ነበር ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ጂሚ ካርተር ኣብ መበል 100 ዓመቶም ሎሚ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።
ኣብ ዙርያ ዓለም ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝጣበቕ ካርተር ማእኸል ነበር ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ጂሚ ካርተር ብሰንበት ድሕሪ ሰዓት ኣብ ጆርጅያ ፕላይንስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ከምዝዓረፉ ኣፍሊጡ።
ኣባል ፓርቲ ዲሞክራት ዝነበሩ ጂሚ ካርተር ከም ኣቆፃፅራ አውሮፓውያን ካብ 1977 ክሳብ 1981ኣሜሪካ ብኢኮኖምያዊን ዲፕሎማሲያዊ ፀገማት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ፕሬዘዳንት ኮይኖም ከምዘገልገሉ ዝዝከር እዩ።
ካብ ከምኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2018 ጀሚሩ ድሕሪ ምት ጆርጅ ቡሽ ብህይወት ዝነበሩ ብዕድመ ዝዓበዩ ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ነይሮም። ጂኒ ካርተር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘይተፈለጠ ሕማም ምኽንያት ዝከታተሉዎ ዝነበሩ ሕክምና ኣቋሪፆም ኣብ መንበሪ ገዝኦም ክንክን እናተገበረሎም ፀኒሖም ነይሮም።
ፕረዚዳንት ጆ ባይደንን ቀዳማዊት እመቤት ጂል ባይደን ዓለም “ፍሉይ መራሒ፣ ኣመሓዳርን ሰብኣዊ መራሕን ስኢና “ክብሉ ሓዘኖም ገሊፆም። ተሰናባቲ ፕረዚዳንት ባይደን ወሲኾም “ፍቱው ዓርከይን ናይ መትከል፣ እምነትን ትሕትናን ሰብ ነይሮም ክብሉ ገለፆምዎም። ብተወሳኺ ድሕሪ ዝተወሰና መዓልትታት መንበረ ስልጣኖም ንምቕባል ኣብ ምድላው ዝርከቡ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ድማ “ጂሚ ኣብ መሪሕነት ዘመኖም ዘጋጠሙ ፈተናታት ኣብ ናይ ሃገርና ወሳኒ ግዜ ዝመፅኡ ብምዃኖም ንናይ ኩሉ ኣሜሪካዊ ህይወት ክመሓየሽ ዝተኻኣሎ ኩሉ ገይሩ እዩ ነዚ ድማ ኩላትና ናይ ምሰጋና ሰብ ዕዳ ኢና ” ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣድራሽኦም ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ነበር ፕሬዘዳንት ቢል ክሊንተን ምስ ብዓልቲ ገዝኦም ሂላሪ ክሊንተን ብምዃን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓዘን ድማ “ጂሚ ካራገር ንዝሓሸት ፍትሓዊት ዓለም ከይተሃከዩ ሰሪሖም ” ክብሉ ንዝገበርዎ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን ፃዕሪ ኣመስጊኖም። ብተወሳኺ ነበር ፕረዚዳንት ጆርጅ ቡሽ ድማ ዝሓሸት ዓለም ንምፍጣር ዝገብርዎ ፃዕሪ ኣብ ናይ ፕረዚዳንትነት ጊዚኦም ጥራሕ ዘየብቀዐ መራሒ ነይሮም ክብሉ ሓዘኖም ገሊፆም።
ነበር ፕሬዘዳንት ካርተር ድሕሪ ካብ መንበረ ስለጣኖም ምውራድ ዝለዓለ ኣታዊ ዝረኽብሉ ናይ ህይወት ታሪክ መፅሓፍ ሕትመት ይኹን በብመድረኹ እናተረኸብካ ካብ ዝግበር ምዝራብ ዝርከብ ገንዘብ ከምዘይደልዩ ኣፍሊጦም ምንባሮም ፀብፃብ ቢቢሲ የመላኽት። ነበር ፕረዚዳንት ጂሚ ካርተር ድሕሪ ናይ መሪሕነት ዘመኖም ምስ ኔልሰን ማንዴላ ብምትሕብባር ንስራሕቲ ሰላምን ስብአዊ መሰላትን ውፍይ ኮይኖም ዝሰርሑ መራሕቲ ዓለም ዝሓቖፈ ዘ-ኣልደርስ ዝተብሃለ ጉጅለ ኣጣይሾም።
ኣብ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን 2002 ድማ ተዓዋታይ ናይ ኖቤል ሰላም ሽልማት ዝተቐበሉ እንትኾኑ በዚ ድማ መበል ሳልሳይ ተዓዋታይ ናይ ኖቤል ሰላም ሽልማት ፕረዚዳንት አሜሪካ ነይሮም ኣብቲ እዋን ድማ “ኣብዚ ምድሪ ብጣዕሚ ኣተሓሳሳብን ሓፈሻዊ ፀገምን እናኾነ ዝርከብ ኣብ መንጎ ሃፍታምን ድኻን እናሰፍሐ ዘሎ ኣፈላላይ እዩ” ክብሉ ገሊፆም ነይሮም።

