Site icon Tigrai Academy

መበል 34 ዓመት ዓወት 20 ጉንበት ምኽንያት ብምግባር ካብ ህ.ወ.ሓ.ት ዝተወሃበ እዋናዊ መግለፂ።

Advertisements

ህዝቢ ትግራይ ኩሎም መንገድታት ሰለማዊ ቃልሲ ምስተዓፀውዎ ኣብ ልዕሊኡ ይበፅሑ ንዝነበሩ ብሄራውን ደርባውን ወፅዓታት ካብ እንግድዑ ብብረታዊ ቃልሲ ክቕንጥጦም 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ብመሪሕ ውድቡ ህ.ወ.ሓ.ት እናተመርሐ ዝጀመሮ ብረታዊ ቃልሲ ብዓወት ዝተዛዘመላ ዕለት እያ፤ 20 ጉንበት። ስለዝኾነ 20 ጉንበት ኣብ ማህደር ታሪኸ ቃልስን ዓወትን ህዝቢ ትግራይ ካብቶም ድሙቓትን ጎሊሆም ዝረአዩን ዕለታት ሓንቲ እያ።

ነዛ ሕላገት ህዝባዊ ተዓዋታይነትና እተረጋግፅ ዕለት በቢዓመቱቱ እንትንዝክራ በቲ ሓደ ወገን ኣብቲ ናይ 17 ዓመታት ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ቃልሲ ኩሉ ዓይነት መስዋእትነትን መቑሰልትን ከፊሎም ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብዓወት ክዛዘም ንዝገበሩ ምዑታት ደቂ ህዝቢ ክንዝክር ስለዝግባእ እዩ፡፡ በቲ ኻልእ ገፅ ድማ ናይዞም መርኣያ ህዝባዊ ፅንዓት ዝኾኑ ጀጋኑና ናይ ቃልሲ ፅንዓቶምን ዓወቶምን መንፈስ ሰኒቕና ኣብ በቢመድረኹ ንዝገጥሙና ዘለዉ ፈተናታት ብፍላይ ድማ ነቲ ገጢሙና ዘሎ ሓደጋ ብሄራዊ ህልውና በዲህና ንምውፃእ ቃልና እነሕድሰሉ፣ ቃልሲ ክመርርን ክተሓላለኸን ይኽእል እምበር ህዝባዊ ዕላማ ተሓንጊጦም ንዝቃለሱ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህ.ወ.ሓ.ትን ኣይከኣልን ዝብሃል ኩሉ ከምዝኸእሉ ህያው ምስክርነት ዘረጋገፀት ዕለት እውን ስለዝኾነት እዩ፡፡

ኣብዛ ዕለት ህዝቢ ትግራይ፣ ነቲ ዘይድፈርን ዘይክኣልን ይመስል ንዝነበረን ኣብ ኣፍሪካ ተወዳዳሪ ንዘይነበሮ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊን ካልኦት ሓይልታትን ብፅንዓትን ጅግንነትን ተቓሊሱ ብምስዓር ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ሕገ-መንግስታዊ ኣፍልጦ ክረኽቡ፣ ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተመዝገበ ኩለ-መዳይ ዕቤትን ለውጥን መሰረት ዘንፀፈት ውፅኢት ፍትሓዊ ቃልሲ ዝኾነት ድሙቕ ዓወት ዝተመዝገበላ ዕለት እያ፡፡

ስርዓት ደርግ ንዝነበሮ ሽሾ ሰራዊትን በቲ እዋን ካብ ናይ ደገ መንግስታት ይረኸቦ ንዝነበረ ሓገዝ ዘበናዊ ኣፅዋርን ጋፅ ገልጠምን ተኣማሚኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ዓይነት ግፍዒ ፈፂሙ እዩ፡፡ ህወሓት እግሪ ከይተኸለ ንምጭፍላቕ እውን ተደጋገምቲ ክባታትን ወራራትን ኣካይዱ፡፡ እንተኾነ ግን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ህዝባዊ ዕላማ ተሓንጊጦም ብፅንዓት ስለዝተቓለሱ ኣብ መወዳእታ ተዓዊቶም፡፡ መሓውራት ደርግ እውን ምስ ሽሾ ሰራዊቱን ጋዕገልጠሙን ተሓምሒሹ፡፡

