Site icon Tigrai Academy

ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ምስ ኣማራርሓን ተወከልትን ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ዘትዮም።

Advertisements

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማሕለኻታትን ፀገማትን ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ኣመልኪቶም ኣማራርሓን ተወከልትን እቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ሎሚ 5 ማዝያ 2017 ዓ/ም ዘትዮም።

እቶም ኣመራርሓን ተወከልትን ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ዘለውዎም ቁልፊ ፀገማትን ማሕንቆታትን ጠሚሮም ዘቕረቡ ኮይኖም፣ ብቐንዱ ድማ እቶም ፀገማት ምስ መስርሕን መሸጥን ፣ ምስ ግልጋሎት ልቃሕ ባንክታት፣ ፌዴራል መንግስቲ ዘውፅኦም መምርሕታትን ኣብቲ ንግዲ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ዝፈጠርዎ ፀገማትን፣ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዘሎ ፀገማትን ከምኡ’ውን ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት ነዳድን ዝኣመሰሉ ምዃኖም ገሊፆም።

ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘጋጠመ ኲናት ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ትካላት ኢንቨስትመንት ትግራይ ገዚፍ ዕንወት ከምዝተፈፀመን ኢኮኖሚ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዝወደቐ ዝገለፁ እቶም ኣመራርሓን ተወከልትን፣ ብፌዴራልን ክልልን ዝወፁ መምርሕታት ንቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ንኸቢድ ፀገም ከምዘቃልዕዎም ብምግላፅ፤ እዞም ፀገማት ንምፍታሕን ኢኮኖሚ ትግራይ ንምንቅቃሕን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ጎኖም ኮይኑ ክሕግዞም ፀውዖም።

ኣብ ትግራይ ንዝወረደ ዕንወት ፖለቲካዊ ምኽንያት ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ኣመራርሓን ተወከልትን፣ እቲ ፍታሕ እውን ፖለቲካዊ ስለዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ልዑል ጠመተ ሂቡ ክሰርሓሉ ተማሕፂኖም። መፍረይቲ ትካላት ተወዲቦም ብቐፃሊ ፀገሞም ናብ ዝምልከቶም ፈፀምቲ ኣካላት ዘቕርብሉን መፍትሒ ክረኽቡ ዝኽእልሉን ዕድል ክፍጠረሎም እውን ኣተሓሳስቦም።

ኣብ መወዳእ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፣ ብምክንያት እቲ ኲናት ኣብ ኢኮኖሚ ትግራይ ዝተፈፀመ ዕንወትን ሃሰያን ኣዝዩ ከቢድ ከምዝኾነን፣ ኣብቲ ማሕረሰብ ንግዲ ዘለው ማሕንቆታትን ፀገማትን ‘ውን ብዙሓት ምዃኖም ገሊፆም። ብምዃኑ ድማ ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብቶም ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ክፍትሑ ብዛዕባ ዝግብኦም ማሕንቆታት ንምፍታሕ ቀዳምነት ብምሃብ ብልዑል ቆላሕታ ከምዝስራሕ ገሊፆም ።

ፕረዚደንት ታደሰ ኣተሓሕዞም፣ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ኣብቲ ሕማቕ እዋን ኣብ ጎኒ ህዝቦም ኮይኖም ግብኦም ከምዝፈፀሙ ብምሕባር፣ ኢኮኖሚ ትግራይ ንምንቅቃሕ ፀገማት ማሕበረሰብ ንግዲ ምፍታሕ ግድን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ንመንእሰይ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ኮነ እቲ ኢኮኖሚ ንምንቅቃሕ ቁልፊ ፀገማት ማሕበተሰብ ንግዲ ትግራይ ምፍታሕ ወሳኒ ምዃኑ ዝገለፁ ፕረዚደንት ታደሰ፣ ምስ ፌዴራል መንግስቲ’ውን ብምዝርራብ ዘለው ማሕለኻታት ንምፍታሕ ብልዑል ትኹረት ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

ብቐፃሊ ‘ውን ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ተቐራርብ ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ዝጠቆሙ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፣ ዳግም ትግራይ ንምሕዋይን ንምህናፅን ኣብ ዝግበር ርብርብ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ከምቲ ልሙድ መሪሕ ተረኦም ከበርክቱ ፀውዖም።

ፍልፍል፦ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት

Exit mobile version