Site icon Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ኤደን ዘጋጥሙ ናይ ባሕሪ ሽፍትነትከምዝተበራኸቱ ተሓቢሩ።

Advertisements

ምዕፃው መስመር ንግዲ ወሽመጥ ሆርሙዝ ስዒቡ መስመር ንግዲ ባሕሪ ብ መሰመር ቀይሕ ባሕሪ ከምመማረፂ ኣብ ጥቕሚ እናዋዓለ እንትኾን፤ እዚ ድማ መብዛሕተኦም ናይ ባሕሪ ፀጥታ ዝከታተሉ ሓይልታት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ዓበይቲ ሃገራትን ናብ ወሽመጥ ሆርሙዝን ማእኸላይ ምብራቕን ምዝውዋሮም ስዒቡ ሶማልያውያን ሸፋቱ ባሕሪ ኣብዚ ናይ ቀይሕ ባሕሪ መስመር ስግኣት ፀጥታ ከምዝፈጠሩ ተሓቢሩ።

ድሕሪ ምዕፃው መስመር ንግዲ ወሽመጥ ሆርሙዝ መስመር ንግዲ ነዳዲን ካልኦት ንጥረ ነገራትን ዝመሓላለፉሉ መስመር ካብ ስዑዲ ዓረብ ወደብ ያንቡ ተበጊሱ ብወሽመጥ ባብልመንዳብ ኣቢሉ ናብ ስዊዝ ካናል ኣቢሉ ናብ ኣውሮፓ ዝወስድ መስመር እቲ ሓደ መማረፂ እዩ።

ቀፂሉ እውን ካብ ያንቡ ተበጊሱ ብወሽመጥ ባብ-ኤል መንዳብ ኣቢሉ ብባሕሪ ኤደን ጌሩ ናብ ውቅያኖስ ህንዲን ቀፂሉ ድማ ናብ ኤስያ ዝኸድ መስመር ድሕሪ ምዕፃው ሆርሙዝ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዘሎ መስመር ንግዲ ባሕሪ እዩ። ብዚ መስመር ዝሓልፋ ናይ ንግዲ መራኽብ ቁፅረን ምውሳኸንን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ብዘሎ ኩነታት ናይ ባሕሪ ፀጥታ ዝከታተሉ ሓይልታት ምቅናሶም ስዒቡ ካብ ወደባት ሶማልያ ዝብገሱ ሸፋቱ ባሕሪ ዕገታን ስርቂን ይፍፅሙ ከምዘለው OIL PRICE. COM ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ የመላኽት።

ካብ ወደባት ሶማልያ እናተልዓሉ ኣብ መስመራት ንግዲ ባሕሪ ዝዘርፉ ሸፋቱ ባሕሪ ኣብ 2011 ኣ.ፈ ኣዝዩ ተጋዲዱ ምንባሩ ዘዘኻኸረ መርበብ ሓበሬታ Oil Price. Com ኣብቲ እዋን ፀጥታ ንምስፋን ብዝተገበረ ወፍሪ ግን ንምቁፅፃር ተኻኢሉ ምንባሩ ሓቢሩ እዩ። ድሕሪ እዚ እውን ብተመሳሳሊ ኣብ 2023 ኣ.ፈ ዕጡቓት ሁቲ ኣብ ልዕሊ መርከባት ኢንግሊዝን እስራኤልን መጥቃዕቲ ምኽያዶም ስዒቡ ዝተወሰነ ምቁርራፅ ኣጋጢሙ ምንባሩ እውን ዝፍለጥ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዕጡቓት ሁቲ ኣብ ሶማልያ ንዝንቀሳቐሱ ሸፋቱ ባሕሪ ናይ ኣፅዋርን ናይ GPSን ካልኦት ናይ ቁፅፅር መሳርሕታት ኣጠቓቕማ ስለጠና ከምዝሃቡዎም እቲ መርበብ ሓበሬታ ሓቢሩ እዩ። እቶም ናይ ባሕሪ ሸፋቱ ካብ ሁቱን ኣልሸባብን ዝረኽብዎ ድጋፍ ተጠቒሞም ድማ ብቲ ባሕሪ ካብ ዝሓልፋ መርከባት ሸቐጣት ኣብ ምዝራፍን ሰራሕተኛታት እተን መራኽብ ብምዕጋት ገንዘብ እናሓተቱ ከምዘለው እዩ እቲ ፀብፃብ ዘመላኽት።

ባንኪ ዓለም፣ ኢንተርፖልን ቁፅፅር ዝወውር ሓሽሻትን ተኣሳሰርቲ ገበናትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘውፅእዎ መፅናዕቲ ከምዘመላኽቶ እቶም ሸፋቱ ባሕሪ ካብ 2005 ክሳብ 2012 ኣብዘሎ ግዜ ጥራሕ ካብ 179 ዝዓገቱወን መርከባት ከባቢ 400 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዝኣከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ እዩ።

ኣብዞም ዝሓለፉ 5ተ ኣዋርሕ ኣዋርሕ እውን ብተመሳሳሊ እዞም ናይ ሽፍትነት ምንቅስቓሳት ዳግም ከምዝተጠናኸሩ ዝተሓበረ እንትኾን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ክሳብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራሕ MT, honor 25፣ MT Eurekaን MT Asana ዝተብሃላ 3ተ ነዳዲ ዝፀዓና መርከባት ተዓጊተን ምንባረን ድማ እቲ ፀብፃብ ሓቢሩ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሐዚ እውን ምንቅስቓስ እዞም ሸፋቱ ኣብ መስመራት ንግዲ ባሕሪ ባብ ኤል-መንዳብን ስግኣታት ፈጢሮም ምህላዎም እዩ እናተሓበረ ዘሎ።

Exit mobile version