Site icon Tigrai Academy

ኢራን ብእስራኤል ንዝበፅሓ መጥቃዕቲ ናብ ከተማታት እስራኤል ልዕሊ 150 ሚሳኤላት ብምትኳስ ግብረመልሲ ሂባ።

Advertisements

ኢራን ብእስራኤል ንዝበፅሓ መጥቃዕቲ ናብ ከተማታት እስራኤል ልዕሊ 150 ሚሳኤላት ብምትኳስ ግብረመልሲ ሂባ። ኢራን ብናይ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ንዝበፅሓ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ እዩ ዝበለቶ ናይ ባለለስቲክ ሚሳኤል መጥቃዕቲ ኣብ ከተማታት እስራኤል ኣካይዳ ኣላ። ከምፀብፃብ ኣልጀዚራ፥ ኢራን 3ይ ሓቀኛ ቃል ኪዳን ክትብል ዝሰየመቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እስራኤል ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እስራኤል መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ተሓቢሩ።

ንደብዳብ ኢራን ኣመልኪቶም መግለፂ ዝሃቡ ናይ እስራኤል ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ካትዝ ብወገኖም “ኢራን ቀይሕ መስመር ሓሊፋ ኣላ” ነዚ ድማ መንግስቲ ኢራን ከቢድ ዋጋ ክኽፍል እዩ ክብሉ ተሓንዮም። ኢራን ትማሊ ኣማሽያ ብዝጀመረቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ልዕሊ 150 ባለስቲክ ሚሳኤላት ዘወንጨፈት እንትትኾን ዳርጋ መብዛሕትኦም ብናይ እስራኤል ፀረ ሚሳኤል መኺኖም ዝተወሰኑ ድማ ኣብ ማእኸል ከተማታት ዓሊቦም ሰለሰተ ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ 40 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ሰዒቡ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ኢራን ኣብ ናይ ኒኩለር ፕሮግራማ ናብ ስምምዕነት እንድሕር ክትመፅእ ዘይክኢላ ካብዚ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ክበፅሓ እዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ኢራን ብወገና ብደብዳብ እስራኤል ካብቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ናይ ኒኩለር ሳይንቲስትታትን ብተወሳኺ ልዕሊ 70 ንፁሃን ዜጋታት ከምዝተቐተሉዋ ብምግላፅ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ህፁፅ ኣኼባ ክፅውዕ ዝሓተተት እንትኾን ዛጊድ ዝተፀወዐ ኣኼባ የለን።

ሃገራት ፓኪስታን ቻይናን ከምኡ እውን ዋና ፅሓፊ ሑቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ንደብዳብ እስራኤል ብግልፂ ዘውገዙ እንትኾኑ ኣሜሪካ ግን ኢራን ናብ እስራኤል እትትኩሶም ሚሳኤላት ኣብ ምክኻል ከምዝተሳተፈት ካብ ምግላፅን ሐዚ እውን ኢራን ብዛዕባ ናይ ኒኩለር ፕሮግራማ ናብ ድርድር ቀሪባ ናብ ስምምዕነት እንድሕር ዘይመፂኣ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ከምዝፀበያ ብምግላፅ ኣብ ጎኒ እስራኤል ከምትርከብ ኣፍሊጣ ኣላ።

Exit mobile version