Site icon Tigrai Academy

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ምችው እዋን ትፅበ ከም ዘላ ተሓቢሩ።

Advertisements

እስራኤል ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብኢራን ንዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ዳርጋ ዘይተርፍ ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ንምውሳድ ሰዓታት ትቘጽር ዘላ ትመስል።

ኢራን፡ ንቕትለታት እቶም ናይ ቀረባ መመሳጥርታ ዝዀኑ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላህን ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየን ምላሽ ንምሃብ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምዃኑ እያ ትገልጽ።

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ስጉምቲ ምፍዳይ ሕነ ሃገሩ ክመጽእ ከሎ “ዒላምኡ ዝነጸረን ቀታሊን” ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ዝፍፀመሉ እዋን ድማ ከኣ ኢራን ከምዘይትፈልጦ ተሓንዩ።

ኢራን፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እሞ ድማ ካብኣተን እተን ገሊአን ምስ እስራኤል ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዘለወን ክሊ ኣየረን ንዝኾነ መጥቃዕቲ ከይውዕል ኣጠንቂቓ’ላ። እስራኤል ንኢራን ንኽተጥቅዕ ምትሕብባር እትገብር ዝኾነት ሃገር ድማ ብዝኾነ ይኹን ምላሽ ኢራን ዒላማ ከም እትኸውን ገሊጻ።

እዚኦም ገለ ካብቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣመሪካን እስራኤልን እቲ እስራኤል ክትወስዶ ዝሓሰበቶ መጥቃዕቲ እንታይ ዓይነት መልክዕ ክሕዝ ምዃኑ ኣብ ዝዘራረባሉ ዘለዋ እዋን ኣብ ግምት ዝኣትዉ ዘለዉ ረቛሒታት እዮም።

ዋሽንግተን ኣንጻር ኒዩክለራዊ ትካላት ኢራን ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ከም እትቃወም ወግዓዊ ምግባራ ይፍለጥ። መንግስቲ ዋይት ሃውስ፡ ፕረዚደንታዊ መረፃ ኣመሪካ ክካየድ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብሓጎስ ኣይክቕበሎን እዩ።

ናብ ካልእ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ እውን ተጒቱ ክኣቱ ኣይደልን

መሻርኽቲ እስራኤል ዝላበውዎ ዝነበረ ምግታእ ምትፍናን ኣብዚ ግዜ’ዚ ብዙሕ ኣይስማዕን ዘሎ።

ከምኡ’ውን እስራኤል ኣንጻር ኵሎም ኣብ ሊባኖስ፣ ቓዛ፣ የመንን ሶርያን ዘለዉ ጸላእታ ብሓንሳብ ክትዋጋእ ዘለዋ ቆራጽነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ድሌት መንግስቲ ነታንያሁ ምግማት ይከኣል እዩ።

ብሓገዝ ስለያ ሳተላይት ኣመሪካ፡ ኣብ ኢራን ብዝርከቡ ኣባላት ሞሳድ (ትካል ስለያ እስራኤል) ዝተሓገዘ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ዒለማታት ከነጽር ብዙሕ ኣይተጸገመን።

እዚኦም ብሰፊሑ ኣብ ሰለስተ ምድባት ክምቀሉ ይኽእሉ፡

ኢራንከ እንታይ ክትገብር ትኸውን?

ኣብዚ እቲ ዝዓበየ ቀመር ዝኸውን ድማ ግብ- መልሲ ኢራንከ እንታይ ክኸውን ይኽእል ብኸመይከ ንሓደግኡ ምንካይ ይከኣል ንዝብል ዘጠቓልል ክኸውን’ዩ። ኢራን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብቶም ወተሃደራዊ ዒላማታት እስራኤል ዝበለቶም ቦታታት መጥቃዕቲ ሚሳይላት ድሕሪ ምፍጻማ ነገራት ሃዲኡ ኣሎ ዝብል መርገጺ’ያ ሒዛ። እስራኤል ሕነ እንተፈድያ ግን መሊሳ ክትወቕዓ ምዃና ተጠንቅቕ።

ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዘሽክያን “እዚ ንዘለና ዓቕምታት ከም ንእሽቶ መርኣዪ ጥራይ’ዩ” ክብል ገሊጹ’ሎ። እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ነዚ መልእኽቲ ብምድጋፍ “ስርዓት ጽዮናውያን ንስጉምቲ ኢራን ምላሽ እንተሂቡ ጨፍላቒ መጥቃዕቲ ከጋጥሞ’ዩ” ኢሉ።
ኢራን ንእስራኤል ብወተሃደራዊ ዓቕሚ ክትስዕራ ኣይትኽእልን እያ። ሓይሊ ኣየራ ዝኣረገን ዝተዳኸመን ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ንዓመታት ምስ እገዳ ምዕራባውያን ክትቃለስ ዝተገደደት ሃገር ምዃና ይፍለጥ።

ግን ሕጂ’ውን ኣዝዩ ብዙሕ ባሊስቲክን ካልኦት ሚሳይላትን ከምኡ’ውን ነታጒ ዝስከማ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣብ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ብዙሓት መሓዙት ሚሊሻታትን ኣለዋ። ኣብ ዝቕጽል እተወንጭፎም ሚሳይላት ንወተሃደራዊ መደበራት ዘይኮነስ ንመንበሪ ኣባይቲ እስራኤል ዒላማ ክገብር ይኽእል እዩ።

ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ባሕሪ እስላማዊ ሓላዋ ሰውራ ኢራን (ኣይ.ኣር.ጂ. ሲ) ንመጥቃዕቲ ሚሳይል ዝውዕላ ነኣሽቱን ቅልጡፋትን ጀላቡ ዝሓዘ ገዚፍ ዓቕሚ ኣለዎ። እዚኣተን ድማ ኣብ ምክልኻል ንዝተዋፈረት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ክዓብጥኣ ይኽእላ።

ንመጥቃዕቲ ትእዛዝ እንተዝህወሃበን፡ ነቲ ክሳብ 20 ሚኢታዊት መዓልታዊ ሰደድ ነዳዲ ዓለምና ዝካየደሉ ዋሕዚ ክቋረጽ ዝገብሩ ተፈንጀርቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ክዘርኣ ምፈተና ነይረን። እዚ ድማ ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ ዓቢ ጽልዋ ምሃለዎ።

ካብ ኩዌት ክሳብ ዖማን ዝተዘርግሓ ወተሃደራዊ መደበራት ኣመሪካ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ምህላወን ይፍለጥ። ስለዚ ኢራን ዝኾነ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊኣ እንተተፈጺሙ ንእስራኤል ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ መጥቃዕቲ ደጊፋ ኢላ ንዝኣመነትላ ዝኾነት ትኹን ሃገር ዒላማ ከምእትገብር መጠንቀቕታ ሂባ ኣላ።

እዚኦም እምበኣር፡ ገለ ካብቶም ኣብ ተልኣቪቭን ዋሽንግተንን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝውጥኑ ዘለዉ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብ ግምት ዘእትውዎም ኵነታት እዮም።

ቢቢሲ ትግርኛ

https://bbc.in/3Y7dtsQ

Exit mobile version