ህዝቢ ትግራይ ብፅንዓት ተቓሊሱ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ዓጊቱ ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ሰለስተ ዓመቱ ክመልእ ኣዋርሕ ተሪፍዎ ኣሎ። እንተኾነ ግን እቲ ሞትን ስቓይን ህዝብና ጠጠው ከብል ተስፋ ዝተገበረሉ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዛጊድ ብዘይምትግባሩ ኣብ ውሽጢ ወረርቲ ዝርከብ ህዝብና ብመንነቱ ይቕተልን ይሳቐን፣ ዝተሰደደን ዝተመዛበለን ህዝብና ሕዚ እውን ኣብ ከቢድ ስቓይን ሞትን ኮይኑ ኣብ ድርኩኺት ሓምሻይ ክረምቲ በፂሑ ኣሎ፡፡
ህዝብና ንሰላም ካብ ዘለዎ ዘይንቕነቕ መትከላዊ እምነት በቢመዓልቱ ብጥይት፣ ሕማምን ጥሜትን እናሞተ እውን ኣብ ሰላም ተስፋ ክይቆረፀ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብውሑስ መንገዲ ናብ መረበቱ ክምለስ ክሓትት ፀኒሑን ኣሎን፡፡ ተወዓዓሊ እዚ ስምምዕ ዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ንሕቶ ህዝብና ዕሽሽ ብምባል ሕዚ እውን ህዝብና ብሰላሕታ ክፀንት ፈሪዱ ኣብ ምስራሕ ይርከብ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ክንዲ ምውፃእ ነቶም ወረርቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ ሽፋን ብምሃብ ህዝብና ብመንነቱ ክቕተልን ክሳቐን ይገብር ኣሎ፡፡ እቲ ንዝሓለፉ ዓመታት ብትዕግስቲ ናብ መረበቱ ክምለስ ብተስፋ ዝፅበ ዝነበረ ህዝቢ ስቓዩ ልዕሊ ክፀሮ ዝኽእል ከምዝኾኖ ብምግላፅ ቅልጡፍ መፍትሒ ንኽግበር ኣብዚ ሰሙን ንውድብና ህወሓት ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሰራዊት ትግራይን ብመረረት ሕትኡ ኣቕሪቡ እዩ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኣብ ህዝብና ተፈጢሩ ዘሎ ግዘ ዘይህብ ኩነታት ተረዲኡ ቅልጡፍ ምላሽ ብምሃብ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ከውፅእ፣ ዲሞግራፊ ንምቕያር ተባሂሉ ካብ ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ክሰፍር ዝተገበረ ሰፋሪ ከውፅእ፣ ዝተሰደደን ዝተመዛበለን ህዝብና ውሑስ ብዝኾነ መንገዲ ክምለስ ግቡኡ ክዋፃእ ይግባእ፡፡
መደራደርቲ ኣካላት ከምኡ እውን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ብምፍጣር ስምምዕ ፕሪቶርያ ክትግበር ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ትኹረት ሂቦም ክሰርሑ፤ ሕብረት ኣፍሪካ ድማ ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕ ዘለዎ ህልው ኩነታት ዝግምግም ፓነል ብቕልጡፍ ክፅውዕ ይግባእ።
ካብዚ ብተወሳኺ መተሓበበሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት OCHA ኣብዚ መዳይ ኣወንታዊ ግቡኡ ክፍፅም እናተገበኦ ንሉእላዊ መሬት ትግራይ መሰሓሓቢ ኢሉ ዝገለፀሉ ኣገባብ ንስምምዕ ፕሪቶርያን ሕገመንግስቲ ፌ.ዲ.ሪ.ኢን ዝጠሓሰ ብምዃኑ ንመላእ ህዝብና ዘሕዘነ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ብሓይሊ ዝተወረረ መሬት ትግራይ እምበር ዘሰሓሕብ መሬት ትግራይ የለን፡፡ OCHA ነዚ ከምዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኣገላልፃ መረሚሩ ግቡእ መአረምታ ክህብን ዕላዊ ይቕረታ ክሓተሉን ይግባእ ንብል።

