Site icon Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

ኢምባስታት ምዕራባውያንን ኣባል ሃጋራት ኣውሮፓ ሕብረትን ኣብ ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ዘለው ምዕባለታትን ይከታተሉዎ ከምዘለው ገሊፆም።

Advertisements

ጉጅለ ኤምባሲታት ምዕራባውያንን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓን ሎሚ ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣብ ትግራይ “እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪን ቀፃሊ ምዕባለታን ” ዝበልዎ ኩነታት ይከታተሉዎ ከምዘለው ገሊፆም።

ኣብቲ ሎሚ ዕለት ዘውፅኦ’ኦ መግለፂ ሃገራት ኣሜሪካ፣ ኢንግሊዝ፣ ኖርወይ ፣ጀርመን ፣ጃፓን ፣ኒውዝሊንድ ፣ቤልጀም ፣ቡልጋርያ ፣ቼክ ሪፐብሊክ ፣ዴንማርክ ፣ኣየርላንድ ፣ግሪክ ፣ስፔን ፣ፈረንሳይ ፣ጣልያን ፣ሉክዘምበርግ ፣ሃንጋሪ ፣ኔዘርላንድ ፣ኦስትሪያ ፣ ሮማንያ፣ ፖርቹጋል ፣ሮማንያ ፣ስሎቬንያን ፊንላንድን ከምዝገለፅኦ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተኸተመን ቶኽሲ ጠጠው ዘበለን ስምምዕነት ተፃብኦታት ጠጠው ምባል “ብሙልእነት ከም እንድግፍ ደጊምና ነረጋግፅ” ብምባል “ዳግም ናብ ጎንፂ ምምላስ ክህሉ ከምዘይብሉ ብምግላፅ ኩሎም ኣካላት “ጎንፂ ብምህዳእን ብምዝታይን ነቲ ስምምዕነት ከኽብሩ ኣተሓሳሲበን።

Exit mobile version