By Dr Kahsay Tadese (Biography included at the bottom) | June 06/2023
ሕዉይት ትግራይ ከምይ ነረጋግጾ?

ኣብ ልዕሌና ዝበኣብጽሐና ከቢድ ሰብኣዊ ጨፍጫፍ፥ ማሕበራዊ ምስቅልቅል፥ ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላ፥ ናይ ትካላት ዕንወትን ብኸመይ ካብ ዝነበሮ ብዝበለጸ ይህነጽ ወይ ካብዚ ዝበጽሐና ኩለመዳያዊ ዕንወትን በሰላን ብኽከመይ ንሓዊ?
ኣብ ዓለምና ብዙሓት ዓሌት ወይ ዘርኢ መሰረት ዝገበሩ ብዙሓት ዘራዊ-ጽንተታት [ጀኖሳይድ] ተፈጺሞም እዮም። ካብዚኣቶም ሓደ ንዓና ንተጋሩ ከም ሞዴል እንወስዳ ሩዋንዳ፥ ኣብ ታሪካ ብዙሕ ዓሌታዊ ጎንጺታት ዘተኣናገደት፥ ንስልጣን ሽምያ ብዙሕ ቓልሲ ዝተኻየደላ፥ብፍላይ ቅድመ ባዕዳዊ ማግዛእቲ፡ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእትን ድህረ ባዕዳዊ መግዛእትን ኣብ መንጎ ዓሌታት ሁቱን ቱሲን ብዙሕ ዘርኣዊ ጨፍጫፍ ተኻይዱላ እዩ። ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ወርሒ ሓምለ 1994 ዓ/ም ፈ ናብ ሓደ ሚልዮን ዝጽግዑ ሩዋንዳውያን ብሰንኪ ዂናት ሕድሕድ ተጨፍጪፎም እዮም። ስለዝኾነ እውን ካብ መጋቢት 7-14 በቢዓመቱ ብሃገር ደረጃ ዝኽሪ ዘርኣዊ ጽንተት ሩዋንዳ [ጀኖሳይድ] ዝኻየደሉ እዋን እዩ። ብሓፈሻ ሩዋንዳውያን እቲ ዘርኣዊ ጽንተት ካብ ዝጅምረሉ ክሳብ ጠጠው ዝበለሉ ወርሒ ሓምለ ብሓዘንን ጸሎትን የሕልፍዎ።
ዓላማ እዚ ጽሑፍ ሩዋንዳውያን ካብቲ ዝበጽበጽሖም ከቢድ ጽንተት ብኸመይ ሓውዮም? ናብዚ ናይ ሐዚ በጺሖምዎ ዘለው ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ከ ብኸመይ ክበጽሑ ኪኢሎም? ኣንሕና ተጋሩ ኸ ካብቲ ዝበጽሐና ሰብኣዊ፥ ማሕበራዊ፥ ፖለቲካዊ፥ ትካላዊ ዕንወታት ከመይ ንሓዊ? ትግራይ ካብ ሩዋንዳ እንታይ ትመሃር? ኣብ ዝብሉ ዝዕባታት ክንትንትንን መልሲ ዝኸውን ሓሳባት ክነቕምጥ ኢና።
ብዛዓባ ሃገረ ሩዋንዳ

- ንእሽተይን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብንላ ሃገረ ሩዋንዳ፡ ካብ ኢኳተር ንደቡብ ሒደት ዲግሪታት ርሒቓ ትርከብ። ምስ ኡጋንዳ [ብሰሜን]፥ ታንዛንያ [ብምብራቕ]፥ ብሩንዲ[ብሰሜን]ን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ [ብምዕራብ]ን ከኣ ትዳወብ። ሩዋንዳ ኣብቲ ዓብዪ ሽንጭሮ ማእከላይ ኣፍሪቃን (Great Rift Valley of Central Africa) ዓበይቲ ቀላያትን ዝዋሰብሉ ከባቢ ተደኲና ትርከብ። መሬት ሩዋንዳ ጎቦታት ዝበዝሖ ስለዝኾነ፡ “ምድሪ ሽሕ ኵርባታት”[“Land of a Thousand Hills]” ተባሂላ ትጽዋዕ ።
- ኵነታት ኣየር ሓውሲ ትሮፒካዊ ብምዃኑ ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ክልተ ወቕቲ ዝናብን ክልተ ወቕቲ ሓጋይን ኣለዉዋ። 80% ህዝቢ ሩዋንዳ መነበብሮ ኣብ ሕርሻ ዝተመስረተ እንትኸውን እቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮ ህዝባ ኣብታ ዝዓበየትን ርእሰ ከተማ ሃገረ ሩዋንዳ ዝኾነት ከተማ ኪጋሊ ይነብር። ብሓፈሻ በዝሒ ህዝቢ ሩዋንዳ ድማ ልዕሊ 13 ሚልዮን እዩ፡
- ስፍሓት መሬት ሩዋንዳ ፍርቂ [Rwanda=26 sq km Tigray 50.078 sq Km], ስፍሓት መሬት ትግራይ እዩ።
ዋና ዋና ምክንያታት ዘርኣዊ ጽንተት

