Site icon Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

“ብዛዕባ ፅባሕ ምምላስ ተመዛበልቲ እናሓሰብና ቅልጡፍ ስራሕቲ ሂወት ምድሓን ክንሰርሕ ኣለና” ፕረዝደንት ለ/ጀነራል ታደሰ ወረደ

Advertisements

ብፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተመርሐ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ ዘካየዶ ዑደት ማእኸል ገይሩ ሎሚ ታሕሳስ 19/2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሽረ ዘተ ተሳሊጡ።

ኣብ ኩለን ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ወገናት
ምውሓድ ሓገዝ፣ ዝርካቡ ሓገዝ እውን ፅሬት ዘይብሉ ምዃኑ፣ ፀገም ሕክምናን መጎዓዝያን፣ ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋውያንን ህፃናትን ቀንዲ ግዳያት እቲ ፀገም ምኳኖም፣ ስእነት ክዳንን መፅለሊን ብዋናነት ዝጥቀሱ እዮም። ብተወሳኺ ድማ ሐዚ እውን ዋሕዚ ሓዱሽ ተመዛባላይ ምህላዉን እዞም ፀገማት ንምፍታሕ ህፁፅን ዝተዋደደን ስራሕ ክውገን ከም ዘለዎ ተገሊፁ።

ህፁፅ ምላሽ ዘድልዮ ሰብኣዊ ቕልውላው ምብፃሕን ክምለሱ ብዝተዋደደ መልክዕ ምዕማምን ብሓደ ዝኸዱ እዮም ዝበሉ ፕረዝደንት ታደሰ ተመዛበልቲ ብሂወት ንምፅናሕን ብዘላቒ ንምድሓንን ስትራተጂ ከም ዝጠልብን ተመዛበልቲ መሰረታዊ ዝኾነ ኣገልግሎት ክወሃቡ ምግባር ግዘ ዘይህብ ስራሕ እዩ ኢሎም።

እዚ ፀገም እቲ ኩናት ዝወለዶ ይኹን እምበር ተመዛበልቲ ኣብ ሓደጋ ጥምየት ንክወድቑ ከም ኣመራርሓ ናይ ኹልና ሓባር ውድቀት እዩ ብምዃኑ ድማ እዚ ዝተፈጠረ ፀገም ንምፍታሕ ናይ ፖሎቲካን ቢዝነስን ሸቀጥ ጉዳይ ንጎኒ ገዲፍና ሂወት ኣድሕን ሰብኣዊነት ስራሕ ክንሰርሕ ኣለና ዝብል ተሰሚሩሉ እዩ።

እቲ ሓገዝ ብክልል ደረጃ ብማእኸል ክምራሕ ኮሙቴ ተጣይሹ ኣብዚ ህፁፅ ጉዳይ ማእኸል ገይሩ ብቐፃልነት እቲ ኣጀንዳ ንድሕሪት ከይምለስ ዝገብር ስራሕ ከም ዝተጀመረ ዝተሓበረ እንትኾን እቲ ዝመፅእ ሓገዝ ምትእምማን ብዘለሉ መንገዲ ብሓላፍነትን ተሓታትነትን ብፕረዚደንት ደረጃ ከም ዝምራሕ ተሓቢሩ እዩ።

እቲ ፀገም ዘላቒ መፍትሒ ዝርከበሉ ህፁፅ ዝኾነ ናይ ሰብኣዊነት ስራሕቲ ኣግባብ ብዘለዎ መንገዲ ተጠናኺሩ ክበፅሕ ምግባር፣ ሓገዝ ዝገብሩ ኣካላት ብሓላፍነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ መንዲ ክሰርሑ፣ ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ኣብ ተመዛበልቲ ክፀሪ፣ ኣብ ተወከልትን መተሓባበርትን ተመዛበልቲ ዘሎ ፀገም ክፀፍፍን ናይ ሕክምና ስራሕቲ ካብ ዓይደር ጀሚሩ ክሳብ በቢከባቢኡ ዘሎ ናይ ተመዛበልቲ መዕቖቢ ተናቢቡ ዝሕከመሉ መንገዲ መስርሕ ምዝርጋሕ ከም ዘድሊ ተሰሚሩሉ እዩ።

ብተመሳሳሊ ምስ ሓገዝትን መሓዙትን ዓለም ለኸ ትካላት ዘተ ዘሳለጠ እንትኾን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናቐነሱ ብምምፀኦም፣ መጠን ዝወሃብ ሰብኣዊ ሐገዝ ብምውሓዱ፣ ሐዚ እውን ካብ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይን ፀለምትን ካልኦትን ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ይውሕዙ ብምህላዎም ዝድለ ሰብኣዊ ሓገዝ እናብፅሑ ዘይምዃኖም ተገሊፁ።

ብምዃኑ ድማ ኣብ ተመዛበልቲ ዝረአ ዘሎ ከቢድ ፀገም ንምቕራፍ ቀልጢፍካ ናብ ዘላቒ መፍትሒ ምእታው፣ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሓገዝ ንምርካብ ህፁፅ ፃውዒት ከም ዝገብሩ ዝሓበሩ እንትኾን ዛጊድ ዝቐርብ ዘሎ ሓገዝ ብመጠንን ፅሬትን ዋሕዲ ከም ዘለዎን እቶም ኣካላት እዚ ፀገም ኣብ ምቕራፍ ዝከኣሎም ኩሉ ንምግባር ቃል ኣትዮም ኣለው።

ኣብ መወዳእታ መሰረታዊ ድሌትን ባህግን ተመዛበልቲ እናተሓገዝና ክንነብርን ኣብዚ ክንመውትን ኣይንደልን ንዓድና መልሱና ዝብል እዩ ስለዝኾነ ድማ ጎና ጎኒ ህፁፅ ሂወት ምድሓንን ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዘላቒ መፍትሒ ምግባርን እዩ ዝብል ኣብ ስምምዕነት ዝተበፅሐሉ እዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዚዳንት ፀብፂቡ።

Exit mobile version