Site icon Tigrai Academy

How do we ensure the reconstruction of Tigray? ሕዉይት ትግራይ ከመይ ነረጋግጾ?

Advertisements

By Dr Kahsay Tadese (Biography included at the bottom) | June 06/2023

ሕዉይት ትግራይ ከምይ ነረጋግጾ?

ኣብ ልዕሌና ዝበኣብጽሐና ከቢድ ሰብኣዊ ጨፍጫፍ፥ ማሕበራዊ ምስቅልቅል፥ ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላ፥ ናይ ትካላት ዕንወትን ብኸመይ ካብ ዝነበሮ ብዝበለጸ ይህነጽ ወይ ካብዚ ዝበጽሐና ኩለመዳያዊ ዕንወትን በሰላን ብኽከመይ ንሓዊ?

ኣብ ዓለምና ብዙሓት ዓሌት ወይ ዘርኢ መሰረት ዝገበሩ ብዙሓት ዘራዊ-ጽንተታት [ጀኖሳይድ] ተፈጺሞም እዮም። ካብዚኣቶም ሓደ ንዓና ንተጋሩ ከም ሞዴል እንወስዳ ሩዋንዳ፥ ኣብ ታሪካ ብዙሕ ዓሌታዊ ጎንጺታት ዘተኣናገደት፥ ንስልጣን ሽምያ ብዙሕ ቓልሲ ዝተኻየደላ፥ብፍላይ ቅድመ ባዕዳዊ ማግዛእቲ፡ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእትን ድህረ ባዕዳዊ መግዛእትን ኣብ መንጎ ዓሌታት ሁቱን ቱሲን ብዙሕ ዘርኣዊ ጨፍጫፍ ተኻይዱላ እዩ። ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ወርሒ ሓምለ 1994 ዓ/ም ፈ ናብ ሓደ ሚልዮን ዝጽግዑ ሩዋንዳውያን ብሰንኪ ዂናት ሕድሕድ ተጨፍጪፎም እዮም። ስለዝኾነ እውን ካብ መጋቢት 7-14 በቢዓመቱ ብሃገር ደረጃ ዝኽሪ ዘርኣዊ  ጽንተት ሩዋንዳ [ጀኖሳይድ] ዝኻየደሉ እዋን እዩ። ብሓፈሻ ሩዋንዳውያን እቲ ዘርኣዊ ጽንተት ካብ ዝጅምረሉ ክሳብ ጠጠው ዝበለሉ ወርሒ ሓምለ ብሓዘንን ጸሎትን የሕልፍዎ።

ዓላማ እዚ ጽሑፍ ሩዋንዳውያን ካብቲ ዝበጽበጽሖም ከቢድ ጽንተት ብኸመይ ሓውዮም? ናብዚ ናይ ሐዚ በጺሖምዎ ዘለው ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ከ ብኸመይ ክበጽሑ ኪኢሎም? ኣንሕና ተጋሩ ኸ ካብቲ ዝበጽሐና ሰብኣዊ፥ ማሕበራዊ፥ ፖለቲካዊ፥ ትካላዊ ዕንወታት ከመይ ንሓዊ? ትግራይ ካብ ሩዋንዳ እንታይ ትመሃር? ኣብ ዝብሉ ዝዕባታት ክንትንትንን መልሲ ዝኸውን ሓሳባት ክነቕምጥ ኢና።

ብዛዓባ ሃገረ ሩዋንዳ

ዋና ዋና ምክንያታት ዘርኣዊ ጽንተት

ኩሉ ዓይነት ኣድልዎ [All forms of discriminations]: ሰብኣውነት ምጉዳል [Dehumanization]: ንውሑዳት ዓልየት ቱሲ ብዝምልከት ኣድልዎ ዝፈጥሩ ቋንቋታት [Discriminatory languages with reference to Tutsi minorities] ብመራኸብቲ ሓፋሽ የመሓላልፉ ነይሮም።

ናይ ሩዋንዳ ጆኖሳይድን ሳዕቤኑን

ሩዋንዳውያን ፍትሕን ሕዉየትን ብኸመይ ኣረጋጊጾምዎ?

