እስራኤልን ሓማስን ዝተፈራረሙዎ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ኣብ ቀፃሊ ጥሪ 11/2017 ዓ.ም ተግባራዊ ከምዝኸውን ዝተገለፀ እንትኾን እስራኤል ኣብ ጋዛ እትካይዶ ዘላ ኲናት ግን እናቐፀለ ይርከብ። ብተወሳኺ እቲ ስምምዕነት ቅድሚ ተግባራዊ ምኻኑ ኣብ ቤትምኽሪ እስራኤል ክፀድቕ ከምዘለዎ ተሓቢሩ። እቲ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ብዕለት 7 ጥሪ 2017 ዓ.ም ድሕሪ ምፍራሙ እስራኤል ብዘካየደቶ ናይ ኣየር ደብዳብ 73 ፍልስጤማውያን ኣብ ሓደ ምሸት ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝምራሕ ኤጀንሲ ሲቪል ምክልኻል ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ምክልኻል እስራኤል ብወገኑ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝወደቐ ሚሳኤል ከምዝረኸበ ድሕሪ ምግላፁ መሊሱ ድማ ስሕተት ከምዝነበረ ኣፍሊጡ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እስራኤል ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ድሕሪ ምፍራሙ እውን እቲ ኲናት ብደብዳብ አውሮፕላን እናቐፀለቶ ትርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ እቲ ሰምምዕነት ትማሊ ሓሙስ ከፅድቕዎ ትፅቢት ተገይሩ ዝነበረ እንትኾን ይኹን እምበር ቤትፅሕፈቶም ሓማስ ናይ እቲ ሰምምዕነት ሓደ ሓደ ክፋላት ከምዝጠሓሰ ብምግላፅ ናይ መወዳእታ ደቒቓ ዕግርግር ክፍጠር ገይሩ እዩ ክብል ወቒሱ። ሓማስ ነቲ ሰምምዕነት ሙሉእ ብሙሉእ እንተዘይተቐቢሉ ካቢኔ እስራኤል ከምዘይእከብ ድማ እቲ ቤትፅሕፈት ወሲኹ ገሊፁ ኣሎ።
ብኣንፃሩ ድማ ሓማስ ብኣዳራደርቲ ዕላዊ ዝተገበረ ስምምዕነት ንምኽባር ቁርፀኛ ከምዝኾነን ናይቲ ሰምምዕነት ልኡኻት ተደራደርቲ ጉጅለ መራሒ ኻሊል ኣል ሃያ ድንጋገታት እቲ ሰምምዕነት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተቐበሉ ንኳታርን ግብፅን ብዕሊ ከምዘፍለጡ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ነቲ ስምምዕነት ብኣደራዳራይነት ዝመርሑ ጠቅላይ ሚኒስትር ኳታር ብወገኖም ሽዱሽተ ምዕራፋት ዝሓዘ እቲ ሰምምዕነት ቅድሚ ምጅማሩ ክልቲኦም ኣካላት ክረጋግዑ ሓቲቶም። ብመሰረት እቲ ሰምምዕነት ኣብ መጀመርያ ምዕራፍ ህፃናት ፣ደቂ ኣነስትዮን አረጋውያንን ሓዊሱ 33 ዝተጨወዩ እስራኤላውያን ይፍትሑ እስራኤል እውን ብግደኣ ዝተኣሰሩ ፍልስጤማውያን ክትፈትሕ ይድንግግ። ብተወሳኺ ሰራዊት እስራኤል ካብ ምብራቓዊ ክፋል ጋዛ ከምዝወፅእን ካብቲ ቦታ ዝተፈናቐሉ ፍልስጤማውያን ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምዝድንግግ ተሓቢሩ።
ኣብ ካልኣይ ዙር ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕነት ድማ ተወሳኺ ተጨውዮም ዝርከቡ እስራኤላውያን ክልቀቑን እዚ ድማ ካብ ናይ መጀመርያ ዙር እቲ ስምምዕነት ድሕሪ 16 መዓልቲ ይፍፀም እናበለ ይቕፅል።
እዚ ስምምዕነት ንክፍፀም ወሳኒ ተራ ዝተፃወታ ሃገራት ኣሜሪካ፣ ኳታርን ግብፅን እንትኾና እቲ ሰምምዕነት ንክፍፀም ድማ ተወሳኺ ክትትል ናይ ምግባር ሓላፍነቶም ከምዝዋፅኡ ተሓቢሩ።

