ኣውስትራልያ ትሕቲ 16 ዕድሚኦም ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይጥቀሙ ኣጊዳ።
ኣውስትራልያ ትሕቲ 16 ዕድሚኦም ህፃናት ሰገናትን ከም ቲክቶክ፣ ኤክስ/ትዊተር፣ ፌስቡክ፣ ኢንስታግራም፣ ዩቲዩብ፣ ስናፕቻት ዝበሉ መተግበርታት ከይጥቀሙ ዝኽልክል ሕጊ ክትትግብር ምዃና ኣፍሊጣ።
ዛጊድ ምስ ሜታ፣ ዩቲዩብ ቲክቶክን ንተግባራውነት እቲ ሕጊ ምርድዳእ ከም ዝተፈጠረን ምስ ሰብ ዋና እዞም ትካላት ከም ዝተስማዕምዑን ምስ ኤክስ/ትዊተር ድማ ኣብ ምዝርራብ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።
ዕላማ እቲ ሕጊ ቆልዑን ሰገናትን ካብ ሓደጋን ጎዳእትን ትሕዝቶታት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ ዝተገለፀ ኾይኑ፥ ካብ ትማሊ ታሕሳስ 01/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ተግባር ከም ዝውዕል ድማ ተገሊፁ።
ኣተገባብራ እቲ ሕጊ ድማ ትሕቲ 16 ዓመት ዕድሚኦም ሰገናትን ህፃናትን ሓዱሽ ኣካውንት ከይኸፍቱን ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮም ድማ ክዓፅዉ ዘገድድ ምዃኑ ተገሊፁ።
ከም ዋትስ ኣፕ ሜሴንጀር ዝበሉ መተግበርታት ድማ ብልዑል ክትትል ክጥቀሙ ከም ዝግበር ተገሊፁ።
ኣውስትራልያ ትሕቲ 16 ዝዕድሚኦም ህፃናትን ሰገናትን ማሕበራዊ ሚድያ ከይጥቀሙ ብምኽልካል ፈላመይቲ ሃገር ኮይና ከም ዘላ ድማ ዘ ጋርድያን ፀብፂቡ።
ብወገን እቶም ህፃናትን ሰገናትን ኢሉ እውን ስድራቤቶምን ክልተ ጫፋት ዝሓዙ ናይ ተቓውሞን ድጋፍን ሓሳባት ይረኣዩ ከም ዘለዉ ፀብፃብ ቢቢሲን ዘ ጋርድያንን የረድእ።

