ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጠረ ጎንፂ ካብ ምጅማር ፅንታታዊ ኲናት ትግራይ ኣትሒዙ ከምዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሎምዓንቲ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብቦ መብርሂ ገሊፁ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝገለፆ መበገሲ ጎንፂ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብዝፈፀሞም ግፍዕታት እምበር ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ዝጀመረቶ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ኣጀንዳ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሎማዓንቲ ንፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ከምዝተዛረቦ፡ ብርክት ዝበሉ ወሃብቲ ርኢቶን ተንተንቲ ፖለቲካን ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣመልኪቶም ዝጠቕስዎም ምስ ድሌት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝተትሓሓዙ ምኽንያታት ውድቂ ብምግባር ፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተጀመረ ጎንፂ ቅድሚ ኢትዮጵያ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ሕቶ ምልዓላ ኣትሒዙ ከምዝነበረ ብምጥቃስ ” ኣብ ከባቢ ምጅማር ኲናት ትግራይ እዩ” ክብል ገሊፁ እዩ።
ከም ኣገላልፃ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈላማይ ጎንፂ ክልቲአን ሃገራት ዝተጀመረ ኣብ ናይ መጀመርያ ዙር ፅንተታዊ ኲናት ትግራይ፡ ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ንከተማ ሽረ ድሕሪ ምቁፅፃሮም ከምዝኾነ ይገልፅ። ኣብዪ ኣሕመድ ወሲኹ ከምዝተዛረቦ “ኣብ መጀመርያ ዙር ናብ ሽረ ድሕሪ ምእታውና ሰራዊት ኤርትራ ደድሕሬና ብምስዓብ ናብታ ከተማ ኣትዩ ናይ ወልቀ ሰባት ህንፃ ምፍራስ ምስ ጀመሩ፤ ኣብቲ እዋን ብዕሊ ዋላ እንተዘይገለፅናዮ እቲ ጎንፂ ዝተጀመረ ግን ሽዑ እዩ” ኢሉ እዩ።
ካብዚ ቀፂሉ እቲ ኲናት ኣብ ማእኸል ትግራይ ናብ ዝርከቡ ታሪካዊ ከተማታት ምስኣተወ ብዝበለፀ እናተጋደደ ከምዝኸደ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ ይገልፅ። ኣብዪ ኣሕመድ ወሲኹ እንትገልፅ ድማ “ሰራዊት ኤርትራ ናብ ኣክሱም ኣትዮም መናእሰይ ብጅምላ እንትጭፍጭፉ እቲ ጎንፂ ተጋዲዱ ነይሩ” ዝበለ ኮይኑ ወሲኹ ድማ “ኣብ ዓድዋ ወታሃደራት ኤርትራ ፋብሪካታት ምብትታንን ምዝራፍን ጀሚሮም፤ ኣብ ዓዲ ግራት ንዘሎ ፋብሪካ መድሓኒት እውን ክንቀሳቐስ ዝኽእል ነቒሎም ብምውሳድ ዝቀረየ ኣዕንዮሞ” ብምባል ምስ ኤርትራ ዝነበረ ርክብ ንክቋረፅ ምኽንያት ምዃኑ ጠቒሱ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ቀፂሉ ፌደራል መንግስቲ ኣብቲ እዋን ንምንታይ ጠጠው ከምዘይበሎ እንገልፅ ድማ ኣብቲ እዋን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ተወጢሩ ሰለዝነበረ እዩ ብዝብል ክሸፋፍን ዝፈተነ ኮይኑ ቀፂሉ እንትገልፅ ድማ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ እዋን ኣብ ብዙሓት ግምባራት ናይ ምውጋእ ዓቕሚ ኣይነበሮን” ዝበለ ኮይኑ ኣብቲ እዋን ቀንዲ ትኹረቱ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ትግራይ ዝነበሩ ቦታታት ምክትታልን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ዝኣተው ቦታታት ምጥንኻርን ገይሩ ከም ዝነበረ ገሊፁ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እዚ እንተገልፅ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ዘይኮነስ ታሪኻዊ መረዳእታ ይዛረብ ከምዘሎ ዝገለፀ እንትኾን እዚ ንምፍታሕ ድማ እን ገዱ ኣንዳርጋቸው ዝርከብዎ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ሰዲዱ ምንባሩ ብምጥቃስ መልአኽቶም ድማ ንህዝቢ ትግራይ ኣይተሸብሩ፣ መናእሰይ ኣይትቕተሉ ፣ ካብ ህዝቢ ኣይትዝረፉ እቲ ውግእ ምስ ህወሓት እምበር ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን ዝብል ከምዝነበረ ይገልፅ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ግን ብኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብሓባር ኮይኑ ትግራይ ናይ ምጥፋእ ሓባራዊ ስምምዕነት ገይሩ ብሃፍቲ ኢትዮጵያ ባዕዳዊ ሃገር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ፀዊዑ ብናይ ሓባር ወታሃድራዊ ኮማንድ ከበድቲ ጨፍጨፋት ምክያዶም ዓለም ለኸ መርመርቲ ኮሚቴታት ከይተረፈ ዘጋለፅዎ ሓቅታት እዩ።
ኣብዚ ከም መርኣያ ንምጥቃስ ዝኣክል ብኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ስርዓት ኢትዮጵያ ምስ መሻርኽቱ መንግስቲ ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ብሓባር ብሙኻን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኸፈትዎ ፅንተታዊ ኲናት ዕላምኡ ንህዝቢ ትግራይ ብምብታንን ብምጥፋእን ን100 ዓመታት ንድሕሪት ብምምላስ ዝኾነ ይኹን ፖሎቱካዊ ተሳትፎ ከይህልዎ ምግባር ከምዝኾነ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ነጊሮምኒ ክብል ነበር ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፊንላንድን ተወካሊ ጉዳያት ወፃኢ ሕበረት አውሮፓን ዝነበሩ ፒካ ሃቪስቶ ምግላፆም ዝዝከር እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ቅድሚ እቲ ኲናት ብዕሊ ምጅማሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ብሙዃን ምድላዋቶም ይገብሩ ምንባሮም ምስልታት ሳተላይት ብምጥቃም ኒው ዮርክ ታይምስ ምግላፁ ዝከር እዩ። ካብዚ ቀፂሉ ንጨፎጫፍ ማሕበረዴጎ፣ ቦራ ሰለዋን ደብረ ኣባይን ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባብታት ትግራይ ኣጋር ሰራዊት ኢትዮጵያ መስካሕካሕቲ ጨፍጫፋት ምፍፃሙ ዝፍለጥ እንትኾን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንልዕሊ 1 ዓመትን 6ተ ወርሕን ንትግራይ ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ክባ ብምእታው ሰብ ኣዊ ረድኤት ፣ መድሓኒትን መሰረታዊ ሸቐጣትን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ከይረክብ ምግባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ነቲ ውሱን ኣገልግሎት እናሃበ ዝነበረ ግድብ ተከዘ እውን ብኣውሮፕላን ምድብዳቡ ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝግበሩ ዝነበሩ መጥቃዕትታት እዚኦም ጥራሕ ኣይኮነኑን እኳ ድኣስ ብኣሽሓት ዝቕፀሩ ተወለድቲ ትግራይ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ እናተኣረዩ ብዘይ ምንም ገበንን ፍርድን ናብ መዳጎኒ ማእኸላት ክኣትውን ካብ ምግባር ብዝዘለለ ክቕተሉን ብብሄሮም ክሽቕረሩን ተጌሩ እዩ። ይኹን ድኣ እምበር ቀዳማይ ኢትዮጵያ ሎምዓንቲ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት እንትዛረብ ነዚኦም ኣየልዐሎምን።

