ግብፂ ኣብ ምዕራባዊ በረኻ ዝሃነፀቶ ወተሃድራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ተጠቒማ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ብቀጥታ ምስታፍ ከምዝጀመረት ኒውዮርክ ታይምስ ብምርመራ ከምዘረጋገፀ ዕላዊ ገይሩ።
ኒውዮርክ ታይምስ ናይ ሳተላይት ምስልታት ተጠቒሙ ፣ናይ በረራ መረዳእታታትን ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት ብምፅራሕ ከምዝፀብፀቦ ሰራዊት ግብፂ ኣብ ዝሓለፉ 6ተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ብመሓመድ ሃምዳን ዳጋሎ (ሄሚቲ) ዝምርሑ ዕጡቓት ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ ደብዳብ ድሮን ከካይድ ምፅንሑ ፀብፂቡ እዩ።
እተን ድሮናት ኣብ ጥቓ ጠረፍ ግብፅን ሱዳንን ዝርከብ ምብራቕ ኦዌናት ዝተብሃለ ፕሮጀክት ግብርና ተሓቢኡ ካብ ዝርከብ ወታሃድራዊ ናቑጣ እናተበገሳ ምዃኑ ድማ ፀብፃብ ኒውዮርክ ታይምስ የመላኽት። እቲ ጣብያ ክረአ ከሎ ሲቪል ዝመስል ዋላ እኳ እንተኾነ ምስልታት ሳተላይት ግን እቲ ቦታ ናይ ኣውሮፕላን መንደርደሪ ፣ ልዕሊ 17 ዝኾን ኣውሮፕላን ጠጠው መበሊን ዘመናዊ ናይ ሳተላይት መራኸቢ ኣውታራትን ዝሓዘ ከምዝኾነ የመላኽቱ ክብል ይሕብር።
ከም ሓበሬታ ፀብፃብ ኒውዮርክ ታይምስ እቶም መጥቃዕትታት ድሮን ንትሕዝቶታት ዕጡቓት ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍ ዒላማ ዝገበሩ ምኻኖም እውን ጠቒሱ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ግብፂ እትጥቀመለን ዘላ ድሮናት ስራሕቲ ቱርኪ ዝኾናን ነዊሕ ርሕቐ ክጓዓዛ ዝኽእላ ኣኪንቺ (Akinci)ድሮናት ሙዃነን ዝገለፀ ኮይኑ ፤ እዘን ድሮናት ካብ ፀረ መጥቃዕቲ ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍ ንምክልኻል ብምሕሳብ ኣብ ግዝኣት ግብፂ ከምዝቕመጣ ዝተሓበረ እንትኾን ኣብረርተን ግን ሱዳናውያን ይኹኑ ግብፃውያን ምርግጋፅ ከምዘይተኻእለ ተሓቢሩ እዩ።
ኒውዮርክ ታይምስ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝሓተቶም ፀበ ስልጣናት ግብፅን ኣመራርሓ ሰራዊት ሱዳንነን መልሲ ክህቡ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ ተገሊፁ። ግብፂ ክሳብ ቀረባ እዋን ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝነበራ ተሳትፎ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓውድታት ጥራሕ ዘተኮረ ዝነበረ ኮይኑ ብመሰረት ፀብፃብ በኒውዮርክና ታይምስ ግን ኣብ ጎኒ ብፕረዚዳንት ልኣላዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ሱዳን ሌተናንት ጀነራለል ኣብደልፋታህ ኣልቡርሃን ተሰሊፋ ከምዘላ ዘመላኽት እዩ።
ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሄሚቲ) ዝምራሑ ሓይልታት እውን ብኢመራት ዓረብን ኢትዮጵያን ከምዝድገፉ አሰናተገለፀ ዝፀንሐ ኮይኑ ይኹን ድኣ እምበር ብሰራዊት ሱዳን ተኸታታሊ ስዕረት ገጢምዎ ቅድም ክብል ተቖፃፂሩዎም ዝነበሩ ግዝኣታት እናተሓደገ ከምዝርከብ ዓበይቲ ማዕኸናት ዜና እናፀብፀባ እየን።

