Site icon Tigrai Academy

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ተገሊፁ።

Advertisements

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሶማልያ ክልል ማእኸላይ ሸበሌ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ኣዲስ ስታንዳርድ ፀብፂቡ። ኣዲስ ስታንዳርድ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ሶማልያ ኣብዱልቃድር መሀመድ ጠቒሱ ከምዝፀብፀቦ ፥ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ድፋዓት ኣልሸባብ ዘካየዶ ናይ ሚሳኤል መጥቃዕቲ ምስ ፌደራል መንግስቲ ሶማልያ ብምትሕብባር ከምዝኾነ ተገሊፁ። በቲ መጥቃዕቲ ዝበፅሐ መጠን ሞት ዘይተገለፀ እንትኾን እቶም ሚኒስትሪ ኣብ ሶማልያ ብዘይካ ፍቓድ መንግስቲ ሶማልያ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ክካየድ ከምዘይኽእል ከምዝገለፁ ፀብፃብ ኣዲስ ስታንዳርድ የመላኽት።

ብተወሳኺ እቶም ሚኒስትሪ ስምምዕነት ኣንካራ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ንዝውሰዱ ናይ ሓባር ፃዕርታት መምርሒ ሞኻኑ ብምግላፅ ምትሕብባር ሶማልያን ኢትዮጵያን እናወሰኸ ከምዝመፀ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ሶማልያ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ሕብረት ኣብ ሰማልያ ኣብ ዘካይዶ ናይ ድጋፍ ተልእኾ (AUSSOM) ክትሳተፍ ምስምዕማዓ ስዒቡ ካብ ዝሓለፉ ናይ ቀረባ ዓመታት ዝተኻየደ ናይ መጀመርያ ዕላዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ እናተገለፀ ይርከብ። ኢትዮጵያ ኣብዝሓለፉ ሰሙናት ብዋና ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ሰማልያ ኣብዝተጉዓዘሉ እዋን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝካየድ ወፍሪ ሰላም ምኽባር ንክሳተፉ ዘካየድዎ ስምምዕነት ስዒቡ ሶማልያ 2500 ወታሃድራት ኢትዮጵያ ኣብቲ ወፍሪ ከምዝሳተፉ ምግላፃ ዝዝከር እዩ።

Exit mobile version