Site icon Tigrai Academy

ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚቴ ምክትታልን ምርግጋፅን ስምምዕነት ፕሪቶርያ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ንዝተመደቡ ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ኣክሶዴ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ተገሊፁ።

Advertisements

ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚቴ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ስምምዕ ፕሪቶርያ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ንዝተመደቡ ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ኣክሶዴ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ተገሊፁ።

ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ኮሚቴ ንዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ስቴፈን ራዲና ተኪኦም ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተመደቡ እንትኾኑ ኣብቲ እዋን ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ሰናይ እዋን ስራሕ ብምምናይ እቲ ኮሚቴ ተልእኹኡ ንምፍፃም ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ደገፍ ውድብ ህወሓት ከምዘይፍለዮ ከምዝገለፅሉ ካብ ዕላዊ ፌስቡክ ገፅ ውድብ ህወሓት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

እቲ ኮሚቴ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታት ብንፁር ኣለልዩ ፀብፃቡ ከቕርብ ዘዘኻኸረ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለዉ ሓይልታት ዛጊድ ካብ መሬት ትግራይ ብዘይምውፅኦም ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምዘይከኣሉን ሉእላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ከምዝርከብን ገሊፁ፡፡

ንምቁራፅ ሓገዝ ለገስቲ ትካላት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲን ዝተሰደዱን ወገናትን ዝበኣሰ ሓደጋ ኣንፀላልዩ ከምዘሎ ብምግላፅ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ውሕስንኦም ተሓልዩ ብቕልጡፍ ናብ መረበቶም ክምለሱ እጃምኩም ክትዋፅኡ ይግባእ ኢሉ፡፡

ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝርከብ ህዝቢ ይኹን ኣብ ቀረባ ብዘይውሑስ መንገዲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝተገበሩ ወገናት ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘርከቡ ዝገለፀ ዶ/ር ደብረፅዮን ዛጊድ ፖለቲካዊ ዘተ ዘይምጅማሩ፣ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ኣፍልጦ ፈራሚ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝኾነ ውድብ ህወሓት ዘይምምላሱን ገሊፁ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘሎ ኩነታት ዘተሓሳስብ ስለዝኾነ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ቀልጢፉ ተኣኪቡ ክዝቲ ከምዝግባእ ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ፀዊዑ፡፡

ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚቴ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ስምምዕ ፕሪቶርያ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ዝተመደቡ ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣላዴ ኣክሶዴ ብወገኖም ብመሰረት ተልእኹኦም ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት እናተኸታተሉ ፀብፃቦም ከምዘቕርቡ ብምግላፅ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ገሊፆም፡፡

Exit mobile version