Site icon Tigrai Academy

ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ንምንዋሕ ዘኽእል ረቂቕ ኣዋጅ ፀዲቑ።

Advertisements

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ዕለት ኣብ ዘካየዶ መበል 22 መደበኛ ኣኼብኡ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ዘናውሕ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ኣፅዲቑ። እቲ ኣዋጅ ክሳብ ሐዚ እናሰርሐ ዝፀንሐ ኣዋጅ ቁፅሪ 359/1995 ዝትክእ ኣዋጅ ቁፅሪ 1373/2017 ኮይኑ ብክልተ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ።

እቲ ኣዋጅ ፥ ግዜያዊ ምምሕዳራት ክሳብ ክልተ ግዜ ንሓደ ዓመት ክናውሑ ዘኽእል ኮይኑ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ስልጣን ዘመኑ ዝወደአ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ዝኽእል ኮይኑ ኣሎ።

ክልላዊ መንግስትታት ሰላምን ድሕንነትን ክልሎም ክኽብሩ እንተዘይክኢሎም ወይ እውን ሰብኣዊ መሰላት እንትጣሓሱ፣ መንግስቲ ናይቲ ክልል ነዚ ጠጠው ከብል እንድሕር ዘይክኢሉ ወይ ድማ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ፌደራል መንግስቲ ጣልቃ ክኣቱ ከምዝኽእል እቲ ነባር ኣዋጅ ዝድንግግ እንትኾን ብተወሳኺ ናይቲ ክልል ቤትምኽርን ላዕለዋይ ስራሕ ፈፃምን ብምእጋድ ተፀዋዕነቱ ንፌደራል መንግስቲ ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ከጣይሽ ስልጣን ዝህብ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር ዕድመ ስልጣን እቶም ግዝያዊ ምምሕዳራት ክልተ ዓመት ጥራሕ ኮይኑ ኣድላዪ እንትኾን ድማ ንሽዱሽተ ወርሒ ክናዋሕ ከምዝኽእል ዝድንግግ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ምስ ምምሕያሽ እቲ ኣዋጅ ተታሓሒዙ ኣብ ዝተውሃበ መብርሂ ከምዝተገለፀ ብቲ ኣዋጅ ተቐሚጡ ዝነበረ ግዜ ገደብ ምስ ናይዚ እዋን ዘሎ ነባራዊ ሓቂ እንትረአ ዝስማዕማዕ ኣይኮነን ብዝብል ከምዝኾነ ዝተሓበረ እንትኾን ፤ ብጣዕሚ ዝተሓላለኹ ናይ ፀጥታን ፖለቲካን ፀገማት ንምፍታሕ ተላዋዋጣይነት ከምዝሓትት ተገሊፁ እዩ።

እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ዕደመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳራት ናይ ምንዋሕ ስልጣን ንኣፈጉባኤ ቤትምኽሪ ፌደሬሽን ዝህብ እንትኾን ፥ እቲ ውሳነ ኣፈ-ጉባኤ ድማ ቤትምኽሪ መደበኛ ኣኼብኡ እብዘካይደሉ እዋን ቀሪቡ ክፀድቕ ከምዘለዎ ይድንግግ። ብተወሳኺ እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ እቲ ቤትምኽሪ ብኣፈ ጉባኤ ዝተወሰነ ውሳነ እንድሕር ውድቂ ገይርዎ ካብቲ ውድቂ ዝተገበረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ መረፃ ብምግባር ክልላዊ መንግስቲ ክምሰረት ከምዘለዎ ዝድንግግ እዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳራት ብዝምልከት ቤትምኽሪ ፌደሬሽን ወይ እውን ኣፈ-ጉባኤ ዝውስንዎም ውሳነታት ብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ቱኽረት ክዋሃቦም ዝግባእ ጉዳያት ከመልክቱ ከምዝኽእሉ ዝድንግግ ኮይኑ ፥ እዚ ድማ መንግስቲ ፌደራል ጣልቃ ክኣቱ ዝገበሩ ኩነታት ብዘላቕነት ንምውጋድን ሕገ-መንግስታዊ ሰርዓት ንምጥንኻርን ዘድልዩ ስጉምትታት ተባሂሎም ዝተቐመጡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ እዩ።

እዚ ኣዋጅ ናይ ምምሕያሽ ውሳነ ቀደማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቤትምኽሪ ኣኼባ ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፈፃፅምኡ ተገምጊሙ ውሱን ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ተገይሩሉ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ከምዝናዋሕ ምግላፆም ስዒቡ ዝተገበረ ሙኻኑ ዝፍለጥ እዩ።

Exit mobile version