Site icon Tigrai Academy

“ሞትን ስቓይን ህዝቢ ብመደናገሪ ኣጀንዳታት ንምኽዋል ምፍታን ናይ ገበን ገበን እዩ!” ሰሙናዊ መልአኽቲ ውድብ ህወሓት

Advertisements

ብሰንኪ ወረርቲ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ውሽጢ ዓድን ስደትን ዝነብር ህዝብና ብሕማምን ጥሜትን ይሃልቕ ኣሎ። እዚ ብጥሜትን ሕማምን ዝሃልቕ ዘሎ ህዝብና ኣብ ከመይ ዝበለ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝርከብ ማሕበረሰብ ዓለም ክርዳእን እጃሙ ክዋፃእን ዘኽእል ርብርብ ምድሓን ሂወት ይካየድ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ መቐፀልታ እቲ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ሰላሕታዊ ጀኖሳይድ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ እናበኣሰ ዝኸድ ዘሎ ሞትን ስቓይን ህዝብና ከይርዳእን ዘለቒ መፍትሒ ኣብ ምምፃእ እጃሙ ከይዋፃእን ብኻሊእ ኣጀንዳ ንምድንጋርን ነቲ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ህዝብና ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይግበር ኣብ ምዕንቃፍን ምኽልካልን ተፀሚዱ ይርከብ፡፡

ስምምዕ ፕሪቶርያ ከይትግበር ሓኒቑ ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ጀኖሳይድ ኣጠናኺሩ ዝቕፅል ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ መኸተ ህዝቢ ትግራይ ጠሊሞም ኣብ ትሕቲኡ ንዝተዓሰቡ ከምኡ እውን ስቪልን ወታደራውን ሰበስልጣኑ ኣዋፊሩ ነዚ ኣጀንዳ ንምኽዋልን ካሊእ ናይ ፅልእን ቅርሕንትን ሓቲት ንምፍጣርን ኣብ ምስራሕ ተፀሚዱ ይርከብ፡፡

ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ከምቲ ደጋጊሞም ዝገለፅዎ እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራፅ ቶኽሲ ናብ ዘላቒ ሰላም ክሰጋገር እምበር መፈፀሚ ካሊእ መልክዕ ጀኖሳይድ ክኾን ኣይግባእን፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ክንዲ ነቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ምትግባር ካሊእ መልክዕ ጀኖሳይድ ንምቕፃል ኣብ ዘኽእሎ ሽርሕታትን መደናገሪ ኣጀንዳታትን ተፀሚዱ ይርከብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ንስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ምጥሓስ ተቖጢቡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ምዕራብ ትግራይን ፀለምትን ወሪሮም ዝሓዙ ዕጡቓት ብምውፃእ ሕገመንግስታዊ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ክኽበር፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ክወፅእ፣ ብጥሜትን ሕማምን ዝሃልቕ ዘሎ ህዝብና ውሕስንኡ ተሓልዩ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ዘላቒ ህልውንኡ ክረጋገፅ ግቡኡ ክዋፃእ ይግባእ።

ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ነዚ ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ብጥሜትን ሕማምን ዝሃልቕ ዘሎ ህዝብና ብኻልኦት ደናገርቲ ኣጀንዳታት ንምኽዋል ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ መቐፀልታ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ ምዃኑ ብምርዳእ ህልቂት ህዝብና ከብቅዕ እጃሙ ክዋፃእ ይግባእ ንብል።

ብሄራዊ ሓድነት ንምውሓስ ሉእላውነት

ዘለኣለማዊ ዝኽርን መጎስን ንስውኣትና!

Exit mobile version