መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት ልደት ህወሓትን ምጅማር ዝተወደበ ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት፣ ወረዳታትን ዞባታትን ትግራይ 50 ዓመት ኣብ ቃልስን ፅንዓትን ዓወትን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኸበረ ይርከብ።
ኣብ ብሄራዊ ስታድየም ትግራይ ብዝተፈላዩ ምድላዋትን ምርኢታትን ተዓጂቡ ኣብ ዝተኻየደ ብዓል 11 ለካቲት ተረኺበን መልአኽቲ ዘመሓላለፋ ሓላፊት ቤትፅሕፈትን ኣባል ፈፃሚት ሰራሕ ውድብ ህወሓትን ዝኾና ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ገብረእግዚአብሔር (ሞንጀሪኖ) ኣብ መልአኽተን ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ዝኾነ ይኹን በደል ይኹን ግፍዒ መከራን ኣሜን ኢሉ ተቐቢሉ ዘይፈልጥ ናይ ኣይግዛእን ባሃላይነት ክብሩ ካብ ውሉድ ወለዶ እናተወራረሰ መንነቱን ክብሩን ሓልዩ ዝመፀ ህዝቢ እዩ ክብላ ገሊፀን። ተጋዳሊት ፈትለ ወሲኸን ከምዝገለፅኦ ኣብ 11 ለካቲት 1967 ዓ.ም ዝተጀመረ ቃልሲ ካብቲ ቅድሚኡ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዝነበረ ቃልሲ ዝፍለየሉ መሰረታዊ ጉዳይ ነቲ ናይ ህዝብና ናይ ቃልሲ ታሪኽ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ሓፍ ክብል ብምግባር ብዝተወደበ መንገዲ መሪሑ ዘቃልስ ህዝባዊ ዕላማ ዝተሓንገጠ ቅኑዕ ውድብ ህወሓት ዝፈጠረሉ ምዃኑ እዩ ክብላ ሓቢረን።
ተጋዳሊት ፈትለ ወሲኸን ከምሓበርኦ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ መድረኽ ተደራረብቲ ፈተናታት ዘለዎ ምዃኑ ብምግላፅ። ብፍላይ ንውድብ ህውሓት ንምድኻምን እንተኽኢሎም እውን ንምፍራስን ካብ ውሽጢን ካብ ደገን ብዝተዋደደ ኣገባብ ዝተኻየደን ዝቕፅል ዘሎን ውዲት ብጣዕሚ ዝተሓላለኸ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፥ ህወሓት ከም ውድብ ንኸይትቅፅል ሕጋዊ ሰውነት ንዘይምምላስ ዘይሕጋዊ ውሳነ ካብ ምብያን ጀሚሩ ህወሓት ናብ ክልተ ክትምቀልን ህዝቢ ትግራይ ብዘይ መሪሕ ብሄራዊ ውድብ ንክተርፍን ከቢድ ምርብራብ ዝካየደሉ እዋን ኢና ዘለና ድሕሪ ምባለን “ብፍላይ ትግራዋይ መንነት ኣለና ዝብሉ ነዛ በዕፅምቲን ደምን ምሩፃት ደቂ ትግራይ ዝተሃነፀት ውድብ ህወሓት ንምብታን በይኖምን ምስ ፀረ ህዝቢ ትግራይ ዝተሰለፍ ሓይልታትን ተሻሪኾምን ተላኢኾምን ለይትን ቀትርን ድቃስ ስኢኖም ዝረባረቡ ዘለው ኣካላት እቲ ኡክይ ተግባሮም ብናይ ህዝብን ኣባልን ቃልሲ ከምዝሰዓር ዘየጠራጥር እኳ እንትኾነ ብታሪኽ ይቅር ዘይብሃል ክሕደትን ይፍፅሙ ከምዘለው ተገንዚቦም ካብዚ ክቁጠቡ ሐዚ እውን ኣየረፈደን” ክብላ ኣተሓሳሲበን።
ብተወሳኺ ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ዶ.ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልአኽቲ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ዘካየዶ መሪር ቃልሲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝሰልጠነ ሰራዊት ዝሓዘ ፋሽሽታዋዊ ወታሃድራዊ ደርግ ሓመድ ድበ ክኽደን ብምግባር ዕላማታት ላካቲት 11 መሊኦም ናብ ተግባር ዝቕየርሉ ኩነታት ተፈጢሩ ምንባሩ ብምዝኽኻር ናይዚ ምሽጥር ድማ ንህዝቢ ዝረብሕ ህዝባዊ መስመርን ዕላማ ህወሓትን ነዚ ተቐቢሉ ፀገማት ተፃዊሩ ተቓሊሱ ዝተሰውአ ህዝቢ ትግራይን ከምኡ እውን ብፅኑዕ ዲሲፕሊን ተሃኒፁ ክብርታት ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ዓትዒቱ ሒዙ ኣብ ኩሉ ዓውደ ስራሕቲ ብውነን በወነን ዝፍፅም በልሒ ጫፍ እቲ ቃልሲ ዝኾነ ተጋዳላይ ህወሓት ስለ ዝተዋደቐ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ዶ.ር ደብረፅዮን ኣብ መልአኽቶም ከም ዝገልፅዎ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኸፈተ ፅንተታዊ ኲናት እውን ህዝቢ ትግራይ ዝነበሮ ናይ ቃልሲ ተሞክሮ ተጠቒሙ ኣብ ሓፂር እዋን ሰራዊት ብምህናፅ ሓፂናዊ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ከምኡ እውን ብሄራውያን ውድባት ብዝገበርኦ ኣስተዋፅኦን ንዓለም ዘስደመመ ቃለሲ በምክያድ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኸፈተ ጆኖሳይድ ብምዕጋት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ክፍረም ብምግባር ካብ ሙሉእ ጆኖሳይድ ከምዝደሓነ ብምግላፅ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘሰጋገረ ዋላ እኳ እንተኾነ፥ ተኽሲ ጠጠው ኢሉ ኣብ ዝበዝሕ ከባብታት ትግራይ ዝነብር ህዝቢ ሰላም ምርካቡ እውን ከም ሓደ ዕድል ኮይኑ ሐዚ ዘለናዮ መድረኽ ግን ዓበይቲ ፈተናታት እውን ዝሓዘ እዩ ደሕሪ ምባል እቲ ስምምዕነት ብግቡእ ክፍፀም ብዘይምኽኣሉ ጀኖሳይድ ብሰላሕታ ዝቕፅለሉን ስቓይ ህዝቢ ዝተናውሐሉን ኩነታት ተፈጢሩ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ሐዚ እውን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝቢ እነደገና ግዳይ ብሄራዊ ጭቆና ከምዝኾነን ዝተመዛበለ ህዝቢ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ብጥምየትን ሕማምን እናተሳቐየ ከምዝርከብን ብምግላፅ ኣብ ምፍራም ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ መዳርግቲ ኣካላት ንዝገበረዎ ኣስተዋፅኦ ብምምስጋን ሐዚ እውን እቲ ስምምዕነት ክፍፀም ፖለታካውን ሞራላውን ግዴትኦም ክዋፅኡ ፀዊዖም።
ኣብ መወዳእታ ዶ.ር ደብረፅዮን ውድብ ህወሓት እቲ ዘሎ ወድዓዊ ጠለብ ንምምላስ ናይ ፕርግራምን ሕገ-ደንብን ሪፎርም ክገብር ግድን ኮይኑ ስለ ዘሎ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅን ትንሳኤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምምፃእ ቅድም ኢሎም ዝተጀመሩ ናይ ሪፎርም መፅንዓትታት ብምምላእን ሓደሽቲ ጠለባት ብምውሳኽን ዝተማልአ ሪፎርም ንምክያድ ከምፕሮጀክት ሒዙ ይስርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጦም። ብተወሳኺ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዩ በዓል ለካቲት 11 ንምብሳር ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ኣካላት ብምምስጋን ብፍሉይ ድማ ንደደቢት ሚድያ፣ ኣሰና ቲቪን ዛራ ሚድያን “ዝገበርክሞ ኣስተዋፅኦ ታሪኽ እናዘከሮ ክነብር እዩ” ብምባል ምስጋንኦም ገሊፆም።

