ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ዓበይቲ መንገዲ ኣየራት ዓለምና ቁፅሪ በረርኦም እናቐነሱን እናሰረዙን ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝቕፅል ዘሎ ቅልውላው ስዒቡ ዋጋ ነዳዲ ኣውሮፕላን ብዕፅፊ ከምዝወሰኸ እናተሓበረ ዘሎ እንትኾን፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ዓበይቲ መንገዲ ኣየራት ኣውሮፓን ኤስያን ዋጋ ትኬት ብምውሳኽ ኣገልግሎት እናሃባ ፀኒሐን እየን። ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ካብ ናህሪ ዋጋ ብተወሳኺ ሕፅረት ቀረብ እውን ተወሲኹዎ እቶም መንገዲ ኣየራት ዓበይቲ ኣውሮፕላናት ሓዲጎም ኣናኣሽተንን ነዳዲ ቀጠብቲን ኣውሮፕላናት ምጥቃም ከምዝጀመሩ እናተሓበረ እዩ።
መርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ከምዝሓበሮ ድማ መንገዲ ኣየራት ኢሚሬትስ፣ ኢቲሃድን ኳታርን ኣብ መጀመርያ ሰሙናት ምጅማር እቲ ጎንፂ ካብ ዝነበሩዎ ምቁራፅ ኣገልግሎት እናተመለሱ ከምዝርከቡ ዝገለፀ እንትኾን፡ ይኹን አምበር ሐዚ እውን ኣብ ወርሒ ጉንበት ክህብዎ ኣውፂኦሞ ዝነበሩ መርሃ ግብሪ በረራታት ይስርዙ ከምዘለው ሓቢሩ እዩ።
ብዚ ምኽንያት ድማ ሓፈሻዊ በዝሒ ወንበራት እተን ኣውሮፕላናት ነዳዲ ንምቑጣብ እናተቐነሰ ከምዘሎ ዝተገለፀ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ካብ ማእኸላይ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ጥራሕ ኣገልግሎት ክህቡ ካብ ዝግበኦም 132 ሚልዮን ወንበራት እቶም 130 ሚልዮን ወንበራት ጥራሕ ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓሉ ካብቲ ፀብፃብ ምርዳእ ይከኣል።
ካብዚ ብተወሳኺ ዓለም ለኻዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ዝነበሩ መንገዲ ኣየራት ብርተሽ ኣየርወይስ ዩናይትድ ቻይናን ANA ዝተብሃለ መንገዲ ኣየር ጃፓንን እውን ነቶም ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ዘጋጥሙ ዘለው መሕንቖታት ንምፍታሕ በብ ግዚኡ ከከም ኩነታቱ ኣገልግሎቶም ናብ ገሊኡ እናቐነሱ ናብ ገሊኡ እናወሰኹ ይሰርሑ ምህላዎም እናተገለፀ እዩ።
ብዚ ድማ መንገዲ ኣየራት ኣውሮፓ ናብ ወሽመጥ ዓረብ ዝገብሩዎ በረራታት እተን ኣውሮፕላናት ንመምለሲአን ዝኸውን ነዳዲ ካበቲ ዘኸዳሉ ቦታ እንድሕር ዘይረኽባ ኮይነን ኣገልግሎት ምሃብ ከምዘቋረፁ እናተሓበረ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ዋንነቱ ናይ ኣሜሪካ ዝኾነ መንገዲ ኣየር ደልታ እውን ነዳዲ ንምቑጣብ ኣስታት 3.5 ሚኢታዊ ኣገልግሎት ዝህበሎም ዝነበሩ ናይ በረራ መስመራት ከምዝቐነሰ ተገሊፁ እዩ። ካብዚ ቀፂሉ መንገዲ ኣየር ጀርመን ሉፍታንዛ ብግድኡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣስታት 20,000 በረራታት ብምስራዙ መጠን ትርፉ ክቕንስ ከምዝኸኣለ እናተሓበረ እዩ።
ብተመሳሳሊ መንገዲ አየር ቱርክሽ ኣየርላይንስ፣ መንገዲ ኣየር ቻይናን መንገዲ ኣየር ኤቲሃድን ድማ ነዳዲ ንምቁጣብ ብርክት ዝበሉ ወንበራት ብምቕናስ ኣገልግሎት እናሃቡ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ እዩ። ብፍላይ ድማ መንገዲ ኣየር ኤቲሃድ ልዕሊ 400 ተሳፈርቲ ናይ ምጓዓዝ ዓቕሚ ዘለወን ኤርባስ A380 ዝተብሃላ ኣውሮፕላናቱ ምጥቃም ከምዘቋረፀ ዝተገለፀ ኮይኑ፡ ካብ 220 ክሳብ 300 ተሳፈርቲ ናይ ምጓዓዝ ዓቕሚ ዘለወን ቦይንግ 787 ዝተብሃላ ኣውሮፕላናት ናብ ምጥቃም ከምዝኣተወ ተገሊፁ እዩ።
ብምኽንያት ምዕፃው መስመር ንግዲ ወሽመጥ ሆርሙዝ ዓለምና ንሕፀረት ቀረብን ናህሪ ዋጋን ነዳዲ ኣሳጥሒዋ ዘሎ ኮይኑ ሐዚ እውን ብዘይምንም ፍታሕ ኢራንን ኣሜሪካን እናተዋጠጣሉ ይርከባ። ኣሜሪካ ኣብቲ መስመር ንግዲ ዘንበረቶ ክልከላ ስዒቡ ኣሜሪካ እውን ኣብ ልዕሊ ኩሎም ወደባት ኢራን እገዳ ዘንበረት እንትኾን ዛጊድ ግን ዝመፀ ፍታሕ የለን።

