Site icon Tigrai Academy

ፑንትላንድ ኣብ ቤትዕዮታት ፀጥታን ትምህርትን ሓደሽቲ ሸመታት ኣፅዲቓ።

Advertisements

ፑንትላንድ ኣብ ቤትዕዮታት ፀጥታን ትምህርትን ሓደሽቲ ሸመታት ኣፅዲቓ።

ፕረዚደንት ክፋል ልኣላዊት ክልል ፑንትላንድ ሰይድ ኣብዱላሂ ደኒ ሓደሽቲ ሽመታት ከምዝሃቡ ተገሊፁ። ሆርስድ ሚድያ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ከምዝፀብፀቦ ፕረዚዳንት ፑንትላን ኣብ ቤተዕዮታት ትምህርቲን ፕረዚዳንታዊ ሓይሊ ፀጥታን ሓደሽቲ ሽመታት ከምዝሃቡ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ሌተናንት ጀነራል ሰይድ ኑር ሽሬ ኣዛዚ ፕሬዚደንታዊ ሓይልታት ፀጥታ ፑንትላንድ ኮይኖም ተሸይሞም። ቅድም ክብል ኣዛዚ ኑጋል ክልላዊ ፖሊስ ከምዝነበረ ዝተነግረሉ ሌተናንት ጀነራል መሓመድ ኣሊ ኣሕመድ ድማ ምክትል ኣዛዚ ፕሬዚደንታዊ ሓይልታት ፀጥታ ፑንትላንድ ኮይኖም ከምዝተሸሙ ተገሊፁ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቤተዕዮ ትምህርቲ ፑንትላንድ እውን እቶም ፕረዚደንት ሓዱሽ ላዕለዋይ ኮሚቴ ኣጣይሾም እዮም። እቲ ኮሜቴ 7ተ ኣባላት ዝሓዘ ኮይኑ፤ ኣብታ ክፋል ልኣላዊት ዝኾነት ክልል ፑንትላንድ ኣዝዩ ዝለዓለ ኣካዳምያዊ ዓቕሚ ከምዘለዎ ዝተነግረሉ ዶክተር ሙሃሙድ ኣብዲራሕማን ሙሃሙድ ድማ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚቴ ኮይኑ ተመዚዙ እዩ።

ፑንትላንድ እዞም ሓደሽቲ ሽመታት ፑንትላንድ ዓቕሚ ትካላት ፀጥታን ትምህርቲን ንምጥንኻር ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊፁ እዩ። እዚ ከይዲ እዚ ንባዕላ ነፃ ሃገር ገይራ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ እውን ዝተጠቐመትሉ ከይዲ ምንባሩ ድሕረ ባይታ እታ ናፅነታ ኣዊጃ ዘላ (De facto state) ሶማሊላንድ የመላኽት።

ሶማሊላንድ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ዝያድ ባሬ ካብ ሶማልያ ዝተገንፀለት እንትኾን ድሕሪ እዚ ዋላ እኳ ብሶማልያ ኣፍልጦ ኣይወሃባ ግን ድማ ንባዕላ ከም ነፃ ሃገር ኣዊጃ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ትካላት ብምህናፅ ብተነፃፃሪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝሐሸ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ኣስፊና እያ። ትካላዊ ቁመና ዘለዎ ምሕደራ ብምስፋን ኣቢላ ድማ ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ንምርካብ እናሰርሐት ትርከብ። ዛጊድ ድማ እስራኤል ንሶማሊላንድ ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ዝሃበት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና ኣላ።

ብተመሳሳሊ ስርዓት ዝያድ ባሬ ኣብ 1991 ድሕሪ ምውደቑ ሶማልያ ናብ ምብትታትንን ስርዓት ኣልቦነት ኣትያ ምንባራ ዝፍለጥ እዩ። ብዚ ድማ ኣብቲ እዋን ፑንትላንድ ዝሐሸ ናይ ዓሌታት ሓድነት ዝነበራ ብሙዃኑ ከም ካልኦት ክፋላት ሶማልያ ናብ ስርዓት ኣልቦነት ኣይኣተወትን። ኣብ ፑንትላንድ ዝርከቡ ዓሌታት ሃርቲን ዳሮድን ንክልሎም ካብቲ ኣጋጢሙ ዝነበረን ሐዚ እውን መፍትሒ ዘይረኸበ ስርዓት ኣልቦነት ሶማልያ ንምሕላው ኣብ 1998 ልኣላውነቶም ኣዊጆም እዮም።

መራሕቲ ፑንትላንድ ወላ እኳ ልኣላውነቶም እንተኣወጁ ከም ሶማሊላንድ ግን ናብ ምስረታ ነፃ ሃገር ኣይተጓዓዙን። እኳ ድኣስ እታ ፈሪሳ ዘላ ሃገሮም ሶማልያ ብፌደራል ሰርዓት መሊስካ ብምህናፅ ልኣላውነታ ዝሓለወት ኣባል ፌደራል ስርዓት እታ ሃገር ዝኾነት ክልል ኮይኖም ንምቕፃል ድልየት ከምዝነበሮም ይንገረሎም።

ከምውፅኢቱ እውን ወላ እኳ ሶማልያ ናብ ምርግጋዕ ኣይትምፃእ ፑንትላንድ ሕዚ እውን ኣባል ክልል ፌደራላዊት ሶማልያ ኮይና እናቐፀለት ትርከብ። ብመሰረት ፌደራል ስርዓት ሶማልያ ድማ ናይ ባዕላ ሕገ-መንግስቲ፣ ፓርላማ፣ ፕረዚደንት፣ ሰራዊት፣ ከምኡ’ውን መዋቕር ድሕንነት (ስለያ) ዘለዋ ክፋል ልኣላዊት ክልል ኮይና እናቐፀለት ትርከብ። ብዚ ድማ ናብ ፌደራል መንግስቲ ናይ ባዕላ ተወከልቲ ብምልኣኽ እትሳተፍ እንትኾን፤ ሐዚ እውን ኣብ ሞቃድሾ (መንግስቲ ሶማልያ) ዝረኣዩ ምእኹል ምሕደራ ናይ ምጥያሽ ዝንባለታት፣ ካብ ወደብ ዝእከቡ ኣታውታትን ምውፃእ መዓድናት ኢነርጂን ብዝምልከት ምሰ ፌደራል መንግስቲ ዘሰሓሕብዋ ጉዳያት እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሎ ከሎ ድማ ፑንትላንድ ዓቕሚ ትካላታ ንምጥንዃር እትወስዶ ዘላ ስጉምቲታት ናብ ነፃ ሃገርነት ንምጉዓዝ ወይስ ኣብታ ሃገር ጠንካራ ክፋል ልኣላዊት ክልል ኮይና ንምቕፃል ትፅቢት ዝግበረሉ ነጥቢ እዩ።

Exit mobile version