Site icon Tigrai Academy

ልዕሊ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ኣፍ ናይ ሞት መቕፃዕቲ ከምዝርከቡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ።

Advertisements

ልዕሊ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ኣፍ ናይ ሞት መቕፃዕቲ ከምዝርከቡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝተብሃለ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።

ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁዩማን ራይተስ ዎች ከምዝገለፆ ልዕሊ 65 ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ኣፍ ናይ ሞት መቕፃዕቲ ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ። ከም ሓበሬታ እቲ ትካል ብዕለት 21 ሚያዝያ 2026 ኣ.ፈ ሰበ ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ብገበን ምዝውዋር ሓሽሽ ንዝኸሰስዎም ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብሞት ከምዝቐፅዑዎም ገሊፁ እዩ።

“ስዑዲ ዓረብ እዚ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣመሓላሊፋቶ ዘላ ናይ ሞት መቕፃዕቲ፡ እቶም ዜጋታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንባዕሎም ክከላኸሉ ዕድል ብምኽላእን ሕጋዊ ከይዲ ብዘይ ምኽታልን እትወስዶ ዘላ ስጉምቲ እዩ። እዚ ድማ ስዑዲ ዓረብ ንመሰልን ሂወትን ተገዳስነት ከምዘይብላ ዘርኢ እዩ” ክብል ድማ ናዲያ ሃርድማን ዝተብሃለ ሰራሕተኛ ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊፁ እዩ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ብዛዕባ ድሕረባይትኦም ዘዘራረቦም ኣብ ስዑዲ ዓረብያ ክልል ኣሲር ኣብ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ 3ተ ሰደተኛታት ከምዝበልዎ ድማ ሰለስቲኦም ብተመሳሳሊ ኣገላልፃ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ፅንተታዊ ኲናት ምኽንያት ዘጋጠሞም ሕሱም ናብራ ክፈትሑ ከምዝተሰደዱ ምግላፆም ሓቢሩ እዩ። ካብዚ ተበጊስካ ድማ መብዛሕትኦም ተጋሩ ምዃኖም ምግማነት ይከኣል።

እቶም ስደተኛታት ወሲኾም ከምዝተዛረብዎ ድማ ናብ ሰዑዲ ዓረብ ክበፅሑ ኣዝዮም ሓደገኛ ቦታታት ኣቋሪፆም ብየመን ገይሮም ዝሐሸ ስራሕ ኣለሻ ናብ ስዑዲ ከምዝኣተዉ ይገልፁ። ሂዩማን ራይት ንሓደ ፍልፍል ጠቒሱ ከምዝገለፆ ድማ ኣብ መንገዲ ተወለድቲ እቲ ኸባቢ ብዝኾኑ ኣዘዋወርቲ ሰባት ካብ የመን ናብ ስዕዲ ንክወስዶ፡ ሓሽሽ ክስከም ከምዘገደዶ ሓቢሩ እዩ።

እቶም ዓይነታት ሓሽሻት ኣብ ገለገለ ክፋላት ኢትዮጵያን የመንን ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ብሕግን ብባህልን ዝፍቀደሎም እንትኾን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ግን ብጥቡቕ ዝተኸልከሉ እዮም። ሂዩማን ራይትስ ዎች ንድሕረ ባይታ ሓደ ግዳይ መዚዙ ከምዝሓበሮ ድማ ብዚ ምኽንያት ኣብ ቁፅፅር ዝውዕለ ስደተኛ፡ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ጠበቓ ይኹን ቋንቋ ዝትርጉመሉ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ክዳነንን፡ ብመግረፍቲ ዘይፈፀምሞም ገበን ክኣምን፡ ትርጉሙ ዘይፈልጦ ሰነድ ክፍርም ከምዝተገደደ ሓቢሩ እዩ። ብዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ዕለተ ፍርዲ፡ ውሳንኡ ንክፈልጥ ጥራሕ ተርጓሚ ከምዝተገበረሉን እቲ ፀብፃብ ሓቢሩ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብምዝውዋር ሓሽሽ ጥፍኣተኛ ኮይኑ ከምዝተረኽበን ነዚ ድማ ቤትፍርዲ ብሞት ክቕፃዕ ከምዝወሰነ ብቲ ተርጓሚ ክንገሮ ተገይሩ እዩ። ንካልኦት መርኣያ ክትኸውን ኢኻ ተባሂሉ ድማ ናብቲ መፅንሒ ክኣቱ ተገይሩ ኣብኡ ተዳጒኑ ከምዘሎ ይሕብር።