ድሕሪ ምርግጋጽ ፍትሒን ተሓታትነትን ሃገረ ሩዋንዳ ብሓገዝ ማዕኸን ገንዘብ ዓለምን (IMF) ባንክ ዓለምን (World Bank)፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተ-ዓመታት (2 decades)፡ ሩዋንዳ ዓበይቲ ናይ ቁጠባ ግስጋሰን ናይ ማሕበራዊ ትካላት ለዉጥን ከምዝገበረት ይትንተን። እዚ ቁጠባዊ ግስጋሰ ንሩዋንዳ፡ ‘ሓበንን ኣርኣያን ኣፍሪቃ’ ተባሂላ ክትጽዋዕ ኣኽኢልዋ’ እዪ። 

ግን፡ እዛ ንእሽተይን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብሃላን ሃገር፡ ዝተኸተለቶም ፓለትካዊ ሸቶታትን ዘንጸፈቶም ቁጦባዊ መርሕታትን ከመይ ይመስሉ? እንታን ክንደይን ዝኸዉን ዓወታት እያ ኽ ክሳብ ሐዚ ሓፊሳ ዘላ፡ ሩዋንዳ? ነዛ ሃገር ከጋጥምዎ ዝኽእሉ ብደሆታት እንታይ እዮምን ከመይ ከ ይመስሉን? ከም ተጋሩ ኣፍሪቃዉያንን ከ ካብ ሩዋንዳ እንታይ ክንመሃር ንኽእል?

ሰፊሕን ዓሚቑን ጽሒፍ ኣለኒ ብፍላይ ንዓና ንተጋሩ ናይ ሩዋንዳ ተሞክሮ ንዳግመ ሕንጸትን ንሕውየትን ትግራይናን ተጋሩን ብጣዕሚ ጠቓሚ ስለዝኾነ ከም ዝስዕብ ከቕርቦ እየ።

ሐዚ ናብ  ኣብ ትግራይ ቅድሚ ቅሉዕ ዘርኣዊ ኲናት ምውልዑ ከመይ ከምዝነበረ ኣሕጽር ኣቢልና ዝተወሰኑ ንጥቐስ። ዕላማይ ሰብና ዝበጽሐና ግፍዒ ረሲዑ ኣብ ፖለቲካ ጸዓዳ ሽንጉርቲ ስለዝውዕል ዘሎ እዩ። ከይርሳዕ ከይድገም ንብል ተኾይናን ኩላትና ዝበጽሐና በደልን ግፍዒን ክንዝክሮን ክንመሃረሉን ኣለና እብል።

ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ዝበጽሐ ግፍዒን በደልን ካብ ባሕሪ ብማንካ

ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ  ተጋሩ ዘይተሰነደ ልዕሊ 7 ግዜ ዘርኣዊ ጽንተት ከም ዝተፈጸመልና ብዙሓት ሊቃውንቲ ጽሒፎምዎ እዮም ። ብቐሊሉ ንምርዳ እ ተደሊኹም ኦሜጋ ቲቪ ዘቕርቦም መረዳእታታት ኽተዳምጹ ይዕድመኩም። ካል ኦጥ መረዳእታ እውን ኣለው።ንሐዚ ካብ ዘመነ ኢህወድግ ክጅምር ምክንያቱ ዕላማይ ነቲ ሐዚ በጺሑና ዘሎ ዘርኣዊ ኣጽንቶት ምስ ሩዋንዳ ምንጽጻር ሰለዝኾነ።

መንቐሊ ዘርኣዊ ዂናት ትግራይ

ኹናት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ጀኖሳይድ ሩዋንዳን  ብምንታይ ይመሳሰሉ?

