ዩክረይን ብናይ ኣሜሪካ ሚሳኢላት ናብ ወሽጢ ሩስያ ዒላማ ክትወቅዕ ባይደን ምፍቃዶም ከቢድ ቁጥዕ ቀስቂሱ ።
ዋንነቱ ናይ መንግስቲ ሩስያ ዝኾነ ሮስያስክያ ጋዜጣ ፕረዚዳንት ጆ ባይደን ብጣዕሚ ዘቆጥዕን ዘተሓሰበን ውሳነ ወሲኒም ኣለዉ እዚ ደማ ዓብዪ ጉድኣት ክስዕብ እዩ ክብል ጸብጺቡ።
ሩስያዊ ተወካልን ናብ ክርምሊን ቀረባ ዝኾኑን ናይ ሊብራል ዲሞክራሲ ፓርቲ ሓላፊ ዝኾኑ ሊዮኒድ ስላትስኪ እዚ ውሳነ ናብ ግጭት ዘምርሕ እዩ ክብል ገሊጽምዎ።
ሩስያዊ ሴናተር ዝኾኑ ቭላድሚር ዳባሮቭ ብወገኖም ድማ ናብ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ዘምረሕ ክብሉ ነቲ ወሳነ ኮኒኖሞ።
ውሃቢ ቃል መንግስቲ ሩሲያ ዝኾኑ ዲሚትሪ ፔስኮቭ ብወገኖም ድማ ከምዚ ዝበለ ወሳነ እንድሕር ተመሓላሊፍ ነቲ ውጥጥ ከምዘጋድዶ ብምግላፅ ብተወሳኺ ኣሜሪካ ኣብቲ ኲናት ዘለዋ ተሳትፎ መልክዑ ዝቅይር ከምዝኾነ ገሊፆም።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ቀረባ እዋን ሰሜን ኮርያ ኣብ ጎኒ ሩስሲ ኮይኖም ዝሳተፉ ወታሃደራት ምልኣኻ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣወርሕ መንግስቲ ሩስያ ቅዋሙ ንምዕራባውያን ምግላፁ ዝዝከር እንትኸውን ኣብቲ እዋን ዩክሬይን ናይ ምዕራባውያን ነዊሕ ርሕቐት ሚሳኢላት ክትጥቀም ክፈቅዱ ከምዘይብሎም ምፍላጡ ዝዝከር እዩ ፍቃድ እንድሕር ሂቦም ድማ ሩስያ ብኣባላት ኔቶ ዝተገበረ ቀጥተኛ ተሳትፎ ትቆፅሮ ክብሉ ፑቲን ኣጠንቂቖም ነይሮም።
ኣብቲ እዋን ካብ አውሮፓ ብዝረኸበቶ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳኤል ዩክሬይን ኣብ ልዐሊ ሩስያ እንድሕር መጥቃዕቲ ከፊታ ሩስያ እንታይ ከምእትገብር እንትሕተቱ ፑቲን ኣብ ዝሃብዎ መልሲ “መጀመርያ ናይ ኣየር መከላኸሊ መሳርሕታትና ክነጠናኽር ኢና ብምቕፃል ሚሳኤሎም ከንወቅዖ ኢና። ግዝኣትና ንምውቃዕ መሳርሒ ዝህቡ እንተሃልዮም ድማ ንሕና እውን ኣብ ጥቕኦም ንዝርከቡ ኣንፃሮም ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት መሳርሒ ክንህብ ንኽእል ኢና ” ዝብል ነይሩ ።
“ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳኤላት ጥንቃቐ ግበሩ ። ዓመፅቲ ሁቲ ኣብ መርከባት ጥቅዕት ዘብፅሕ ናይ ባሕሪ መሳርሒ ክጥይቑ ይኽእሉ ። ዩክረይን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳኤል ክትጥቀም እንድሕር ፈቂድኩም ፑቲን ብምላሹ ንሁቲ ኣዕጢቑ ናይ ኣሜሪካ ወይ ናይ ዩኬ መርከብ እንተወቂዑ እንይ ይፍጠር ? ኢለዮም እየ ” ከብሉ ገሊፆም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

