Site icon Tigrai Academy

“ዘይሓወየን ኣብ ስቓይን ዘሎ ህዝብና ዳግም ናብ ዘይደልዮ ኣዕናዋይ ኩናት ከይኣቱን ደበና ናይ ኩናት ክነትርፍን ዝለዓለ ፃዕሪ ክንገብርን ሓላፍነት ወሲድና ክንሰርሕን ኢና።” ፕረዚደንት ለ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ

Advertisements

“ዘይሓወየን ኣብ ስቓይን ዘሎ ህዝብና ዳግም ናብ ዘይደልዮ ኣዕናዋይ ኩናት ከይኣቱን ደበና ናይ ኩናት ክነትርፍን ዝለዓለ ፃዕሪ ክንገብርን ሓላፍነት ወሲድና ክንሰርሕን ኢና።” ፕረዚደንት ለ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ

እዙይ ዝተገለፀ፣ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ናይ ሕሉፍ ርብዒ ዓመት ኣፈፃፅማ፣ናይ ቀፃሊ ኣንፈታትን መደባትን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምግምጋምን ንምዝታይን ኣብ ዝተዳለወ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮ ክልል መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርህን ናይ ስራሕ መምርሕን እዩ፡፡

ፕረዚደንት ለ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝወሰደ ከባቢያዊ፣ ሃገራዊን ክልላዊን ዝዳህሰሰ ገምጋም ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርህን ናይ ስራሕ መምርሕን፣ በብግዚኡ እናተለዋወጡ ኣብ ዝኸዱ ዘለዉ ፖለቲካዊ: ፀጥታን ደሕንነትን ምንቅስቓሳት ንትግራይ ዝፀልውሉ ግዳማዊ ኹነታት ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ምህላዎም ብምሕባር፣ ነዚኦም ንምክልኻል እንተዘይሰሪሕና ናብ ውሽጥና ጉዳያት ልሒኾም ሓደጋ ዝኾንሉ ዕድል ሰፊሕ ምዃኑ ሓቢሮም።

ዝኾነ ሕብረተሰብ ዘጋጥሞ ሓደጋ ህልዉና ካብ ውሽጥን ግዳምን ዝብገስ ምዃኑ ዝገለፁ ፕረዚደንት ታደሰ፣ ኣብ ትግራይ እውን ክልቲኦም ምንጪታት ሓደጋ ህልውና ዝተኸሰተሉ ኣጋጣሚ ከምዘሎ ብምሕባር፣ በቲ ሓደ ገፅ ካብ ውሽጢ ልዑል ሓደጋ ተቓላዕነት፣ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ካብ ግዳም ዝተበየነልና ፅንተትን ኮይኖም ንክልቲኦም ምንጪታት ሓደጋ ብሙሉእ ዓቕምና ምቅላስ ግድን ምዃኑ ኣብሪሆም።

ትግራይን ህዝባን ሕዚ’ውን ናይ ህልውና ሓደጋ ኣለዋ ዝበሉ ፕረዚደንት ታደሰ፤ ብምዃኑ ድማ ሕድ ሕድ ኣብያተ ዕዮ ዘለው ፀገማት ኣብ ምቕራፍ ዝነበሮ ግደ ብምግምጋም ንቐፃሊ እንታይ ክስራሕ ከም ዝግበኦ ከአንፍት ኣተሓሳስቦም። እቶም ፕረዚደንት ወሲኾም ሕድ ሕድ ኣብያተ ዕዮ፣ ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ኣብ ምቕልባስ እንታይ እጃም ከም ዝነበሮ ኣተሓሒዙ ኣፈፃፅማ ስርሑ ክግምግም ከም ዘለዎ ሓቢሮም፡፡

ሓለፍቲ ሕድሕድ ኣብያተ ዕዮ ጥቡቕ ኽትትል፣ ገምጋምን ድጋፍን ብምክያድ ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ሰራሕተኛታትን መላእ ህዝብን ብምስታፍ፣ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ትገራይ ተግባራዊ ክኾኑን ህዝቢ ዝደልዮ ኣገልግሎት ኣብ ግዚኡ ክረክብን ብልዑል ወነን መንፈስን ክረባረቡ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ፀዊዖም። ሱር ዝሰደዱ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገማት፣ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተጋደደ ዝኸድ ዘሎ ስራሕ ስእነትን ኢኮኖሚያዊ ቅልውላውን ቀጥታ ናይ ህልውና ሓደጋን ፈተናን እዮም ዝበሉ ፕረዚደንት ታደሰ፤ እዚኦም ብኣግባቡ እንተዘይፈትሺናዮም፣ ፍትሕን ርትዕን ኣስፊንና ጠንካራ ማእኸል ዘለዎ መንግስቲ እንተዘይፈጢርናን ናብ ዘይተደለየን ዘይንወፆን ፀገም ናይ ምእታውና ዕድል ሰፊሕ እዩ ኢሎም። ጠንካራን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝዓሰላ ትግራይ ንምህናፅ ቅድሚ ኹሉ እቲ ዝተበላሸወ ስርዓት ካብ ምስትኽኻልን ጠንካራ ማእኸል ዘለዎ መንግስቲ ካብ ምፍጣርን ካሊእ ኣማራፂ ከም ዘየለ ድማ ገሊፆም።

ብወገን ትግራይ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብኣግባቡ ንምፍፃም ልዑል ቁርፀኝነት ከምዘሎ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ታደሰ፣ ዝተሰደደን ዝተመዛበለን ህዝብና ናብ መረበቱ ንምምላስን ላእላውነትና ንምውሓስን ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት እንህቦ ጉዳይ እዩ ኢሎም። ብምዃኑ ድማ ዘይሓወየን ኣብ ስቓይን ዘሎ ህዝብና ናብ ዘይደልዮ ኣዕናዋይ ኩናት ከይኣቱን ደበና ኩናት ክንምቕንጣጥን ዝለዓለ ፃዕሪ ክንገብርን ሓላፍነት ወሲድና ክንሰርሕን ኢና ኢሎም። ይኹን እምበር ተወዓዓሊና ዝኾነ ፊደራል መንግስቲ እውን ተመሳሳሊ ፅኑዕ መርገፂ ክወስድን ዘይተመለሱ መሰረታዊ ጠለባትና ንምምላስ ክተግህን ፀዊዖም።

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ውሽጥና ፖሎቲካዊ ኣፈላላያት ተፈጢሮም እዮም፣ ስለዚ እዞም ፀገማት ብምዕባጥን ዕሽሽ ብምባል ዘይኮነ፣ ከም ውህብ ብምውሳድ እቶም ፀገማት እንታይ ምዃኖም ኣለሊና መፍትሒ ብምሃብን እቲ ልሂቅ እውን ዘለውዎ ኣፈላላያት ብዝሰልጠነ መንገዲ ብልዝብ: ዘተን ምርድዳእን ክፈትሕ ዕድል ምፍጣርን ኣብ ጉዳይ ዓዱ ናብ ሓድነት ክመፅእ ምግባርን እዩ ክኾን ዘለዎ ኢሎም ፕረዚደንት ታደሰ ።

ኣብ መወዳእታ ንኽልተ መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐ ናይ ሕሉፍ ርብዒ ዓመት ገምጋምን፣ ናይ ቀፃሊ ኣንፈታትን መደባትን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ በቢ ደረጅኡ ንታሕቲ ወሪዱ ምይይጥ ከም ዝግበረሉን ቤት-ፅሕፈት ፕረዚዳንት ኣብ ፌስቡክ ገፁ ሓቢሩ።

Exit mobile version