Site icon Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

ፕረዚደንት ኢስማኤል ኡመር ጊሌህ ንመበል 6ይ ግዜ ሕፁይ ፕረዚዳንት ኮይኖም ተመሪፆም።

Advertisements

ገዛኢ ውድብ ሃገረ ጁቡቲ Peoples Rally for Progress (RPP) ንኢስማኤል ኡመር ጌሌህ ሕፁይ ፕረዚዳንት ገይሩ ከምዝመረፀ ኣፍሊጡ። ገዛኢ ውድብ ሃገረ ጁቡቲ ዝኾነ Peoples Rally for Progress (RPP) ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 29 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ መፃኢ ወርሒ ሚያዝያ ንዝካየድ ፕረዚዳንታዊ መረፃ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፕረዚደንት ጁቡቲ ኮይኑ እናመርሐ ዘሎ ኢስማኤል ኡመር ጊሌህ ንመበል 6ይ ግዜኡ ፕረዚደንት ንሙዃን ክወዳደር ሕፁይ ፕረዚደንት ገይሩ ኣቕሪብዎም።

ገዛኢ ውድብ እታ ሃገር RPP ነዚ ዝገለፀ ካብ መላእ ከባብታት እታ ሃገር ዝመፁ ደገፍቱ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብዘካየዶ ጉባኤኡ ከምዝኸነ ዝተሓበረ ኮይኑ እቶም ፕረዚደንት ብግደኦም ሑፅይ ኮይኖም ምምራፆም ከምዝተቐበሉ ብምግላፅ ዓለም ለኻዊ ፈተናታት ኣብዘለውሉ እዋን ሰላም፣ ሓድነትን ምዕባለን ንምርግጋፅ ከምዝሰርሑ ገሊፆም እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፓርላማ ጁቡቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ሕፁይ ፕረዚዳንት ንምዃን ተቐሚጡ ዝነበረ ገደብ ዕድመ ምልዓሉ ዝዝከር እንትኾን ነዚ ስዒቡ ድማ ንወዲ 77 ዓመት ኢስማኤል ኡመር ጊሌህ ንመበል 6ይ ግዜ ንፕረዚዳንትነት ክወዳደሩ ኣኽኢልዎም እዩ።

ኢስማኤል ኡመር ጊሌህ ካብ 1999 ኣ.ፈ ጀሚሮም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘላ ንእሽተይ ሃገር ግን ድማ ወሳኒ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ዘለዋን ንሃገራት ኣሜሪካ ፣ ፈረንሳይ፣ ጃፓን፣ ጣልያንን ቻይናን ወታሃድራዊ መዓስከራት ዘቐመጡላ ሃገረ ጁቡቲ እናመርሑ ዘለዉ እዮም።

Exit mobile version