ቅድሚ ሓደ ዓመት ኢትዮጵያ ምስ ዲፋክቶ ስቴት ዝኾነት ሶማሊላንድ ናይ ወደብ ስምምዕነት ምፍርራመን ዝዝከር እንትኾን ነዚ ስምምዕነት ስዒቡ ሶማልያ ሉኣላውነተይ ዝጥሕስ እዩ ብምባል ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ርክብ በምቁራፅ ንኤርትራን ግብፅን ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኣንፃር ኢትዮጵያ ምንቅስቓሳት ክትገብር ምፅንሓ ይፈለጥ።
ምስ ክልቲአን ሃገራት ኣንፃራዊ ምሕዝነት ዘለዋ ቱርኪ ኣብ ኣንካራ ናይ ዘተ መድረኽ ብምድላው ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕሬዘዳንት ሓሰን ሼክ መሓመድን ትማሊ ብኣካል ተራኺቦም ክዛተዩ ገይራ እያ። ፕረዚዳንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ንክልቲኦም መራሕቲ በበይኖም ረኾበም ብምዝርራብ ኣፋላላያቶም ብስምምዕነት ክፈትሑ ከምዘስማዕምዕዎም ተፈሊጡ።
ኮሚኒኬሽን ቱርኪ ነቲ ስምምዕነት ኣመልኪቱ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ብፕረዚዳንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ኣደራዳራይነት ዝተኻየደ ስምምዕነት ንክልቲአን ሃገራት ብዝጠቅም መልክዑ ከምዝተዛዘመ ፀብፂቡ።
እቲ መግለፂ ከምዝሓበሮ ኢትይጵያ ናይ ሶማልያ ሉኣላውነት ንምኽባር ዝተስማዕመዐት እንትትኾን ናይ ባሕሪ በሪ ጉዳይ ዝምልከት ድማ ነዚ ብዘይፃባእ መልክዑ ከምእተካይድ ተገሊፁ። ብተወሳኺ ከሳብ መፃኢ ወርሒ የካቲት ኣብ ዘሎ ጊዜ ውሽጢ ክልቲአን ሃገራት ናይ ሓባር ጉጅለ ቴክኒክ በምውቃር ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ በሪ ክትረክብ ዘኽእላ ስምምዕነት ንምድላው ከምዝተስማዕምዑ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
ሶማልያን ኢትዮጵያን ነናይ ሕድሕዶም ሉኣላውነት፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ፣ነፃነትን ዓለምለኻዊ ደንብታትን ንከኽብሩ ከምዝተስማዕምዑ እውን እቲ መግለፂ ዝጠቐሰ እንትኾን ብተወሳኺ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ዝኸፈሎ መስዋእትነት ኣፍልጦ ክትህብ ከምዝተቐበለት እውን ተገሊፁ እዩ።
በዛዕባ እቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈረመን መንቀሊ እቲ ጎንፂ ዝኾነ ስምምዕነት ግን ዝተብሃ ነገር የለን እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ናብ ጎንፂ ምእታዋ ወደባታ ንቱርኪ ንሓምሳ ዓመት ክተልምዕ ብክራይ ምሃባ ዝዝከር እዩ።

