Site icon Tigrai Academy

ህወሓት ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብዘተ ንምፍታሕ ሐዚ እዉን ፃዕሪ እናገበረት ከምዘላ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

Advertisements

ህዝቢ ትግራይ፣ ብሰላማዊ መንገዲ መሰሉ ይሓትት እኳ እንተሃለወ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ንኻልእ ዙር ኲናትን ክባን ተዳልዩ ከምዘሎ ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ገሊፁ።

ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ደ/ር ደብረፅዮን ኣብ ኣከባብራ በዓል 11 ለካቲትን እዋናዊ ጉዳይን ኣድሂቡ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግሊፂ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ዝነበረ ተነፃፃሪ ሰላም ምእንቲ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ብምፅማምና ህዝቢ ትግራይ ብጥሜትን ሕማምን ብሰላሕታ ይፀንት ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ኣብዚ እዋን እዚ ብመንግስቲ ፌደራል ኣብ ሓዱሽ ሓደጋ ኲናት ዘእቱ ኩነታት ከምዝተፈጠረ፣ በዚ ድማ ኣብ ዳግመ ክባን ዕፅዋን ብምእታው ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሓደጋ ህልውናን ድሕንነትን ኣንፀላልዩ ኣሎ፤ ኢሉ።

ዓበይቲ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ሕዚ’ውን ኣብ ኣደባባይ ‘ብረት ኣረኪብኩም ኪዱ ተነፀሉ፣ ብቴክኖሎጂ ክነጥፈአኩም ኢና!” እናበሉ ይዛረቡ ከምዘለው ዝገለፀ ዶ/ር ደብረፅዮን ፤ ሕዚ’ውን ብዳግመ ዕፅዋን ክባን ‘ተንበርከኹ!” ይብሉና ኣለው ‘ንሕና ድማ ኣይንብርከኽን መሰልና ይከበር ኢና ንብል ዘለና” ክብል ሓቢሩ እዩ።

ህዝብን ዉድብ ህወሓትን ምእንተ ሰላም ኣብ 2013 ዓ/ም ሕገ መንግስቲ ክኽበር ዝገበሮ ፃዕሪን፤ ሓይልታት ፅንተት ዝፈፀምዎ ገበንን ድሕሪ ምዝኽኻር ብተመሳሳሊ ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ዋላ እኳ እንተተፈረመ ፌደራል መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ነዳዲ ብምኽልኻል፣ ኢኮኖሚ ትግራይ ህይወት ከይህልዎ ፀቕጢ ብምፍጣርን ካልኦትን ስራሕቲ እናሰርሐ ምፅንሑ ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ እዉን እቲ ዉዕሊ ብምጥሓስ ናብ ህዝቢን ሰራዊት ትግራይን ከምዝቶኮሱ ሐዚ እዉን ዳግም ንምዉራር ኣፅዋራትን ሰራዊትን ናብ ትግራይ የፅግዕ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

“ኣድቂቕናዮም ኢና ሐዚ እዉን ክነድቕቖም ኢና፡ ቴክኖሎጂ ተዓጢቕና ኢና” እናበሉ ንምፍርራሕ ብፕሮፖጋንድኦም ብተደጋጋሚ ከምዝገልፁን ዕጥቖም ኣብ ኣደባባይ የርእዩ ከምዘለዉ ዝገለፁ እቶም ኣቦ ወንበር ፤ ህልዊ ኩነታት፣ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ደለይቲ ሰላም፣ ዝቐርብ ሕቶ መሰልናን ለኣላዉነትና ይከበር፣ ሕገ መንግስቲ ይከበር ኣፈላላይ ፖለቲካ ብዘተ ይፈታሕ ዝብል ቅዋም ከምዝኾነ ዝገለፁ እንትኾን፡ ነዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ልዕሊ 10 ግዘ ንሕብረት ኣፍሪካ ብደብዳበ ከምዘፍለጡ ገሊፆም።

ብቀፃልነት ርክብ ምስ ዲፕሎማት ዓለም ከምዘሎ ዝሓበሩ ዶክተር ደብረፅዮን ፡ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሰላም ደላይ ከምዝኾነ ህልዉ ኩነታት ግን እናኸፍአ ምምፅኡን መፍቲሑ ዘተ ምዃኑን ብደብዳበ ሽድሽተ ግዘ ንኣዉሮፖ ሕብረት እዉን ከምዘፍለጡ ገሊፆም።

ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ መግለፂኡ፤ ነዚ ፃውዒት ሰላም ረጊፁ ዝመፅእ ሓይሊ ደው ኢሉ ዝርኢ ህዝብን ውድብን ከምዘየለ ብምግላፅ ድማ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዘሎ ህዝቢ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ክቃለሶ ፀዊዑ።

ከምኡ’ውን ዶ/ር ደብረፅዮን ምስ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን መንግስቲ ኣሜሪካን ብተደጋጋሚ ይራኸብ ከምዘሎ ብምጥቃስ ንሶም’ውን ካብ ‘የተሓሳስበና’ዩ” ወፂኦም ነዚ መንገዲ ጥፍኣት ብግብሪ ደው ከብሉ ፃዊዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ።

Exit mobile version