ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ገመሃሎ (ትግራይ) ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ካልኦት ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ዝሳተፉ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባትን ዝፈነዎ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብፅኑዕ ይኹንኖ። እዚ ዘይግቡእ ግፍዓዊ መጥቃዕቲ እዚ ኣብ ህይወትን ኣካላትን ንብረትን ከቢድ ጕድኣት ኣስዒቡ እዩ ። ብሰንኪ እዚ ይቕረ ዘይበሃሎ ግፍዓዊ ፍፃመ እዚ ንዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዓና ዓሚቝ ሓዘን እናገለፅና ንስድራቤታት እቶም ግዳያትን ንኹሎም እቶም ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባትን ፅንዓት ይሃብኩም ንብል።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ዘይቕበል ሓይሊ ከምምዃኑ፣ ነዚ መጥቃዕቲ እዚ ብምፍናው ነቲ ኣብ 2020 ዘበገሶ ትግራይ ናይ ምፅናት ወራር ቀፂሉሉ ይርከብ። እዚ መጥቃዕቲ እዚ ነቲ ኣብ ፕሪቶሪያ እተፈረመ ስምምዕ ደው ምባል ተፃብኦን ከምኡውን ኣሀጉራዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላትን ዘፍርስን ዝጥሕስን ከቢድ ጥፍኣት ከምዃኑ ማሕበረሰብ ዓለምን ኵሎም ፈተውቲ ሰላም ሓይልታትን ክኹንንዎን፣ እቶም ብሓገዝ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ነቊጦም ዘለው ዕጡቓት ኣምሓራ ንኽወፁን ዘድሊ ፀቕጢ ንኽገብሩን ንፅውዕ።
ኣብዚ ፅንኩር እዋን እዚ ኩሉ ትግራዋይ ሓድነቱ ኣስጢሙ ረብሓታት ትግራይ ንምሕላው ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ትግራይ ደው ንኽብል ንፅውዕ።
ኣብ መወዳእታ፣ ንሕና ማተሰኣ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ደጊምና ንኹንን፣ ንመንግስትን ሀዝብን ሓይልታት ጸጥታን ትግራይ ዘሎና ነቕ ዘይብል ልባዊ ደገፍ ድማ ደጊምና ነረጋግፅ።
ዘለኣለማዊ ክብሪን ሞገስን ንሰማእታትና!
ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)
29 ጉንበት 2018 ዓ/ም
ዋሽንግተን ዲሲ

