ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከምዝገለፅዎ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከምብሓዱሽ ተጣይሹ ክሳብ ቀፃሊ መረፃ ከመሓድርን ቀፃሊ መረፃ ናይ ምምችቻውን ህዝቢ በዓል ዋና ስልጣን ናይ ምግባርን ከይዲ ከረጋግፅ ትፅቢት ከም ዝግበረሉ ሓቢሮም። ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ናይ ስልጣን ዘመኑ ምዝዛሙ ስዒቡ ኣብ ቀፃሊ ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝጣየሽ ሎሚ ዕለት 11. 07. 2017 ዓ.ም ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ኣመላኺትም።
ኣብ ቀፃሊ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ተወሳኺ ናይ ሕጊ ምምሕያሽ ተገይሮምሉ ከም ዝምስረት ዝገለፁ እንትኾኑ ” ሕጊ እንትምሓየሽ ድማ ክሳብ ሐዚ ዝነበረ ኣፈፃፀማ ክግምገም ኣለዎ” ብምባል “ተገምጊሙን ውሱን ለውጢ ተገይርሉን ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብዘኽብር መልክዑ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሳብ ናይ ቀፃሊ መረፃ ስራሕቱ እናሰርሐ ህዝቢ ንመረፃ ክዳሉን በዓል ዋና ስልጣን ናይ ምግባር ከይዲ ከረጋግፅን ትፅቢት ይግበረሉ” ኢሎም።
እዚ ብዝምልከት ድማ ምስ ፕረዚዳንትን ምክትል ፕረዚዳንትን እቲ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘተታት ከምዝተገበሩን ፕሮፖዛላት ከምዝቐረቡን ዝገለፁ እንትኾን ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ህወሓትን ካልኦት ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ፓርትታትን እውን ከምዝተዛተዩን ገሊፆም። “ብዚ መሰረት ድማ ሕጊ ኣመሓይሽና ንዝቕፅል ሓደ ዓመት ውሱን ለውጢ ገይርና እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክቕፅል ዝብል እዩ ብኣና ወገን ዘሎ እምነት” ክብሉ ኣመላኺቶም። ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ለውጢ ክግበር ከምዝኽእል ዝጠቆሙ እንትኾን “እቲ ዝነበረ ሰራሕ ተገምጊሙ ብጠንካራ ጎኖም ቶሞጒሶም ብደካማ ጎኖም ድማ ተወቚሶም ዝቀያየሩ ሰባት ክህለዉ ይኽእሉ እዮም” ክብሉ ኣፍሊጦም።
ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ “ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳን ምክትላቶም ጀነራል ታደሰ ወረደን ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤን ዝተመርሐ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክልተ ዓመት ኲናት ንከይፍጠር፣ ሕቶታት ብዘተ ክፍትሑ ዝለዓለ ፃዕሪ ገይሮም እዮም” ብምባል ዘመስገኑ እንትኾኑ “ዋላ እኳ ብዝሓለፈ ኲናት ኣንተወቐስናዮም ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንዝሰርሕዎ ስራሕ ክነድንቖምን ክነመስግኖምን ንፎቱ፤ ተወሳኺ ኲናት ንከይለዓል ፈቲኖም እዮም” ክብሉ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብ ናይ ፓርላማ ፃንሒቶም ትግራይ ዝምልከት ካብ ዘልዐልዎም ጉዳያት ብዋናነት ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝምልከት እንትኸውን ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ብኣግባቡ ዘይተፈፀሙ ጉዳያት ከምዘለዉ ብምግላፅ ምምላስ ተመዛበልትን መስርሕ DDRን ጠቒሶም። DDR ብዘይ ምፍፃሙ ብዋናነት ዝጎድእ ንትግራይ ከምዝኾነ ዝገለፁ እንትኾን ፌደራል መንግስቲ ዋላ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ እውን ተመዛበልቲ ንምምላስ ድሉው ከምዝኾነ ገሊፆም። ይኹን ድኣ እምበር ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ፌደራል መንግስቲ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ወፃኢ ዘለዉ ሓይልታት ካብ ትግራይ ከውፅእን ኣብቲ ስምምዕነት ኣከራኻሪ ክብል ዝጠቐሶም ግዝኣታት ትግራይ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍታሕ ዝደንግግ እናሃለወ ፊደራል መንግስቲ ሓላፍነቱ ከይተዋፅአ ተመዛበልቲ ከይተመለሱን ግዝኣታት ትግራይ ብሓይሊ ተቖፃፂሮም ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ከይወፁ እንሆ ክልተ ዓመት ሓሊፍዎ ይርከብ። እቶም ዉሱናት ናብ ከባብታት ፀለምቲ ዝተመለሱ ተመዛበልቲ እዉን ዳግም ናብ ሓደጋ ተሳጢሖም ናብ ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ተመዛበልቲ እናተመለሱ ከምዝርከቡ ዝፍለጥ እዩ።