ትግራይ ካብ ሩዋንዳ ብዙሕ ልምዲ ክትወስድ ኣለዋ።

  1. ምርግጋጽ ፍትሒን ተሓታትነትን
  2. ኣሳታፋይ ኸይዲ ዕርቂ
  3. ኻሕሳ ንግዳያት ትግራይ ጆኖሳይድ
  4. ምምሕዳር ትግራይ [ካቢኔ ትግራይ] ብክልል ደረጃ ጆኖሳይ ከም ዝተፈጸመልና ክእውጅ ኣለዎ። ንኸይድገምን ከይርሳዕን ድማ ጠንኪሩ ክሰርሕ ኣለዎ።
  5. ጆኖሳይድ ትግራይ እንዝክረሉ እዋን ዓመታዊ ዝኽሪ ክህልወና ኣለዎ። ሙዚየም ድማ ክስርሐሎም ኣለዎ።
  6. ንቡዙሕ ዓመታት እናተዋህለሉ ዝመፁ ፀገማትናን፤ ሳዕቤን እቲ ናይዚ ኲናት ዝኾኑ ዝተሓላለኹ ፀገማት ስለዘልው ህፁፅ ፍታሕ ዝጠልቡ ኣዝዮም ገዘፍቲ ኩለመዳያዊ ቅልውላዋት ኣብ ዝጠጥዕሉ እዋን ክንርከብ ገይሩና ኣሎ። ካብቲ ባህሪ ዘለናሉ ኹነታት ተበጊሱ ድማ ምጥያሽ  ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዕላዊ ኾይኑ ኣሎ ንመጻኢት ዲሞክራሲያዊት ትግራይ ድማ ወሳኒ ዕምነ ዂርናዕ ወይ ምዕራፍን ከምዘቕምጥ ይት ኩሉ ትግራዋይ እምነትን ትጽቢትን እዩ።
  7. ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ፤ ኣብ ልዝብን እንካሃባ ሓሳባትን ምርድዳእን ምትእምማንን ዝተመስረተ ሓቛፋይ ፥ ግልፂ፥ ኣሳታፊ፥ ተኣማኒንን ቅቡልን ከይዲ ክኽተል ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ።
  8. ነታ እንምነያ ልምዕቲ፥ ዴሞክራስያዊትን፥ ሰለማዊትን ትግራይ ንምህናፅ ፅኑዕ መሰረትን እምነ ኩርናዕን እነቕምጠሉ፣ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ትግራይ ሓዱሽ ኩትሞ (new paradigm) ከምፀአልና ዝህቅን፤ ምዕሩይ/ግቡእ ኣወዳድባ መንግስቲ ክህልወና መንፀፍ እነቕምጠሉ፤ ማለት ፓርትን መንግስትን ዝፍለዩሉ፥ ፖለቲካዊ ነፃነትን ሰብኣዊ መሰላትን ትካላውነትን ዘረጋግጽ፥ ተሓታትነት፣ ግልፅነት፣ ኣሳታፍነትን ፣ለውጥን ቀፃልነትን (change and continuity) ዘማእዝኖ ካብቲ ተመስሪቱ ዘሎ ግዝያዊ መንግስቲ ትፅቢት ብዙሓት እዩ ተባሂሉ  ይእመን።
  9. ንህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ከውሕሱ ክቡር መስዋዕቲ ዝኽፈሉን ኣካላዊ መጉዳኣቲን መቑሰልትን ዝኸፈሉ ኣባላት ሰራዊት ምኽልኻል ትግራይ እግሪ ንኽተኽሉን ስድራ ስውኣት እኹል ሓጋዝን ድጋፍን ክግበረሎም፥
  10. ሓደ ዲያስፖራ ንሓደ ሕጻን ዝብል ፕሮጀክት ኣብ ተግባር ክውዕል ኩሉ ትግራዋይ ዜጋ ግቡኡን ሞራላዊ ግዴትኡን ክዋጻእ ይግባእ፡
  11. ኣብ ዳግመህንጸት ትግራይ ኩሎም ደቂ ትግራይ ክሳተፉሉን  ዝግበኦም ዘወፍይሉን መርሓግብሪ ክዳሎ ኣለዎ። ሞተር ሕላወና ዝኾነ ሕርሻ ትግራይ ክድንፍዕን ዝተጎድኡ ሓረስቶት እኹል ሓገዝ ኽግበረሎም እለዎ።

