ግብፂ ኣብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋዕን ንክሰፍንን ግዝኣታዊ ሓድነት ሱዳን ንክረጋገፅን ከምእትድግፍ ገሊፃ። እዙይ ዝተገለፀ ሚኒስትሪ ጉደያት ወፃኢ ግብፂ ባድር ኣብደላቲ ትማሊ 2 ሕዳር 2018 ዓ/ም ናብ ፖርት ሱዳን ተጓዒዞም ካብ ፕረዚዳንት ግብፂ ኣብደልፈታህ ኣልሲሲ ዝተልኣኸ መልአኽቲ ናብ ኣቦ መንበር ልኣላዊ ሽግግር መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ኣብደልፈታህ ኣልቡርሃን ኣብ ዘብፅሑሉ እዋን እዩ። እቶም ሚኒስትሪ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ምስ ጀነራል ኣልቡርሃንን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ዝኾኑ ሙሂልዲን ሳሌምን ኣብ ሱዳን ዘሎ ወቅታዊ ኩነታትን ምስ ሩባ ናይል ዝተትሓሓዙ ጉዳያትን ኣመልኪቶም ከምዝተዛተዩ ኣገልግሎት ሓበሬታ መንግስቲ ግብፂ ኣፍሊጡ።
ፕረዚዳንት ግብፂ ኣብደልፋታህ ኣልሲሲ ናብ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝልኣኽዎ መልአኽቲ ድማ ግብፂ ንሱዳን ዘለዋ ደጋፍ ዝገልፅን ፤ ግብፂ ኣብ ምስፋን ሰላም ምርግጋዕን ፣ምርግጋፅ ሉኣላውነትን ምጥንኻር ሓድነትን ሱዳን ዘለዋ ድጋፍ ንምርግጋፅ ከምዝኾነ እውን ተመላኺቱ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ማኒስትሪ ባድር ኣብደላቲ ኣብ ፃንሒቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዝተርኣዩ ለውጥታት ኣመልኪቶም እውን ከምዝተዛተዩን ኣድላይነት ምሕላው ብሄራዊ ትካላትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሱዳንን ኣመልኪቶም ከምዝተዛተዩን መግለፂ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣመላኺቱ እዩ።
ባድር ኣብደላቲ ወሲኾም ከምዝሓበሩዎ ድማ ግብፂ ሱዳን ብዝምልከት ዝወሰደቶ ቅዋም ካብ መምርሕታት ፕረዚዳንት ኣልሲሲ ከምዝብገሰን እዚ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘሎ ታሪኻውን ሕውነተታውን ርክብ ከምዝምሰረት ምግላፆም እውን ተሓቢሩ እዩ።
ኣብ ጉዳይ ተፋሰስ ናይል (ኣባይ) ኣመልኪቶም ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ድማ ኣብ ምሕላው ውሕስነት ማይ ንምትሕብባር ትኹረት ዝገበረ ከምዝነበረ እቲ መግለፂ ኣመላኺቱ እዩ። ክልቲአን ሃገራት ኣካለት ተፋሰስ ሩባ ናይል (ኣባይ) ከም ሙዃነን መጠን ዘለወን ናይ ሓባር ቅዋም ደጊመን ኣረጋጊፀን ዝበለ እቲ መግለፂ ፤ እዚ ድማ ዓለም ለኻዊ ድንጋገት ኣጠቓቕማ ሓባራዊ ሃፍትታት ማይ ሙሉእ ብሙሉእ ንምኽባርን ኣብ ሩባ ናይል (ኣባይ) ዝውሰዱ በይናዊ ስጉምቲታት ንምቅዋምን ወሳኒ ሙዃኑ ሓቢሩ እዩ።
ጀነራል ኣብደልፈታህ ኣልቡርሃን ብወገኖም ግብፂ ብቐፃልነት ንዝገበረትሎም ድጋፍ ብምንኣድ ንፕረዚዳንት ኣልሲሲ ምስጋንኦም ከምዝገለፁ ዘመላኸተ እቲ መግለፂ ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ፤ ሱዳን ኣብ ቅልውላው ኣብዘላትሉ እዋን ብቐፃልነት እናገበረቶ ዘላ ድጋፍ ኣጠናኺራ ንኽትቅፅል ከምዘተሓሳሰቡ እውን ተመላኺቱ እዩ።

