Site icon Tigrai Academy

እስራኤል ኣብ ቤይሩት ሊባኖስ ንዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ሂዝቦላህ ብልዕሊ 250 ሮኬታት መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ሂቡ ።

Advertisements

እስራኤል ኣብ ቤይሩት ሊባኖስ ንዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ሂዝቦላህ ብልዕሊ 250 ሮኬታት መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ሂቡ ።

እስራኤል አብ ቤይሩት ንዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ሂዝቦላህ ልዕሊ 250 ሮኬታት ካብ ጠረፍ ሊባኖስ ምውንጫፉ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ። እስራኤል ኲናት ጋዛ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ከበድቲ መጥቃዕትታት ኣየር ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ዝኾነት ቤይሩት ምፍናዋ ስዒቡ ናይ ዕጡቕ ፍልስጤም ዝኾነ ሓማስ ኣጋር ምኻኑ ዝኣወጀ ሂዝቦላህ ናብ እስራኤል ብርክት ዝበሉ ሮኬታት ከም ዘወንጨፈ ተሓቢሩ ።

ሂዝቦላህ ናብ ማእኸላይን ሰሜናዊን ክፋላት እስራኤል ብዘወንጨፎም ሮኬታት ብዙሓት ሰባት ከምዝቖሰሉን ህንፃታት ከም ዝምፈረሱን ፖሊስ እስራኤል ኣፍሊጡ ። ዝተወሰኑ ሮኬታት ድማ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ቴልኣቪቭ ከምዝዓለቡ ፖሊስ እስራኤል ሓቢሩ።

እስራኤል ኣብ ማእኸል በይሩት ብቀዳም ብዝፈፀመቶ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ 29 ሰባት ከምዝሞቱ ጥዕና ሚኒስተር ሊባኖስ ምግላፁ ዝዝከር እንትኸውን ትማሊ ሰንበት ድማ ሚድያታት እስራኤል ምስ ሂዝቦላህ እናተኻየደ ዘሎ ኲናት ጠጠው ንምባል ፃዕርታት ይግበሩ ምህላዎም ፀብፂበን።

እቲ መጥቃዕቲ ሮኬታት ኣብ ጥቓ ቴልኣቪቭ ዝትርከብ ፔታኒክቫ ሓዊሱ ኣብ ሰሜናዊ ሃይፋ ፣ናሃርያን ክፋርብሉም ከምዝተፈፀመ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ።

ግብረ መልሲ ኣብ ልዕሊ ቴልኣቪቭ ከምዝህብ እናገለፀ ዝፀንሐ ዕጡቕ ሂዝቦላህ ድማ ኣብ ጥቓ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝርከቡ ክልተ ወታሃድራዊ ጣብያታት ከምዘጥቀዐ ገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ምክልኻል እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ወሰን በይሩት ድፋዕ ሂዝቦላህ ኣብ ዝኾነት ዳሂ ዝተብሃለት ናይ ሰራዊት መዋፈሪ መእኸል ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ገሊፁ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እስራኤል ኣብ ማእኸል በይሩት ብዘይምንም መጠንቀቕታ ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ሓዊሱ ብጠቕላላ በዝሒ ዝሞቱ ሰባት ናብ 84 ከምዝወሰኸ ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ ኣፍሊጡ ።

ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ብዛዕባ እቲ ብቀዳም ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝሃቦ ሓበሬታ ዋላ እኳ እንተዘይሃለወ ማዕኸናት ሚድያ እታ ሃገር ግን መሓመድ ሃይዳር ዝተባሃለ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሂዝቦላህ ንምቕታል ዝዓለመ ምንባሩ ፀብፂበን።

ብተወሳኺ ከምፀብፃብ ሰበስልጣን ሊባኖስ እስራኤል ኣጠናኺራ እናቀፀለቶ ብዘላ መጥቃዕቲ ልዕሊ 3670 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 15400 ሰባት ከምዝቆሰሉን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዜጋታት እታ ሃገር ድማ ከምዝተመዛበሉ የመልክት።

ኣብቲ ዞባ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪከ ዝኾኑ ኣሞስ ሃይስተን እስራኤልን ሂዝቦላህን ናብ ስምምዕ ንክበፅሑ ተወሳኺ ፅዕንቶ ንክግበር ብምፅዋዕ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሂዝቦላህ ዝተስማዕመዐሉ ተኽሲ ደው ናይ ምባል ሓሳብ ብወገን መንግስቲ እስራኤል ተቐባልነት ንኽረክብ ትፅቢት እናተገበረ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

Exit mobile version