ሃገረ ሩዋንዳ ድሕሪ እቲ ዘስኻክሕ ዘርኣዊ ጨፍጫፍ ኣብ መብዛሕት ኦም ዘርፊታት ብጣዕሚ ፈጣንን ዘተ ኣማምንን ምዕባለታት ዝመዝገበትሎም ዓውዲታት ሕርሻ፥ ትሪዙም፥ ትምህርቲ፥ ጥዕናን ኣብ ዓውዲ መራኸብቲን ተክኖሎጂን ከም ኣብነት ወሲድና ክንድህስስ ኢና። ናይዚ ጽሑፍ ዓላማ ትግራይ ዓድና ድሕሪ ኣቲ ኸቢድ ዕንወትን ጽንተትን ኩለመዳይ ሕውየታ ኣረጋጊጻ ካብ ሩዋንዳ ከምተሞክሮ ወሲዳ ንቐጻሊ ናይ ዕቤት ግስጋሰአ ንሕግዛ እዩ።

ግስጋሰ ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎትን መስሕብ በጻሕትን

ብሓፈሻ፡ ጽላታታ ቁጦባ ናይ ሓንቲ ኣብ ምምዕባል ትርከብ ሃገር ኣብ ሰለስተ እዩ ዝምቐል።

ንሳቶም ከዓ፡

ካብዞም ሰለስተ ድማ፡ ሩዋንዳ ኣብ ጽላት ኣገልግሎት (service sector) እቲ ዝገዘፈ ዕብየት ዘርኣየትሉ ሴክተር እዩ።

ብገማጋም ባንኪ ዓለም፡ ኣብ 1994 6ሚእታዊት ናይታ ሃገር ቁጠባ ጥራይ ዝሽፍን ዝነበረ፡ ኣብ 2021 ግን 48  ሚእታዊት ናይታ ሃገር ቁጠባ ኣዉሒሱ እዩ። እዚ ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝተመዝገበ ዓወት ከም በዓል ኣብ ባንክን ፋይናንስን፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ንግድታት፡ ሆቴላትን ኣብያተ-መግብን፡ መኽዘናት፡ መራኸቢታት፡ መድሕንን ናይ ንግዲ ኣገልግሎትን ዝተጓናጸፍዎ ዓበይቲ ዓወታት የጠቓልል። 

ዘፈር ሕርሻ ሩዋንዳ

ድሕሪ ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ ኣብ 1994፡ እታ ሃገር ጽላት ሕርሻኣ ዳግማይ ኣብ ምህናጽ ርኡይ ብድሆታት ኣጋጢምዋ። እቲ ምጽናት ዓሌት ኣብ ብዝሒ ህዝቢ፡ ትሕተ-ቅርጽን ማሕበራዊ ቅርጺን ሩዋንዳ፡ እንተላይ ኣብ ስርዓታት ሕርሻኣ ኣዕናዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ። ይኹን እምበር ካብ ሽዑ ጀሚራ ሩዋንዳ ሕርሻዊ ምህርታ ኣብ ምሕያልን ኣፍራይነታ ኣብ ምምሕያሽን ዘደንቕ ምዕባለ ኣመዝጊባ እያ።

እዚ ጻዕርታት ምስ ጽንዓትን ጻዕርን ሓረስቶት ሩዋንዳ፡ ድሕሪ እቲ ምጽናት ዓሌት ኣብ ምህርትን ኣፍራይነትን ሕርሻ ርኡይ ምምሕያሽ ንኽመጽእ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ሩዋንዳ ብዕዉት ሕርሻዊ ለውጢ ትፍለጥ ኮይና፡ ኣብታ ሃገር ድኽነት ኣብ ምንካይን ውሕስነት መግቢ ኣብ ምምሕያሽን ርኡይ ምዕባለታት ኣመዝጊባ እያ። ብፍላይ ድማ ኣብዞም ምውሳኽ ኣፍራይነት፥ምምሕያሽ ውሕስነት መግቢ፥ ምህርቲ ቡን፥ምብዛሕ ሰደድ ፥ዘላቒ ሕርሻ ፥ዲጂታላዊ ሕርሻን ካልኦትን።

