Site icon Tigrai Academy

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ነዳዲ ዘቐመጦ 30% ወሰኽ ግብሪ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኾን ተገሊፁ።

Advertisements

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ነዳዲ ዘቐመጦ 30% ወሰኽ ግብሪ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኾን ተገሊፁ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዝመፅአ ኣብ ነዳዲ ዝግበር ድጎማ ቀስ ብቀስ ብምልዓል ናብ ሓዱሽ ናይ ግብሪ መዋቕር ዘእተዎ እንትኾን እዚ ሓዱሽ ወሰኽ ግብሪ ድማ ካብ መፃኢ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኾን ተሓቢሩ።

እዚ ሓዱሽ ስጉምቲ ኣብ ምህርቲ ነዳዲ 15% ተወሳኺ እሴት ታክስ (VAT)ን 15% ኤክሳይዝ ቀረፅ ዘካተተ ጠቕላላ 30% ግብሪ ዝተቐመጠሉ ኮይኑ ነዚ ስዒቡ ድማ ትካል መቕረቢ ነዳዲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ማለት እውን ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ብዚ መሰረት ግብሪ ምእካብ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

ኣብ ነዳዲ ዝግበር ወሰኽ ዋጋ ምስ ጠቕላላ ምንቅስቃሳት ህዝቢ ዝተኣሳሳር ብሙኻኑ ድማ እቲ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ተወሳኺ ንኽጋደድ ከይገብር ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ሰብ ሞያ ቁጠባ ካብ ብሐዚኡ ስግኣቶም እናገለፁ ይርከቡ።

Exit mobile version