ስለዝኾነ ዋላ እኳ ታሪኻውያን ፀላእቲ ህዝብና ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት እንደገና ከካብ ዝነበርዎ ተኣኻኺቦም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ግፍዒ ዝፈፀሙ እንተኾኑን ሕዚ እውን ህዝብና እቶም ብቓልሱ ዘረጋገፆም ሰብኣውን ሕገ መንግስታውን መሰላቱ ተመንጢሉ ኣብ ሰላሕታዊ ፅንታ እንተሃለወ ነቲ ኣብ 20 ጉንበት ዝተመዝገበ ዓወትን ንዓወትና ምኸንያት ዝኾኑ ሓያልነት ህዝባዊ መስመርናን ፅንዓት ህዝብናን ዝቕይሮ ነገር ኣይኾንን። ኣብ 20 ጉንበት 1983 ዓ/ም ብዘረጋገፅናዮ ዓወት እቲ ን 100 ዓመት ዝተሃነፀ ጨፍላቕን ኣሃዳውን ሃገራዊ ስርዓት ንሓዋሩ ብቓልስና ኣፍሪስናዮ ኢና፡፡ ሕዚ እውን እንተኾነ ኣብ 20 ጉንበት ብዝፈጠርናዮም ህዝባዊ ዓቕምታትን ፀጋታትን ቃልስና ከምዝዕወት፣ ብሄራዊ ባህግናን ዕላማናን ከምዝሳኻዕ፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ከምዝረጋገፅ ዋላ ንፃት እውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ህዝብና ኣብዚ ዓመት ነዛ ትእምርተ ተዓዋታይነቱ ዝኾነት በዓሉ እንተኽብር ህልውንኡ ንምርግጋፅ ኢሉ ኣብ ልዕሊኡ ንዝተኸፈተ ፅንተታዊ ኵናት ክባር ዋጋ ከፊሉ ካብ ባህጊ ሙሉእ ፅንታ ፀላእቲ ድሒኑ ብቓልሱ ኣብ መስርሕ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝኣተወ ኮይኑ ግን ድማ ብመዳይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ናይ ምፍፃም ድሌት ስለዘይተርአየ ልኡላዊ ግዝኣት ትግራይ ብፀላእቲ ተጎቢጡ ኣብ ትሕቲ እዞም ወረርቲ ዝነብር ሰላሕታዊ ፅንታ ይፍፀመሉ ኣሎ። ካብ መረበቱ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ንዓመታት ኣብ መዕቖቢ ማእኸላት ሰፊሩ ብጥሜትን ሕማምን ይሳቐን ይሞትን ኣሎ። ህዝብና ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ፍትሒ ኣይረኸበን፣ ብሓፈሻ እቲ ኲናት መልክዑ ቀይሩ እምበር እቲ ፅንተት ይቕፅል እዩ ዘሎ። እዚ ኮይኑ እውን፣ ሕዚ እውን ሰላም ስትራቴጂካዊ መትከል ውድብና፣ ጊዚያዊ ምምሕዳርናን ህዝብናን እዩ። እዞም ፀገማት ብሰላምን ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ክፍፀሙ ብወገና ዝግብኣና እናገበርና ከምዝመፃእና ዝፍለጥ ኮይኑ ንቕድሚት እውን ባህግና ንሱ ምዃኑ ኣብዛ ዕለት ደጊምና ነረጋግፅ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኮነ ተባሂሉ ተፈፃምነት እቲ ስምምዕ ከጓትቶ ድሕሪ ምፅናሕ ሕዚ ድማ ምልክታት ጥሕሰት እቲ ውዕሊ ዝርአ ዘሎ ኮይኑ ስምምዕ ፕሮቶርያ ብሙሉእነት ክትግበር፣ ሕዚ እውን ብሓይሊ ዝተጎበጠ መሬት ትግራይ ክምለስ፣ ስቓይን ሞትን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝነብር ህዝብና ከብቅዕ፣ ብጥምየትን ሕማምን ዝሃልቁ ዘለዉ ተመዛበልትን ዝተሰደቱን ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ ደጊምና ንፅውዕ፡፡

ዓለም-ለኻዊ መደራደርቲ መንግስታትን ትካላትን እውን ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ተተግቢሩ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ከብቅዕ ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንፅውዕ፡፡

ዝኸበርካ ህዝብና፣ ዛጊድ ኣንፃር ኩሎም ወረርቲን ደርባዊን ብሄራዊን ወፅዓን ጭቆናን፣ ምእንተ ሃለዋትካን ክብርኻን ከምኡ እውን መሰል ዓርሰ ውሳነኻ ኢልካ ዘካየድካዮ ቃልሲ፣ ዝኸፈልካዮ ኩቡር መስዋእትነትን ዘመዝገብካዮም ዱሙቓት ዓወታት ግዘን ኩነታትን ዘየህስሶም ነበርቲ ታሪኸካ እዮም እሞ ክብርን ሞሳን ንዓኻ ይኹን፡፡ ነዚ ዝተሓላለኸ መድረኽ ቃልሲ በዲህና ንምውፃእ ምንጪ ዓወትና ዝኾነ ሓድነትና ንምዝራግን ቀንዲ መለለይኻ ዝኾኑ ተቓላሳይ፣ ፅንዓትካን ተዓዋታይነትካን ንምሽርሻር ንዝግብሩ ምንቕስቓሳት ብውነ ብምርዳእን ብምቅላስን ታሪኸ ቃልስኻን ተዓወታይነትካን ዓቂብካ ከም ወትሩ ናብቲ ዘይተርፍ ዓወት ከምትምርሽ ውድብካ ህ.ወ.ሓ.ት ይተኣማመን። ውድብካ ህወሓት እውን ቅድሚት ተሰሊፉ ስቓይካ ክሓፅር፣ ተፎጥኣኣዊ፣ ሰብኣውን ሕገ መንግስታውን መሰላትካ ክኸበር ከምኡ እውን ናብ ቀፃሊ ዕለት የረጋግፅ!

ባህግኻ ክትሰጋገር ሕጋዊ፣ ታሪኻዊን ሞራላውን ግቡኡ ከምዝፍፅም ኣብዛ ምልኩት ተዓዋታይነትካ ዝኾነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ

ክብርታት ቃልስን ዓወትን 20 ጉንበት ንምውሓስ ሉእላውነት!

Exit mobile version