Site icon Tigrai Academy

ኮሚሽነር ጀነራል ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ተጋዳላይ ግርማይ ከበደ ( ግርማይ ማንጁስ) ብዘሓደሮ ሕማም ዓሪፉ።

Advertisements

ተጋዳላይ ግርማይ ከበደ ካብ እዋን ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ መስርዕ ህወሓት ዝመርሖ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተፀንቢሩ ክሳብ ዕረፍቱ ብዝተፈላለየ ልኡኽቶን ሓላፍነትን ህዝቡ ዘገልገለ ተጋዳላይ ነይሩ።

ተጋዳላይ ግርማይ ከበደ /ግርማይ ማንጁስ/ ካብ ወላዲኡ ሓለቓ ሓምሳ ከበደ ኣባድን ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ንግስቲ ኣርኣያን ብ1952 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተወለደ ኮይኑ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ኣትዩ ክመሃር ድሕሪ ምፅናሕ ኣብቲ እዋን ስርዓት ደርግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ የውርዶ ዝነበረ ግፍዕን ስቓይን፣ ብከይዲ ሰላማዊ ቃልሲ ዝፍተሐሉ መንገዲ ዕፅው ምስ ኰነ፣ ብዝተናውሐን መሪርን ዕጥቃዊ ቃልሲ፤ ብከቢድ መስዋእትን መቑሰልትን ወለዶ እቲ እዋን፣ ህዝባውን ዴሞክራስያውን ስርዓት ተኺልካ፣ ሰረት ሰላምን ልምዓትን ሰዓባይ ወለዶ ንምህናጽ ኣብ ዝተጀመረ ቃልሲ፣ ግርማይ እውን ካብ 1968 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዋህዮታት መትኒ ስርዒት ህወሓት ተፀንቢሩ ኣብ ምንጋጋ ፀላኢ ኮይኑ መስተንክራዊ ጅግነነት ካብ ዝፈፀሙ ተጋደልቲ ነይሩ።

ኣብ ከይዲ እዚ እኒ ግርማይ ብመንገዲ ስርዒት ዘካይድዎ ዝነበረ ቃልሲ ኣብ ፈተና እናወደቐ ምስ ከደ፣ ናይ 9ይ ክፍሊ ትምህርቱ ኣቋሪፁ መጋቢት 1970 ዓ.ም ናብ ማእኸል ታዕሊም ማይጤል ወሪዱ ብምዕላም ተራ ተዋጋኣይ ተጋዳላይ ኰይኑ ናብ ሓይሊ 73 ተመዲቡ።

ኣብ ከባቢታት 1971 ዓ.ም ድማ ካብ ምጥያሽ ቦጦሎኒ ዝተረፈት ብኒ ተጋዳላይ ጃብር፣ ወዲ መድህንን ኣሰፋ ማሞን እትምራሕ ዝነበረት ሓይሊ 91 ናብ ከራቢት እንትትብተን ግርማይ ድማ ምስ እኒ ተጋደልቲ ርግበይን ኣኮይን ዝበሃሉ ብዖቱ ኣብ ኣሕሰኣ ተወሳኺ ናይ ከራቢት ስልጠና ብምውሳድ ክርቢት ዓዲ ኣሕፈሮምን ዕዳጋ ዓርብን ዞባ ማእኸል ክመርሑ ገድላዊ ሓላፍነት እንትቕበሉ ተጋዳላይ ግርማይ እውን ክሳብ ከባቢታት 1978/79 ዓ.ም ኣብ ዘለዉ እዋናት ሓላፊ ውዳበታት ክርቢት እቲ ግንባር /ሪጅን 2/ ኰይኑ ተጋዲሉን ኣጋዲሉን እዩ።

ተጋዳላይ ግርማይ ማንጁስ ካብ መወዳእታታት 1979- ክሳብ 80ታት ዓ.ም ድማ ኣዛዚ ዞባዊ ሰራዊት ግንባር ደቡብ ኰይኑ ድሕሪ ምፅንሑ ናብ በርጌድ 25 ብምዛር ኮሚሳር ቦጦሎኒ ኰይኑ ክመርሕን ክጋደልን ጸኒሑ፣ ኣብ መወዳእታታት 1981 ዓ.ም ከዓ ብተጋዳላይ ኵሕለን እትምራሕ ናብ ዝነበረት ክፈለ ሰራዊት መይደይ ምክትል ኣዛዚ ኰይኑ ካብ ውግኣት ሕጉምብርዳ ክሳብ ጎብየን ከባቢኡን ኣብ ዘነበሩ መጥቃዕትታት መሪሕነቱ ዘዕረፈሎም ውግኣት እዮም።