ብሓፈሻ ብከምዚ ዓይነት ከይዲ ዝተትሓዙን ናይ ሞት ፍርዲ ዝተመሓላለፈሎም 65 ኢትዮጵያን ኣብታ ሃገር ከምዝርከቡ ዝተገለፀ እንትኾን ካብዚ ብተወሳኺ ካልኦት ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ካሚስ ሙሻሂት ዝተብሃለት ቦታ ኮይኖም ናይ ሞት ፍርዲ ክመሓላለፈሎም ኣብ ከይዲ ከምዘለው ሓቢሩ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቤትፍርዲ ብዝብል ዝወሰድዎም ሰለስተ መሓዝቱ ከምዝተቐተሉ ዝገለፀ ሓደ ግዳይ ድማ ንዓይ እውን ሎሚ ወይ ፅባሕ ክቐትሉኒ ይኽእሉ እዮም ብምባል ካብዚ ንክድሕኑ ሓገዝ ክግበረሎም ምሕፅንትኡ ከምዘቕረበ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ሓተትኡ ገሊፅዎ እዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ፍፁም ዘስካክሕ ናብራን ኣብ ኣፍ መቕፃዕቲ ሞት ከምዝረከቡ ዝተገለፀ ኮይኑ ዛጊድ ምስ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ቆንስላ ኢትዮጵያ ይኹን ዝጥይቖም ሰብ ክራኸቡ ከምዘይኽእሉ እዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።

ነዚ ድማ ነዞም ኣብ ኣፍ ሞት ዘለው ስደተኛታት ንምድሓን መንግስቲ ስዑዲ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት መንግስታትን ትካላትን ጣልቃ ክኣትውን ካብ ሞት ከድሕንዎምን ሂዩማን ራይትስ ዎች ፀዊዑ እዩ።

ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ናብ ዝፋን ካብ ዝመፀሉ 2015 ጀሚሩ ስዑዲ 2000 ሰባት ብሞት ከምዝቐፅዐት ይንገረላ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝነብሩ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ንዝርከቡ መናእሰይ ምትሕብባር ንክግበረሎም ​ቢሮ ጒዳይ መናእሰይ ትግራይ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ ምሕታቱ ይዝከር።

​ቢሮ ጒዳይ መናእሰይ ትግራይ ​ንሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ ​ብዙሓት መናእሰይ ዝሓሸ ስራሕ ንምድላይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝጓዓዙ ብምዝኽኻር፡ ይኹን እምበር እዞም መናእሰይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ስለዘይብሎም ሕጋዊ ሓገዝ ኣይረኽቡን፤ ብሰንኪ እዚ ድማ ውሕስነት ሰብኣዊ መሰላት፣ ናይ ስነ-ኣእምሮን ኣካላዊ ጉድኣትን፣ ንነዊሕ እዋን ብዘይ ፍርዲ ምእሳር፣ መሰል ሕጊ ምክትታልን ምክልኻልን ኣብ ዘይብሉ ናይ ፍርዲ መስርሕ ክሳብ ናይ ሞት ፍርዲ ዝበፅሕ ውሳነታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ይውሰድ ከምዘሎን ገሊፁ እዩ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ መዳጐኒ ማእኸላት ዘሎ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ኣዝዩ ሕማቕ ምዃኑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እዉን ብተደጋጋሚ ይገልፁ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ካብቲ ልሙድ ወፃኢ ብዝኾነ ኩነታት፣ ኣብ ከባቢ “ከመንጠጋ ዓሲሪ” ዝርከብ “ከሚስ ምሽት” ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ፣ ዓፋርን ኦሮሞን ብጃምላ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪድዎም መዓልቲ ሞቶም ይፅበዩ ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ኣብ ዓዲ ዘለው ወለዶም እውን ደቆም ንምድሓን ምትሕብባር ክግበረሎም ሓቲቱ።

እቲ ቢሮ፤ መናእሰይ ዝሓሸ ስራሕ ንምድላይ ኣብ ዝኸዱሉ ሃገር፣ ሕጋዊ ናይ ሕጊ ሓገዝን ምክልኻልን ኣብ ዘይረኸቡሉ ኩነታት ዝተመሓላለፈ ናይ ጃምላ ሞት ብይን ብምዃኑ፣ ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ዘይኮነስ ንመላእ ህዝቢ ዓለም ዘሰንብድ ዜና ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፣ ዘይሰብኣዊን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ነዊሕ ናይ ሰናይ ርክብ ዝጎድእ ተግባር ምዃኑ ገሊፁ።

​ስለዚ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጒዳይ ፌዴሪኢ ፣ እዚ ናይ ጃምላ ሞት ፍርዲ ኣብ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ናይ ስነ-ኣእምሮ ፀቕጢ ዝፈጥርን ሃገራዊ ክብረትና ዝትንክፍ ዘይሰብኣዊ ተግባር ስለዝኾነ፣ ምስ ኤምባሲ ስዑዲ ብምትሕብባር እቲ ጒዳይ ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ መፍትሒ ክረክብን ህይወት እቶም ዜጋታት ክድሕንን ክፅዕር ሓቲቱ።

Exit mobile version