ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን ፌደራል ንህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣብ ቴለቶን ንተወ 130 ሚሊዮን ብር ኣወፍዩ።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ቅድመ ምድላው ፌደራል ኣምባሳደር ዶ/ር ሽፈራው ተክለማርያም “ንተወ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዓቢይ ቴሌቶን ትግራይ ተረኺቦም ብስም ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ቅድመ ምድላው ፌደራል 130 ሚሊዮን ብር ኣወፍዮም።
እቶም ኮሚሽነር ነንባዕልኻ ምትሕግጋዝ ኣድላዪን ክጠናኸር ዘለዎን ከም ዝኾነ ብምሕባር “ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ቅድመ ድልውነትን ፌደራል ኵሉ ጊዜ ኣብ ጎንኹም እዩ ዘሎ ኢሎም።
ይኹን ደኣ እምበር በዚ መንገዲ ዝእከብ ሓገዝ ዘላቒ መፍትሒ ፀገም ክኸውን ስለ ዘይኽእል ዓርስና ንኽእለሉ ቁጠባዊ ዓቕሚ ክንሃንፅ ይግባእ ድማ ኢሎም። ከም ፀብፃብ ኤመሓት።
“ንተወ ማለት ናብ ህዝብና ምልስ ኢልና ዘለውና ሽግራት ርኢና ከመይ ካብቶም ፀገማት ክንወፅእ ከምዘለና ደው ኢልና እንሓስበሉን ሓቢርና እንሰርሐሉን ወፍሪ ምትእኽኻብ እዩ።” – ክብል ኣብቲ ቦታ ዝተረኸበ ፕ/ት ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣመራርሓ መንግስትን ውድባትን መራሕቲ ሃይማኖት ዓበይቲ ዓዲ ሰብ ሃፍቲ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ወከልትን ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ዓብይ ቴሌቶን ትግራይ ኣብ ሆቴል ኖሮዘን ስታር ሐዚ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ምድግጋፍናን ምትሕግጋዝናን ከነሐይል ከምዝግባእ ገሊፆም።
ንተወ ዝብል መሪሕ ቃል ፃውዒት፣ወቐሳ፣ሕቶን ጣዕሳን ዝሓዘ እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ፅንተታዊ ኵናት ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ሂወት ስለዝርከብ ካብዚ ፀገም ንምውፃእ ኣፈላላይና ንጎኒ ገዲፍና ክንሓብር ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም።
እቲ መድረኽ ቀጻሊ አንትኾን ክሳብ ሐዚ ደማ ልዕሊ 201 ሚሊዮን ብር ከም ዝተኣከበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ።

