Site icon Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቬንዙዌላ ከበድቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዘካየደት ኣፍሊጡ።

Advertisements

ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቬንዙዌላ ከበድቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዘካየደት ኣፍሊጡ። ነዚ ስዒቡ ድማ ንቢቢሲ ሒዊሱ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለምና ኣብ ርእሰ ከተማ ቬንዙዌላ ካራካስ ከበድቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈፀመ እናፀብፀባ ይርከባ።


እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ትካላትን መደበር ሓይሊ ኣየርን ቬንዝዌላ ከም ዝተፈጸመ ዘርእዩ ዝተፈላለዩ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እናተዘርግሑ ይርከቡ። ኣሜሪካ ንፕረዚደንት ቬንዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ከምዝሓዘቶም እውን ትራምፕ “ትሩዝ ሶሻል” ኣብ ዝተብሃለ ዕላዊ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ኣድራሽኦም ዝገለፁ እንትኾን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር “ሰፊሕ” መጥቃዕቲ ከምዘካየደት እውን ኣፍሊጡ እዩ።

ቢቢሲ ወሲኹ ከምዝፀብፀቦ ድማ ማዱሮ ኣብ ኒውዮርክ ብዝውውር ሓሽሽን ኣጽዋርን ተኸሲሱ ምህላዉ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ፓም ቦንዲ ከምዝተዛረበ ዝሓበረ እንትኾን እቲ ዓቃቢ ሕጊ “ኣብ መሬት ኣሜሪካን፥ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኣሜሪካን ምሉእ ቁጥዐ ፍትሒ ኣሜሪካ ክረክብ እዩ” ክብል ምግላፁ እውን ኣመላኺቱ እዩ።


ነዚ ስዒቡ ዝተፈላለያ ሃገራት ተቛውመአን እናገለፃ ዘለዋ ኮይነን ኢራን ንመጥቃዕቲ ኣሜሪካ ስዒቡ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ “ግሉጽፅ ጥሕሰት ግዝኣታዊ ሓድነት ቬንዙዌላ” ተኻይዱ ብምባል ኮኒናቶ ኣላ። ብተወሳኺ ኢራን ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN) ዝኣመሰሉ ኣህጉራውያን ትካላት ድማ ጣልቃ ክኣትው ፃውዒታ ኣቕሪባ እያ።


ሩስያ ብወገና ኣሜሪካ “ዕጥቃዊ ወራር ኣካይዳ” ክትብል ከሲሳ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቬንዙዌላ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ እቲ ፀገም ንከይጋደድ ብዘተ ዕልባት ክግበረሉ ፀዊዑ።

ፕረዚደንት ኩባ ሚግኤል ዲያዝ-ካነል በርሙደዝ ብግደኦም ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣጋር ኩባ ዝኾነት ሃገረ ቬንዙዌላ ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ “ገበን” ክብል ኮኒንዎ እዩ።

ኢንግሊዝ ብግደኣ፥ ኣብዚ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቬንዙዌላ ዛካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ኢድ ከምዘይብላ ዝገለፅት ኮይና ብዛዕባ እቲ ደብዳብ ዝርዝር ሓቅታት ብዝምልከት ምስ ፕረዚዳንት ትራምፕ ክዘራረቡ ከም ዝደልዩ ጠቅላይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኪር ስታርመር ንማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ተዛሪቦም።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም አንቶንዮ ጉተሬዝ ብወሃቢ ቃሉ ስቴፈን ዱጃሪክ ኣቢሉ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ድማ: ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቪንዙዌላ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ከምዘተሓሳሰቦ ብምግላፅ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲታት ነቲ ዞባ ዘስግእ ሳዕቤናት ክህልዎ ከምዝኽእል ገሊፁ።

ብተወሳኺ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ መግለፂኡ ከምዝሓበሮ እዚ ምዕባለታት ካብ ኩነታት ቬንዙዌላ ነፂልካ እንትረአ እውን ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ እዩ ዝበለ እንትኾን ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ኣህጉራዊ ሕጊታት ሙሉእ ብሙሉእ ምኽባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ ኣሎ። ኣህጉራዊ ሕግታት እናተኸበረ ብዘይሙኻኑ ከምዘሻቐሎ ድማ ጠቒሱ እዩ።

Exit mobile version