አባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ኣብ ጉዳይ ትእዛዝ ማእሰርቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ተመሳሳሊ ቅዋም ክወስዳ ተሓቲቱ።
ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ወንጀለኛታት ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ምውፅኡ ስዒቡ ምዕራባውያን ዝተፈላለዩ ሓሳብ እናንፀባረቑ ይርከቡ ። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ዓለም ለኸ ቤትፍርዲ ወንጀለኛታት ን ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ኔታንያሁ ዘውፅኦ ትእዛዝ ማእሰርቲ ተመሳሳሊ ቅዋም ክወስዱ ከምዝግባእ ተገሊፁ።
እዚ ዝተገለፀ ኣብ ጣልያን እናተኻየደ ዝርከብ ናይ ሚኒስተራት ጉባኤ እተን ሃገራት ይካየድ ኣብ ዘሎ መድረኽ እዩ ።
ካብ ትማሊ ጀሚሩ እናተኻየደ ኣብ ዘሎ ናይ ሚኒስተራት ጉባኤ ብናይዚ እዋን ኣቦ መንበር እቲ ጉጅለ ዝኾነት ጣልያን ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስተራ ኣንቶንዮ ታጃኒ ኣብዚ ጉዳይ ሓደ ዓይነት መርገፂ ክንሕዝ ኣለና ክብሉ ከም ዝገለፁ ተሓቢሩ ። ብተወሳኺ እቶም ሚኒስተር ሎሚ ቀፂሉ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ጉባኤ እንትዛዘም ኣብ ዝወሃብ መግለፂ ቅዋም ተመሳሳሊ መርገፂ ንምውሳድ እናተዛተና ኢና ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣባል እቲ ጉጅለ ዝኾነት ኣሜሪካ ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ብምቁዋም ፕረዚዳንት ጆባይደን መሕፈሪ ክብሉ ገሊፀሞ ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳያት ጀርመን ዝኾኑ ኣናሌና ቤርቦክ ብወገኖም ድማ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሂዝቦላህን ቶኽሲ ናይ ምቁራፅ ስምምዕነት ንክግበር ተስፋታት ይራኣይሉ ብምህላዎም ኲናትጋዛ ጠጠው ንምባል ዝኾነ ይኹን ኣወንታዊ ተፅዕኖ ንምትግባር ከንዛተ ኢና ክብሉ ክብሉ ተዛሪቦም።
ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ወንጀለኛታት (ICC) ንቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ኔታንያሁ ሓዊሱ ነበር ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት ከሙኡ ውን መራሒ ዕጡቕ ሓማስ ኢብራሂም ኣልማስሪ ብናይ ኲናት ወንጀልን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ብዝፍፀም ወንጀል ብምስታፍ ዝብል ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውፂኡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብቲ ጉባኤ ተወከልቲ ግብፂ ፣ስዑዲ ዓረብ ፣ዓረብ ኢሚሬትስ ፣ ኳታር እውን ብዝቐረበሎም ዕድመ መሰረት እናተሳተፉ ይርከቡ።
ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ጉዳይ ናይ ቤንያሚን ኔታንያሁ ማእሰርቲ ትእዛዝ ዝተፃረረ ሓሳብ የንፀባርቁ ከምዘለው ዝተገለፀ እንትኾን ኣብ መወዳእታ እቲ ጉባኤ ተመሳሳሊ ውሳነ ንምውሳን ክፅገሙ ከም ዝኽእሉ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