ድሕሪ መፋርቕ 1982 ዓ.ም ብተጋዳላይ ሳሊሕ በሪሁ እትምራሕ ናብ ዝነበረት ክፍለ ሰራዊት ሓውዜን ምክትል ኣዛዚ እቲ ክፍለ ሰራዊት ኰይኑ ብሓፈሻ ኣብ ውግኣት ወፍሪ ሰላም ብቓልሲ፣ ኣብ ወፍርታት ፋና ኢህወደግን ስትራተጂካዊ መጥቃዕትታት፣ ኣብ ግንባራት ሰሜንን ደቡብን ወሎ፣ ኣብ ምድምሳስ ኮር 605፣ ኣብ ውግኣት ጉና ተራራ፣ መጥቃዕትታት ኣንጻር ሶስተኛን ብኣውርኡ ክሳብ ሙሉእ ምድምሳስ ስርዓት ደርግን ምቁጽጻር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ገድልን መሪሕነትን ተጋዳላይ ግርማይ ማንጁስ ተጠቃሳይ እዩ።

ድሕሪ 1984 ዓ.ም ኣብ ትሕቲ እዚ ምብራቕ ናይ ዝነበረት ክፍለ ሰራዊት ኣውረራ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ዝተመዘዘ ተጋዳላይ ግርማይ ክሳብ 1987 ዓ.ም ናብ ፌዴራል ፖሊስ ዝዛወር ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኣውረራ ኮይኑ።

ድሕሪ 1987 ዓ.ም ናብ ፖሊስ ፌደራል ኢ/ያ ተዛዊሩ፣ ኣብ ክንፊ ምክልኻል ገበን ሓላፊ እቲ “ልዩ ጥበቃ” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ዝነበረ ውዳበ ፍሉይ ሓይሊ ኰይኑ ሰሪሑ። ቀፂሉ ማእኸል ስልጠና ብላቴ ብምትሕብባር ሰራዊቱ ካብ ስሩዕ ገበናት ሕልፍ ንዝበሉ ተግባራት ብብቕዓት ዝከላኸል ናይ ኦፕሬሽናዊ ስርሒታት ፍልጠትን ብቕዓትን ክውንን ሰፋሕቲ ስልጠናታት ብምሃብ ቁመና ወትሩ ድልውነት ሰራዊቱ ኣብ ምህናፅ መሪሕ እጃሙ ተዋፂኡ።

ተጋዳላይ ኮሚሽነር ጀነራል ግርማይ ማንጁስ ኣብ ጻንሒት ፌደራላዊ ፖሊስነቱ በብእዋኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልላትን ዝካየዱ ዝነበሩ፣ ሕጋዊ ሰልፍታትን በዓላትን ብፍፁም ሰላም ክፅንበሉ፣ ኣብ ህዝብን ሃገርን ሓደጋት ዘስዕቡ ዘይሕጋዊ ሰልፍታትን ናዕብታትን እንትኽሰቱ ድማ ካብ ምክልኻሉ ክሳብ ምቁፅፃሩ፣ ካብ ምፍሻል ውዲት ፀላእቲ ውሽጥን ደገን ምስ መሓውራቱን መዳርግቱን ብምውዳድ ብፍላይ ምስ ድሕንነት ውሽጢ ሃገር ኣብ ባይታ ወሪዱ መሪሕነት ብምሃብ ዝነበሮ ግደ ብፍላይ ኣብ 1993ን/ 1997 ዓ.ም ሓላፊ ዋና መምርሒ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌደራል ኰይኑ ኣብ ዝመርሓሉ እዋን ዝነበሩ ከበድቲ ናዕብታት ብሕግን ስርዓትን ኣብ ምፍታሕ ዝለዓለ ተራ ነይርዎ።

