Site icon Tigrai Academy

ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤች ኣይቪ ኤድስ ምኽንያት ብምግባር መድረኽ መዕበዪ ግንዛበ ኣካይዱ።

Advertisements

ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይን ማሕበር ምድሓን ወሎዶ ትግራይን ብሓባር ንሙዃን ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤች ኣይቪ ኤድስ ምኽንያት ብምግባር መድረኽ መዕበዪ ግንዝበ ኣካይዶም።

ኣብቲ ዋዕላ ተረኺቦም መልአኽቲ ዘሕለፉ ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዳይሬክትሬት ዳይሬክተር ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ ዝኾኑ ኣይተ ፍስሃ ብርሃነ ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤድስ ኣብ ትግራይ ” ሰብኣዊ መሰል ዘኽበረ ግልጋሎት ኤች ኣይቪ ኤድስ ንኹሉ” ብዝብል መሪሕ ቃል ይኽበር ከምዘሎ ብምግላፅ ኤች ኣይቪ ኤድስ ሐዚ ኣብ ትግራይ ፈጢሩዎ ዘሎ ፀገም ንመንግስቲ ጥራሕ ዝሕደግ ከምዘይኮነን ነዚ ንምቅላስ ድማ ጉዳይ ኩሎም ማሕበራትን ህዝብን ክኸውን ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣባላት ማሕበር ወለዶ ምድሓን ትግራይ ከምዝገለፅዎ ድማ ፥ ቅድሚ ኲናት ሕማም ኤችአይቪ ኤድስ ብኣና የብቅዕ ብዝብል ወሳኒ ምንቅሰቓስ ብዝሕ ለውጢ ዘምፅኡ ስራሕቲ ምስርሖም ብምዝኽኻር ሐዚ ግን ካብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዝግበር ድጋፍ ብዘይምህላውን በቲ ጆናሳይዳዊ ኲናት ዘስዐቦ ፀገምን ክንድእቲ ዝድለ ምንቅሰቓስ ክገብሩ ከምዘይካኣሉን ብምግላፅ ነዚ ንምጥንኻር ኣድለዪ ሓገዝ ንክበረሎም ሓቲቶም።

ኣብቲ ዋዕላ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረባ ባዓልቲ ሞያ ጥዕና ወይዘሮ ኣበራሽ ፍስሃ ድማ ዝርገሐ ኤችአይቪ ብብርኪ ዓለምን ብብርኪ ኢትዮጵያን እንታይ ከምዝመስል ዘርኢ መፅናዕቲ ዘቕረባ እንትኾና ከሳብ ሐዚ ብብርኪ ዓለም 88.4 ሚልዮን ሰባት በቲ ሕማም ከም ዝተትሓዙን 42.3 ሚልዮን ሰባት ድማ ሂወቶም ዝሰኣኑ ምዃኖም ሓቢረን።

ብተወሳኺ ወይዘሮ ኣበራሽ ኣብ ኢትዮጵያ ብ 2010 ዓ.ም ብዝተኻየደ መፅናዕቲ መሰረት ብጠቕላላ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 610,335 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ምዃኖም ብምግለፅ ካብዚኦም ድማ እቶም 75% ጥራሕ መድሓኒት ዝወስዱ ምዃኖም ሓቢረን።

ወይዘሮ ኣበራሽ ከምዝገለፅኦ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ኲናት ዝርገሐ ኤች ኣይቪ ኤድስ ካብ 3.1 ናብ 1.2 ወሪዱ ምንባሩ በምጥቃስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ በሰንኪ እቲ ኲናት ትካላት ጥዕና ብምዕናወን ፣ በሰንኪ ሰራሕ ስእነት በዝሒ ፋይቶት እናወሰኸ ምምፀኡ፣ ሓሽሻትን ቤት መስታት እናበዝሓ ብምምፅአንን እኹል ዝኾነ ኣስተምህሮ ናይ ምሃብ ሰራሕቲ ብዘይ ምህላውን ናብ ሓደጋ ተሰጋጊሩ ከምዝርከብ ኣረዲአን።

ከም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣብ ዝቅፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኤች ኣይቪ ኤድስ ናብ ዜሮ ንመውራድ ትልሚ ተታሒዙ ይሰራሕ ከም ዘሎ ብምግላፅ እዚ ክሳኻዕ እንተኾይኑ ግን ተሳትፎ ህዝብን ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ከም ዝሓትት ሓቢረን።

Exit mobile version