Site icon Tigrai Academy

ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ዝቕፅል ዘሎ ኵናት ጠጠው ንምባል ዘቕረበቶ ሓሳብ ሰራዊት ሱዳን ውድቂ ከምዝገበሮ ተገሊፁ።

Advertisements

ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ዝቕፅል ዘሎ ኵናት ጠጠው ንምባል ዘቕረበቶ ሓሳብ ሰራዊት ሱዳን ውድቂ ከምዝገበሮ ተገሊፁ። ሰራዊት ሱዳን ንፕሮፖዛል ኣሜሪካ ውድቂ ዝገበሮ ብጀነራል ኣብደልፋታህ ኣልብርሃን ዝምራሕ ቤትምኽሪ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ህልዊ ኩነታት እታ ሃገር ንምዝታይ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ከምዝኾነ ድማ ማዕኸን ዜና ሚድል ኢስት ሞኒተር ፀብፂቡ እዩ።

ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ዝቕፅል ዘሎ ኵናት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ኣበርቲዓ እናሰርሐት ከምዘላ ብዕለት 24 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ፕረስ ሴክሬታሪ ዋይት ሃውስ ዝኾኑ ካሮሊን ሌቪት ምግላፆም ዝዝከር ኮይኑ ሰራዊት ሱዳን ድማ ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ዘቕረበቶም ሓሳባት ከምዘይቕበል ብምግላፅ ንመላእ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ጎኑ ክስለፍ ብምፅዋዕ ምስ ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሄሚቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ (RSF) ዘካይዶ ዘሎ ኵናት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ ኣሎ።


ኣሜሪካ ተኹሲ ጠጠው ንክብል ዘቕረበቶም ጠለባት ከምዘቕበል ዝገለፀ ሰራዊት ሱዳን ብድምሩ ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ዝቕፅል ዘሎ ኵናት ጠጠው ንምባል ዝትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ከምዝንእድ ግን ገሊፁ እዩ ክብል ሚድል ኢስት ሞኒተር ፀብፂቡ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኣብ ሱዳን ዝቕፅል ዘሎ ኵናት ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ይኸውን ከምዘሎ ብምግላፅ ብህፁፅ ጠጠው ክብል ፀዊዖም።

ከም ፀብፃብ ማዕኸን ዜና ኣናድሉ ድማ ሰራዊት ሱዳን ሎሚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህፁፅ ውሃብቲ ደገፍ (RSF)ኣብ ከባብታት ማእኸላይ ዳርፉርን ሰሜናዊ ኮርዳፋን ፅዑቕ ደብደብ ኣውሮፕላን ከምዘካየደ ተሓቢሩ። ማዕኸን ዜና ኣናድሉ ንኣል-ማሻድን ኣል-ሱዳኒን ዝተብሃላ ሚድያታት ሱዳን ጠቒሱ ከምዝፀብፀቦ ድማ ሰራዊት ሱዳን ንሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝተቖፃፀሮም ከባብታት ንምልቃቕ ብኣየርን ብምድርን ፅዑቕ መጥቃዕትታት እናካየደ ከምዝርከብ ፀብፂቡ ኣሎ።

ብዓረበ ኢሚሬት ከምዝድገፉ ዝንገሮሎም ሓይልታት ውሃብቲ ደገፍ (RSF) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዋና ከተማ ሰሜን ዳርፉር ኣል-ፋሽር ኣብ ዝተቖፃፀሩሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መስካሕኻሕቲ ጨፍጫፍ ከምዘካየደ ዓለም ለኸ ትካላትን ዓበይቲ ማዕኸናት ዜና ዓለምን ምግላፀን ዝዝከር እዩ።

Exit mobile version