ግርማይ ማንጁስ ድሕሪ 2001 ዓ.ም ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ፈደራል ፖሊስ ኢ/ያ ኮይኑ ምስ ተሸመ እውን ኣብ ደፕሎማስን ምቕራፅ እወንታዊ ምስሊ ሃገርን ወሰንቲ ዝነበሩ ትካላት እታ ሃገር፣ ድሕንነቶም ኣብ ምሕላው ዝነበሮ ግደ መሪሕነት ይኹን በብእዋኑ ዝተሃነፁ ሜጋ ፕሮጀክትታት ካብ ምሕላው ክሳብ ምችው ባይታ ኢንቨስትመንት ምፍጣር፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝነበረ ሰራዊቱ ብቑዕ መሪሕነት ብምዕራፍ ምስ ክልላት ፖሊስ ፍሉይ ምትእስሳር ስራሕ ሰሪሑ።

ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃር ኮንትሮባንዳዊ ንግድታት ምስ ትካል ግምሩክ ምሕዝነት ስራሕ ብምፍጣር ዝነበሮ ግደ መሪሕነት ብኣባላቱን መመሓዝይቲ ስርሑን ዝተመስከረሉ ተጋዳላይ እዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ድሕንነት ህዝቢ ሓደጋ ኣለዎም ዝተብሃሉ ዕጡቓት ውዳበታት ኣብ ምምካት፣ ምስ ናይ ስራሕ መዳረግቱ ብምትሕብባር ኣብ በረኻታት ቀሌም ወለጋ ዝነበሩ ተፈጥራውን ሰብ ስራሕን ፈተናታት ስዒሩ፣ ካብ ምምካን ተግባራት ግብረ ራዕዲ ክሳብ ምንጋስ ሰላምን ድሕንነትን ህዝብን ሃገርን ዝተፃወቶ ፖሊሳዊ ጅግንነት ዝተፈለየ ብምንባሩ ብመሰረት ደንቢ ፌደራል ፖሊስ ቁፅሪ 86/1995 ዓንቀጽ 64 ሕልፍ ኢሎም ዝተፈለየ ጅግንነት ንዝፍፅሙ ኣባላት ፖሊስ ዝወሃብ ዝለዓለ ሽልማት ጅግንነት ወረቐት ምስክር፣ ምስ 30 ግራም ወርቂ፣ ንክብሪ ወርቃዊ መሪሕነቱን ጅግንነቱን ተበርኪቱሉ እዩ።

ተጋዳላይ ኮሚሽነር ጀነራል ግርማይ ከበደ ኣብ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ወራር ፅንተት ንምምካት ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ መኸተ እውን ካብ ካብ ማእኸል ወታደራዊ ኮማንድ ብዝተውሃቦ ተልእኾ መሰረት ኣብ ምውዳብን ምምራሕን ከራቢት፣ ወየንትን ነባራት ተጋደልትን ትግራይ ተልእኹኡ ፈፂሙ እዩ።

ድሒሩ እውን ኣብ ምርቃቕ ኣዋጅ ፖሊስ ትግራይ ዳግመ ቀረጻ ስርዓተ ትምህርቲ ኮሌጅ ፖሊስን ይነጥፍ ዝነበረ ጕጅለ፣ ኣካቢ ኰይኑ መሪሑን ሰሪሑን እዩ።

ድሕሪ ሓምለ 2015 ዓ.ም ድማ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ኰይኑ ክመርሕ ብዝተውሃቦ ሓላፍነት ኣብ ምፍጻም እናሃለወ ብዘጓነፎ ፀገም ጥዕና፣ መስከረም 24/217 ዓ.ም ተጋዳላይ ዕድመ ልክዕ ኰይኑ ሓሊፉ ኣሎ።

ተጋዳላይ ግርማይ ካብ ዝወሰዶም ሓፀርትን ነዋሕትን ሞያዊ ስልጠናታት ብተወሳኪ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ብፖሊስነት ቀዳማይ ዲግሪ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ድማ ብ መፅናዕቲ ሰላምን ድሕንነትን ማስተርስ ዲግሪ ረኺቡ እዩ።

ተጋዳላይ ግርማይ ማንጁስ ኣቦ 4 ደቂ ኣንስትዮ ውሉድ ድማ ነይሩ።

Exit mobile version