Site icon Tigrai Academy

“ግድብ ኣባይ ግብፃውያን ንሚልዮን ዓመታት ማይ ብዘይረኽብሉ ኣገባብ እዩ ተሰሪሑ።” ዶናልድ ትራምፕ

Advertisements

ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዙርያ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንክዛተዩ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚዳንት ሃገረ ግብፂ ኣብዱል ፋታህ ኣልሲሲን ከራኽቡዎም ከምዝደልዩ ተዛሪቦም። ትራምፕ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ዳቮስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ World Economic Forum ምስ ፕረዚደንት ግብፂ ኣብደልፈ ፋታህ ኣልሲሲ ድሕሪ ዘካየድዎ ክልተኣዊ ዘተ እዩ።

“እዚ ግድብ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ዓበይቲ ግድባት ሓደ እዩ” ዝበሉ ትራምፕ ብናይ ኣሜሪካ ገንዘባዊ ድጋፍ ዝተሃነፀ እዩ ኮይኑ ግን ፤ ብመሰረቱ ንሩባ ኣባይ ዝዓግት እዩ ክብሉ ገሊፆም እዮም። እቶም ፕረዚዳንት ወሲኾም ከምዝገለፅዎ ድማ “ስለ ግብፂ ክሓስበሰ ከለኹ ቀዲሙ ናብ ኣእምሮይ ዝመፅእ ኣባይ እዩ” ዝበሉ ትራምፕ ወሲኾም ድማ ” እቲ ግድብ ዓብዪ እዩ። ክህነፅ ከሎን ናይ ገንዘብ ድጋፍ ክገበረሉ ከሎን ገና ኣብ መጀመርይኡ ክዝተየሉ ዝግባእ ጉዳይ ምንባሩ ውን” ጠቒሶም እዮም።

ኣብ ናይ መጀመርያ ዘመን ስልጣኖም መወዳእታ ኣከባቢ ጣልቃ ምእታዎምን ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ ተቃሪቦም ምንባሮምን ዝሓበሩ ዶናልድ ትራምፕ ኮይኑ ግን “መረፃ ተኻይዱ ካብ ስልጣነይ እውን ወሪደ ባይደን ድማ ኣብዚ ጉዳይ ምንም ዝገበሮ ነገር የለን” ክብሉ ተዛሪቦም እዮም።

ትራምፕ ወሲኾም እንዛረቡ “ጉዳይ እዚ ግድብ ሓደገኛ እናኾነ መፂኡ እዩ ነዚ ጉዳይ ናብ ትኽክለኛ መስመር ምምላስ ዝኽእል እንተኾይነ ክርኢ እየ” ክብሉ ገሊፆም እዮም።

ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኣልሲሲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት “እዚ ጉዳይ ሓደገኛ እዩ። እዚ ግድብ ግብፃውያን ንሚልዮን ዓመታት ማይ ብዘይረኽብሉ ኣገባብ እዩ ተሰሪሑ። ሐዚ ፍሰት ሩባ ኣባይ ብሓደ ዓብዪ ግድብ ምኽንያት ተዓጊቱ እዩ” ክብሉ እውን ተዛሪቦም እዮም።

ትራም ቀፂሎም ድማ ንፕረዚዳንት ግብፂ “ኣልሲሲ ከምቲ እትፈልጦ ንስኻ ጠንካራ መራሒ ኢኻ” ዝበሉዎ እንትኾን ወሲኾም ድማ “ብወገን ኢትዮጵያ እውን ጠንካራ መራሒ ኣሎ ኮይኑ ግን ከምቲ ንዓኸ ዝፈልጠካ ንዕኡ ኣይፈልጦን ግን ድማ ጠንካራ ሰብ እዩ። ንክልቴኹም ንምርኻብ ክፍትን እየ ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ እንተኽኢልና እውን ክርኢ እየ” ክብሉ ተዛራቦሞ እዮም።

Exit mobile version