ውድብና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከምኡ እውን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኸታታሊ መድረኻት ምድላው ፈፀምቲ ዓቕምታት ከካይዱ ቀንዮም ትማሊ 5 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ብዓወት ዛዚሞም ኣለዉ፡፡ እዞም መድረኻት ብዋናነት ኣብቲ ከም ህዝቢ ገጢሙና ዘሎ ሓደጋ ህልውና ትኹረት ጌሮም ብምዝታይ መላእ ኣመራርሓ ትግራይ ነዚ ሓደጋ ዝምጥን ቃልሲ ክገብር ብምርድዳእን ብምውሳንን ተዛዚሞም ኣለዉ፡፡ እዚ ቃልሲ ዝዕወት እቲ ወሳናይ ዓቕሚ ዝኾነ ህዝብና እንትሳተፈሉን እንትውንኖን ምዃኑ ብምግንዛብ እውን ብምንቅስቓስ ምልኣተ ህዝቢ ክካየድ ኩሉ ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ክፍፅሙ ወሲኖም እዮም።
ብመሰረት እዚ እውን ህልውናና ንምውሓስ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ቃልስና ክነጠናኽር ኣብ ዝሓትት መድረኽ ንርከብ ። እቶም በቢመዋእሉ ከም ህዝቢ ዝገጠሙና ሓደጋታት ህልውና በዲህና ከም ህዝቢ ዝቐፀልናሉ ምሽጥር ሳላ ስጡም ሓድነትናን ውዳበነናን እዩ። እዚ ዝፈልጡ ፀላእቲ ድማ ሓድነት ህዝብና ብምሽርሻር ንምስኳን ዝፍሕስዎ ዘለው ሽርሕታት ብእዋኑ ብምፍሻል ዳግም ዘንፀላሉ ዘሎ ቅሉዕ ኲናት ብርሑቑ እነትርፈሉ ኩነታት ክንፈጥር ይግባእ። ነዚ ደጋዊ ሓደጋ ተቓላዓይነትና ክውስኽ ዝገብሩ ጉድለታት ግዕዝይናን ብልሽው ኣሰራርሓን ፣ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ከባብያዊ ፀጥታን ከምኡ እውን ንጀኖሳይዳዊ ወራር ስዒቦም ዝተፈጠሩ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ዘቃልሉን ዓርሰ ምርኮሳ መሰረት ዝገበሩን ዕማማት ክንፍፅም ይግባእ። በቢደረጅኡ ዝፍፀሙ ብልሽው ኣሰራርሓታትን ግዕዝይናን ከምኡ እውን ስግኣት ፀጥታ ህዝብና ዝኾኑ ተግባራት ካብ ዓይኒ ህዝቢ ዝኽወል ስለዘየለ ብተሳትፎን ወሳናይነትን ህዝብና ነቶም ፀገማት ብምቅላዕ ካብ ምንጮም ምድራቕ ዝከኣል ህዝብና ወሳናይ ህዝብና ተርኡ እንትዋፃእ እዩ።
ኣብ ማሕበረ ቁጠባዊ መደባትና እውን ምህርቲ እዚ ዓመት ብእዋኑ ብምእካብ ናይ መስኖ ስርሓትና ቀልጢፍና ክንጅምር፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ዝተፈጠሩ ማሕበራዊ ፀገማት ዘቃልሉ ርብርብ ክካየድ፣ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ ንገብሮ ቃልሲ ከመዘሎ ኮይኑ ኣብ ማእኸላት መዕቖብን ምስ ህዝቢ ተፀንቢሮምን ኣብ ዝኸፍአ መነባብሮ ዝነብሩ ንዘለው ወገናትና ከምቲ ዝመፃናዮ ምድግጋፍና ክቕፅል ፣ ኣብ መደባት ትምህርቲን ጥዕናን ትኹረት ጌርና ክንዓምም ዓቕሚ ብዝፈቐዶ ናይ ዳግመ ህንፀት ስርሓትና ክንውግን ይግባእ።
ብመንፅር እዚ ውሽጣዊ ተቓላዓንነትና ዝውስኹ ፀገማት ቀልጢፍና ብምእላይን ብምቅላልን ትኹረትና ኣብቲ ዓብዪ ብሄራዊ ኣጀንዳና ዝኾነ ምውሓስ ህልውናን ሉእላዊ መሬትናን ክኸውን ይግባእ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሉእላዊ መሬትና ብምውራር ህዝብና ሓራ ከይወፅእ፣ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ናብ መረበቶም ከይምለሱ ብምግባር ዝጀመሮ ጀኖሳይድ ይቕፅል እዩ ዘሎ። ካብዚ ሓሊፉ እውን ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብቐጥታን ብዝወደቦም ዕጡቓትን ቶኽሲ ከፊቱ፣ በጀት ቆሪፁ፣ ኣብ ልዕሊ ትካላት ትእምትን ፋይናንስን ትግራይ ዘይሕጋዊ እገዳ ብምንባር ህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ኩሎም መልክዓት ጀኖሳይድ ይፍፅም እዩ ዘሎ። ብሓፈሻ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብግልፂ ጥሒሱ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዳግማይ ደማዊ ኩናት ኣብ ምትኹቷኽ ተፀሚዱ ይርከብ።
ንምውሓስ ብሄራዊ ህልውና ህዝቢ ትግራይ፤ እቲ ብጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ክበታተንን ዓቕሚ ክስእንን ተጌሩ ዝነበረ ስትራቴጂካዊ ዓቕምታት መኸተ ትግራይ ዳግም ብሓባር ይትልምን ኩነታት ሓቢሩ ይግምግምን ኣሎ። መላእ ህዝብና ኣብ ጎኒ እዞም ስትራቴጂካዊ ዓቕምታት መኸተ ማለት መሪሕ ውድቡ ህወሓት፣ ሰራዊት ትግራይን ግዝያዊ ምምሕዳርን ረቢቡ ከምቀደሙ ቃልሱ ብምጥንኻር ንምውሓስ ህልውናና ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ወሳናይ እጃሙ ክዋፃእ ክነዘኻኽር ንፈቱ።
ዘለኣለማዊ ዝኽርን መጎስን ንስውኣትና!

