ሚልዮን ሰባት ኣብ ጥሜት ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ ።

Advertisements

ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ብሰንኪ ምዝባዕ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግዲ መነባብሮ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዘለው ሰባት ከቢድ ፅዕንቶ ፈጢሩ ምህላው ገሊፀን።

ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ዝኾና ንጎዚ ኦኮንጆ ኢዋላ ናይ ምግቢ ውሕስና ምሽርሻርን ምዝባዕ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግድን ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዝነብሩ ዜጋታት ዝነብሩለን ሃገራት ካብ ዓቕመን ንላዕሊ እናፋተነን ከምዝርከብ ሓቢረን።

ኣብ ርእሰ ከተማ ኢጣልያ ዝኾነት ከተማ ሮም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምግቢ ፎሮም መደረ ዝገበራ እተን ዳይሬክተር በቲ ሕዚ ዘለናዮ ፍጥነት ኣብ 2030 ኣ.ፈ ጥሜትን ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግብን ንምቁፅፃር ዝተትሓዘ ትልሚ ምስኻዕ ከም ዘይከኣል ተዛሪበን።

55 ሚኢታዊ ዓለም ለኸ ምህርቲ ምግቢ ዝምረት ኣብ ናይ ማይ ሕፅረት ዘለዎም ካባብታት ምኻኑ እውን ካልእ ፈተና ፈጢሩ ከም ዝርከብ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ።


ብተወሳኺ ለውጢ ኩነታት ኣየር ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓደጋ እናኾነ ከምዝርከብ ብምግላፅ ኣተሓሕዛ ማይን መሬትን ፣ ምምንማን ብዝሃ ህይወትን ጨፍጫፍ ደንን ኣብ ኩሉ ናይ ምግቢ ስርዓተና ከቢድ ፅዕንቶ ብምሕዳር ናይቲ ዘርፊ ፀገማት ናብ ዝኸፍአ ብርኪ የብፅሖ ከም ዘሎ ሓቢረን።

ብተወሳኺ ትካል ዓለም ለኸ ምግብን ሕርሻን (FAO) ከምዝገለፆ ድማ እቲ ሐዚ ዘሎ ናይ ስርዓት ምግብን ግብርናን ከይዲና ዘስዕቦ ዘሎ ጉድኣት ከባብን ጥዕናን ኣብ ዓመት ከባቢ 10 ትሪልዮን ዶላር ዝግመት ኪሳራ የብፅሕ ከምዘሎ ሓቢሩ ።

ነፃ ፣ ፍትሓውን ክፍትን ኮይኑ ከትንበይ ዝኽእል ናይ ብዙሕ ወገን ሰርዓት ዕዳጋ ከምኡ እውን ናይዚ ዘመን ከይዲ ነዚ እዋንን ንቀፃልን ህዝቢ ዓለም ዝኸውን ዘተኣማምን ውሕስና ምግቢ ንምፍጣር ዘኽእል ናይ ግብርናን ንግድን ስርዓት ምፍጣር ከምዘድሊ ድማ ኣፍሊጦም።

Exit mobile version