ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ጂንካ ዘጋጠመ ሄሞራጂክ ፌቨር (Hemirrhagic Fever) ዝተብሃለ ሕማም መልዐሊኡ ማርበርግ (Marburg Virus) ዝተብሃለ ዓይነት ቫይረስ ከም ዝኾነ ኣረጋጊፀ ክብል ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ኣብ ብሄራዊ ሪፈረንስ ላቦራቶሪ ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ ምርመራ ናሙና መሰረት እዚ ቫይረስ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ምስ ዘጋጠሙ ቫይረሳት ተመሳሳሊ ዓሌት ከምዘለዎ ተፈሊጡ ክብል ገሊፁ እዩ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ወሲኹ ከምዝገለፆ ድማ ሎሚ ዕለት ካብ ዘካየዶም ምርመራታት ናይቲ ሕማም ምልክት ይኹን ብዚ ዝተጠርጠረ ሰብ ከምዘይተረኸበ ዝሓበረ እንትኾን ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ዝተሳተፍሉ ጉጅለ ሓካይም ናብቲ ክልል ብምልኣኽ ነዚ ቫይረስ ናይምቁፅፃርን ምክልኻልን ንጥፈታት እናካየደ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ሐዚ እውን አብ ኩሉ ማሕበረሰብ ስራሕቲ ዳህሳስ ፣ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኣግሊልካ ናይ ምሕካምን ግንዛበ ናይ ምፍጣርን ስራሕቲ እናካየደ ከምዝርከብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዝገለፀ ኮይኑ ምልክታት እዚ ቫይረስ ዝኾኑ መድመይቲ ኣፍ ፣ ኣፍንጫ ወይ ካልኦት ናይ ሰውነት ኣካላት፣ ተቕማጥ ፣ ተምላስ ወይ እውን መቖት ዝበሉ ምልክታት ዝተርኣይሉ ሰብ እንተጋጥም ብቅልጡፍ ናብ ትካላት ጥዕና ብምዃድ ምርመራ ክገብር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ቫይረስ ንምቁፅፃር ዝውዕል 300,000 ዶላር ህፁፅ ሓገዝ ከምዝገበረን ቴክኒካዊ ድጋፍ ዝህብ ጉጅለ ልኡኽ ከምዝለኣኸን ብምግላፅ ኣብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ብዝርከቡ ቅርንጫፋቱ ኣቢሉ ክትትል እናገበረ ከምዝርከብ ምግላፁ እውን ዝዝከር እዩ።

