Site icon Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

አምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ኣብ ሽረ ኣብ ዝርከቡ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዑደት ኣካይዶም።

Advertisements

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ሎሚ 12 ጉንበት 2017 ዓ/ም ተመዛበልቲ ወገናት ዘለዉዎ ኩነታት ንምዕዛብ ኣብ ሽረ ኣብ ዝርከቡ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዑደት ኣካይዶም። እቶም ኣምባሳደር ብምክትል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኢል ኣሰፋ ኣቀባበል ዝተገበረሎም እንትኾን ኣብ ህልዊ ኩነታት ተመዛበልቲ፣ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ምስ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓ ግዝያዊ መንግስትን ውድብ ህወሓትን ከምዝዘተዩ ተገሊፁ።


ብተወሳኺ ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ምስ ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ሓላፊት ቤትፅሕፈት ውድብ ህወሓት ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣቢሄርን ሓዊሱ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት ከምዝዘተዩ ተገሊፁ እዩ። እቶም ኣምባሳዶር ኣብ ፃንሒቶም ህልዊ ኩነታት ተመዛበልቲ ንምዕዛብ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ማይ ድሙን ፍረ ስውኣተን ዑደት ዝገበሩ እንትኾን ዘላቒ መፍትሒ ክኾን ዝኽእል ተመዛበልቲ ብህፁፅ ናብ መረበቶም ክምለሱ ምግባር ከምዝኾነ ድማ ኣመላኺቶም።

ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣብ ዑደቶም መሕዘኒ ኩነታት ተመዛበልቲ ከምዝተዓዘቡን ኣሜሪካ ትገብሮ ዘላ ሓገዝ ከምትቕፅለሉን ዝሓበሩ እንትኾን “እዚ ግን ዘላቒ መፍትሒ ኣይኮነን ፤ ዘላቒ መፍትሒ ተመዛበልቲ ብህፁፅ ናብ መረበቶም ክምለሱ ምግባር እዩ” ኢሎም። “እቶም ተመዛበልቲ እዉን ቀወምቲ ተረዳእቲ ዘይኮኑስ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ሰሪሖም ክነብሩ ልዑል ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆሙለይ እዮም” ክብሉ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ እቶም ኣምባሳደር ከምዝግለፅዎ እዚ መሰረት ብምግባር ድማ ቀዳምነት ንህዝቢ ብምሃብ ኣብ ከይዲ ምምላስ ተመዛበልትን ምትግባር ዉዕል ፕሪቶርያን ኣድሂብና ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይን ዉድብ ህወሓትን ዘቲና ኣለና ኢሎም።

ምኽትል ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኒኤል ኣሰፋ ብግደኦም እቲ ዘተ ቀንዲ ትኹረቱ ጉዳይ ተመዛበልቲ ዘድሀበ ከምዝነበረ ሓቢሮም። ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ እቲ ቀንዲ መፍትሒ ከምዝኾነን፤ ክሳብ ዝምለሱ ዘድልዮም መሰረታዊ ሓገዛት ግን ይሓፅሮም ከምዘሎን ብጥምየት ብዙሕ ተመዛባላይ ይመዉት ከምዘሎን ተዛቲና ክብሉ ከም ዝገለፁ ካብ ትግራይ ቴሌቭዥን ዝረከብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

Exit mobile version