ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ኣብ ክልተኣውን ቀጠናውን ጉዳያት ተዛትዮም።
ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ዶ/ር ጌድዮን ጢሞቴዎስ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጁቡቲ መሃሙድ ዓሊ የሱፍ ኣብ ቀጠናውን ክልትኣውን ርክባት ኣመልኪቶም ትማሊ ከም ዝተዛተዩ ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ዶ.ር ጌድዮን ጢሞትዮስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ቀጠናዊ ሰላምን ምርግጋዕን ንምጥንኻር ዝገበረቶ አስተዋፅኦ ብምጥቃስ ፥ ኸዚ እውን ኣልሸባብ ንምድኻም ዘለዋ ቁርፀኝነት ገሊፆም።
ብተወሳኺ ብዛዕባ ምቅልጣፍ ናይ ወደብ ኣገልግሎት፣ ምውሳኽ ዓቕሚ ተርሚናላት ነዳዲ ፣ ከይዲ ምዝዛም ፅርግያ ዲኬል ፣ሹፌራት ከበድቲ መካይንን ጠቕላላ ዝውውር ኣታዊን ወፃእን ሸቐጣትን ዝበሉ ጉዳያት መሰረት ብምግባር ብጥልቀት ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጁቡቲ መሃሙድ ዓሊ የሱፍ ብወገኖም ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ምርግጋዕን እቲ ዞባ እትገብሮም ዘላ ኣስተዋፅኦ ብምምስጋን ኣብ ምክልኻል ኣልሸባብ ብሓባር ከምዝሰርሑ ገሊፆም። ብተወሳኺ ናይ ኢትዮጵያ ድሌት ነዳዲ ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ ናይ ነዳዲ መስመር ናብ ወደብ ደመርጆግ ንምግጣም ተወሳኺ ሰራሕቲ ኣብ ከይዲ ከምዘለው ምግላፆም ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ፕሬዘዳንት ጁቡቲ ኢስማኢል ኦማር ጊሌ ምስ ፕሬዘዳንት ሶማልያ ሃሰን ሼክ ሞሓሙድ ርክባቶም ንምጥንኻር ከምዝዘተዩ ተገሊፁ።
ፕሬዘዳንት ኢስማኤል ኦማር ጊሌ ጁቡቲ ንከይዲ ህንፀት ስርዓተ መንግስቲ ሶማልያ ዘይቋረፅ ድጋፍ ከምዘለዋን መንግስቶም ንምርግጋፅ ሰላምን ፀጥታን ሶማልያ ቁርፀኝነቶም ኣረጋጊፆም ክብል ሶና ፀብፂቡ።
ፕረዚዳንት ሶማልያ ሃሰን ሼክ ሞሓሙድ ብወገኖም ትልሚታት ምዝዛም ኣትሚስን ምጅማር ሓዱሽ ተልእኾ ኣኽባሪ ሰላም ኣውሶምን ብምግላፅ ንድጋፍ ህዝብን መንግስትን ጁቡቲ ኣመስጊኖም።

