ኣሜሪካ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድሌት ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ። ብናይ ንግዲ ስራሕ ከምኡ እውን ሰላማውን ዲምክራስያውን መማረፂታት ክትክተል ከምዘለዋ እውን ኣመላኺታ።
ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ በሪ ተበፃሕነት “ብንግዲ”ከምኡ እውን ሰለማዊን ዲሞክራሲያዊን ብዝኾነ ኣገባብ ንምስፋሕ እትገብሮ ፃዕሪ ከምእትድግፍ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ገሊፆም። ኣምሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ኣጥቢቖም ከምዝጠቐስዎ ” እዚ ጉዳይ ኢኮኖሚያዊ ኣንፈት ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ኣእቲኻ እንትርአ ወሳኒ እዩ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ነዚ ዝገለፁ ምስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብዝገበርዎ ቃለመሕተት እንትኸውን እቶም ኣምባሳደር ወሲኾሞ ከምዝሓበርዎ ኢትዮጵያ ቁጠብኣ ብፍጥነት እናዓበየ ኣብዘለሉ ኹነታትን እዚ ዕብየት ከምዝቕፅል ዘመላኽቱ ትንበያታት እውን ከምዘለው ብምጥቃስ ናይ ባሕሪ በሪ ተበፃሕነት ምስፋሕ ጠቓሚ እዩ ኢሎም።
እቶም ኣምባሳደር “ከምዚ ዓይነት ፃዕርታት ምድጋፍ ናይ መንግስቲ ኣሜሪካን ናተይ ኢምባሲን ንቐፃሊ ዝሰርሕሉ ጉዳይ እዩ” ብምባል ኣሜሪካ ነዚ ጉዳይ ከምእትርድኦ ተዛሪቦም።
ብዛዕባ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ እንትገልፁ ድማ ‘ኣቀራርባ ኣሜሪካ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀጠና ስፍሓት ዘለዋ ሃገር ምስ ምዃና ዝተኣሳሰር ምዃኑ ብምጥቃስ ይኹን እምበር “ልዕሊ ስፍሓት ዝበለፀ ኣድላዪ ነገር ድማ ኣብዚ ቀጠና ዘለዋ ተፅዕኖን ነዚ ቀጠና እንደገና ንምርግጋዕ ዘለዋ ዓቕሚ እዩ” ክብሉ ኣረዲኦም። ብተወሳኺ እቶም ኣምባሳደር “እዚ ድማ ናይ ኣሜሪካ መሰረታዊ ኣቀራርባ እዩ” ዝበሉ እንትኾን “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣሜሪካ እትገብሮም ነገራት ድማ ማእኸለዋይ ነጥቢ ይኾን” ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም።
ኣምባሳደር ማሲንጋ ብኸምዚ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ባሕሪ በሪ ንምርካብ ዝገብሮ ዝነበረን ዘሎን ምንቅስቓስ ካብ ምድጋፉ ብተወሳኺ ምንቅስቓስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ንምጥቃስ ዝኣክል ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሃገራት ጁቡቲ ኤርትራን ግብፅን ብሓባር ብምዃን ጉዳይ ምምሕዳር ቀይሕ ባሕሪ ሓላፍነት መዳውውቲ እቲ ባሕሪ እዩ ክብላ ኣንፃር ምንቅስቓስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ከምዝብላ ምግላፀን ዝዝከር እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘለው ጎንፅታት ከምዘለው ኮይኖም ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝግበሩ ዝነበሩ ናይ ቃላት ምልልስ እውን ፕረዚዳን ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ መዓልቲ ነፃነት እታ ሃገር ዝገበርዎ መደረ ስዒቡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ውጥጥ እናወሰኸ ይርከብ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ንመደረ ፕረዚደንት ኢሳያስ ግብረ መልሲ ብዝመሰል መልክዑ “ሃገር ኢልካ ንምፅዋዕ ዘፀግሙ ሃገራት በዚ ልክዕ ስለ ኢትዮጵያ ልምዝራብ ምፍታኖም ዝተለመደ ባህሪ ከምዝኾነ ንፈልጥ ኢና” ክብላ ብድፍኑ ምግላፀን እውን ዝዝከር እዩ።