ብሓፈሻ ጽላት ሕርሻ ሩዋንዳ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ርኡይ ምዕባለታት ብምምዝጋብ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን እታ ሃገር ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። መንግስቲ ኣብ ዘመናዊ ሜላ ሕርሻ፣ ውሕስነት መግቢ፣ ምብዛሕ ሰደድ ዘካየዶ ወፍሪ፣ ህይወት ሓረስቶት ንምምሕያሽን ንህዝቢ ርጉእ ቀረብ መግቢ ንምርግጋጽን ሓጊዙ እዩ።

ጽላት ቱሪዝም ሃገረ ሩዋንዳ

ሩዋንዳ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልምዓት ቱሪዝም ርኡይ ምዕባለታት ዘመዝገበት ኮይና፡ ፍሉይ ተመኩሮ እንስሳ ዘገዳም፡ ባህላዊ ርክባትን ተፈጥሮኣዊ ጽባቐን ንዝደልዩ ተጓዓዝቲ ዝያዳ ተፈታዊት መዕረፊት ኮይና ኣላ።

ጽላት ቱሪዝም ሩዋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ርኡይ ዕብየት ኣመዝጊቡ፡ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ስራሕ ምፍጣርን ምዕቃብ ተፈጥሮኣውን ባህላውን ቅርስታት ኣበርክቶ ገይሩ። ንመንግስቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዓውዲ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ቀጻሊ ጻዕርታት ድማ ኣብ ዘላቒ ኣሰራርሓታት ቱሪዝም፡ ምትእስሳር ሕብረተሰብ፡ ከምኡ’ውን ንተመኩሮ በጻሕቲ ዝያዳ ንምዕባይ ኣብ ምብዛሕ ምቕራብ ቱሪዝም ዘተኮረ እዩ።

ምዕባለ ሩዋንዳ ኣብ ጽላታት ጥዕናን ትምህርትን

ግስጋሰ ኣብ ጥዕና

ኮቪድ-19

ግስጋሰ ኣብ ትምህርቲ

ኣብ ቴክኖሎጂን መራኸቢታትን

**********************************************************************************

Biography of the Author

   Dr. Kahsay Tadesse Mawcha

Dr. Kahsay Tadesse is a renowned academician and researcher in the field of Plant protection. With a passion for mycology and mycotoxin analysis, He has made significant contributions to the understanding of Fusarium mycotoxins and plant disease management strategies.

Born and raised in a small village, Dr. Kahsay developed a deep appreciation for nature and agriculture from an early age. This passion led him to pursue a bachelor’s degree in Agricultural Sciences from Haramaya University, where he graduated with honors. He furthered his education by completing a master’s degree in plant Pathology and a Ph.D. in Molecular Plant Pathology Studies from Hebei Agricultural University.

Throughout his career, Dr. Kahsay has held various academic positions at Aksum University. He has been working as Head Department of Plant Sciences, Registrar and alumni officer, and delegated Dean of college agriculture. He has been an assistant professor of Plant Pathology at Aksum University for over two years, where he has inspired and mentored several students. Known for his engaging teaching style, he has developed innovative curricula and courses that integrate practical fieldwork with theoretical knowledge.

Dr. Kahsay’s research focuses on plant-microbe-environment interactions and integrated pest management strategies. He has published more than ten peer-reviewed articles in leading scientific journals, and his research has been instrumental in shaping Fusarium pathogen identification, characterization, and management strategies.

In addition to his academic pursuits, Dr. Kahsay is actively involved in collaborative projects with government agencies, non-profit organizations, and local communities. He believes in bridging the gap between academia and the real world, working towards practical solutions to Agricultural challenges, especially insect pests, and Plant diseases Management.

Beyond his professional achievements, Dr. Kahsay enjoys spending time outdoors, hiking, and exploring nature. He is also deeply committed to agricultural advocacy and promoting environmental awareness.

Dr. Kahsay’s passion, expertise, and dedication to Plant Sciences have made him a prominent figure in academia. His research, teaching, and advocacy continue to inspire the next generation of plant scientists and contribute to a more sustainable and resilient future.

Exit mobile version