Site icon Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

ናብ ትግራይ ዝጓዓዙ ሃወፅትን መዳርግቲ ኣካላት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታትን ከምዝተኸልከሉ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣፅብሃ ገብረእግዚአብሔር ሓቢሮም።

Advertisements

ናብ ትግራይ ዝጓዓዙ ሃወፅትን መዳርግቲ ኣካላት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታትን ከምዝተኸልከሉ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣፅብሃ ገብረእግዚአብሔር ሓቢሮም።

ፕረዚዳንት ብሃ ኣብ ዕላዊ ፌስቡክ ገፆም ከምዝሓበርዎ ካብ ዕለት 3 ጉንበት 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝጓዓዙ ሃወፅትን ናይ ፕሮጀክት መሓዙትን ናብ ትግራይ ከይመፁ ኣብ መንገዲ ኣየር ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ኣገባብ ይኽልከሉ ከምዘለው ሓበሬታ ከምዝበፅሖም ብምግላፅ ፤ እዚ ኽልከላ ክሳብ መዓዝን ንምንታይን ከምዝኾነ ኣፃሪኻ መፍትሒ ንምምፃእ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ማለት እውን ንፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ካልኦት ትካላት ፌደራል መንግስትን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ከምዝሓተተ ብምግላፅ ዝህሉ ምዕባለ ንቤተሰብ ቱሪዝም ከምዘፍልጥ ገሊፁ።

ከም ሓበሬታ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ቀዲሞም ናብ ትግራይ ኣትዮም ዝነበሩ ድማ ካብ ትግራይ ክወፅኡ ይግበር ከም ዘሎ ሓበሬታ ከምዝበፅሖም ገሊፆም።

ብተወሳኺ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ብዛዕባ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ክልከላ ጉዕዞ ደዉ ክብል ናብ ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ፌደራል ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ ብዕሊ ሓቲቱ ኣሎ ።

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኣብ ደብዳቤኡ ከምዝገለፆ ካብ 2 ግንቦት 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ኣገባብ ናብ ትግራይ ዝጓዓዙ በፃሕቲ ዓዲን መዳርግቲ ኣካላት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታትን ወፃኢ ዓዲ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዩጵያ ክልከላ ይግበረሎም ከምዘሎ ናብ ቢሮና ብዘቕረብዎ ቅርታ ፈሊጥና ኣለና ክብል ሓቢሩ።

ድሕሪ ዉዕል ፕሪቶርያ ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝርከብ ዓዉዲ ቱሪዝም ትግራይ ክነቓቓሕን ፣ ምስሊ ትግራይ ንምስትኽኻልን ሰላምን ምርግጋእን ንምዕሳልን ከምኡ እውን መናእሰይ ብዓዉዲ ቱሪዝም ስራሕ ንክፍጠረሎምን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ዝገለፀ እቲ ቢሮ “ዝተበላሸወ ዓዉዲ ቱሪዝም ብሓባር ንምህናፅ ኣብ ንፅዕረሉ እዋን ከምዚዝበለ መሕዘንን ሞራል ህዝቢ ዝትንክፍን ከምኡ እዉን እቲ ዝድለ ሰላምን ምርግጋእ ከይመፅእ ዝገብር ተግባር እዩ” ክብል ገሊፅዎ።

Exit mobile version