- ስልጣን፥ እዙይ ማለት ቅድሚ እቲ ዘርኣዊ ጨፍጫፍን ዓሌታዊ ጎንጺታት ነይሮም፥
- ዓሌት ሁቱ ብዘካየድዎ ወያናይ ዓመጽ ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ዓሌት ቱሲ ምስተረከቡ ብዙሕ ከይጸንሑ፥ ሩዋንዳ ካብ ትሕቲ መግዛእቲ ቤልጄም ነጻነታ ኣብ 1962 ረኺባ [Rwanda independence] ። ስለዝኾነ እውን ሪፓፕሊክ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሁቱ ወዲቓ። እቲ ዂነታት ብናይ ጽልኣት ዘረባታትን ዓልየት መሰረት ዝገበረ ጽለመታትን [Hate speech and hate propaganda] ቐንዲ መለዓዓልቲ እቲ ጽንተት ዘርኢ ሩዋንዳ ነይሮም። እቶም ቐንዲ ፈጸምቱን ማለት እውን ኣንጻር ዓሌት ቱሲ ብሮድካስት ይገብሩ ዝነበሩን፥ ጽልኣት ዘስፋሕፍሑን ድማ ቤልጂም ኮሎኒያስት፥ RTLM ሬድዮ፥ ቲቪ ከም ዋና መሳርሒ ኾይኑ ካብ ዘገልጊሉ እቶም ውሑዳት እዮም፥
ኩሉ ዓይነት ኣድልዎ [All forms of discriminations]: ሰብኣውነት ምጉዳል [Dehumanization]: ንውሑዳት ዓልየት ቱሲ ብዝምልከት ኣድልዎ ዝፈጥሩ ቋንቋታት [Discriminatory languages with reference to Tutsi minorities] ብመራኸብቲ ሓፋሽ የመሓላልፉ ነይሮም።
- ካብቶም ዝጥቀሙሎም ዝነበሩ ናይ ጽልኣት ቓላት ንጥቓስ ዝኣክል፥ ድዱዕ፥ ተመን፥ ኣንጭዋ፥ ነፍሳት፥ ብፍላይ ቱሲ ካብ ሁቱ ዝነውሑ ስለዝነበሩ ኣቲ ነዊሕ ተኽሊ ቊረጽዎ ወይ“cut down the tall tree” ይብልዎም ነይሮም፥
ናይ ሩዋንዳ ጆኖሳይድን ሳዕቤኑን
- ካብ 1990-1994 ኣብ መንጎ ሁቱ መንግስትን ቱሲ ዝመርሖ Rwandan Patriotic front/RPF/ ኣብ ልዕሊ ቱሲ ሲቪል ዂናት ተከፊቱ፥ እዙይ ካብ ሚያዚያ ክሳብ ሓምለ 1994 ኣብ ውሽጢ 100 መዓልቲታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዜጋታት ሩዋንዳ ተጨፍጪፎም።
- መሰረተ ልምዓት ዓኒዩ፥ ልዕሊ 250 ሽሕ ሩዋንዳውያን ደቂ ኣንስትዮ ተደፊረን፡ ብፍላይ ድማ [HIV infected men] ብመልከፍቲ ኤድስ ዘለዎም ወገናት ከቢድ በደል ኣተኣናጊደን እየን።
- ቱሲ ኣብ ዝኣተውዎ ቤተክርስቲያን፥ ቤት ትምህርቲ፥ ሆስፒታል፥ ዋላ ኣብ እስሪቤት፥ ብዘይ ምሕረት ይቅተሉ ነሮም፡[ተጋሩ ካህናት ካብ ቤተ መቅደስ፥ ሰባኪያን ካብ ዓውደ ምሕረት፥ ነጋዶ ካብ ገዝኦም ብሓፈሻ ትግራዋይ ደም ዘለዎ ይቕተል ይጋፋዕ ከምዝነበር ተመሳሳሊ ማለት እዩ]
- ናሽናል ID ናይ ዓሌት መፍላዩ ስለዝነበሮ፥ ቱሲ ኣብ መንገዲ ይኹን ኣብ ዝተረከብሉ ይቕተሉ፥ ሬስዖም ድማ ናብ ቐላያት ይድርበ ነይሩ፥ [ እዙይ እውን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ኢ/ያ ተፈጺሙ ናብነት ኣብ ከተማ ፍንፍኔ ‘የትውልድ ቦታ” ዝብል ትግራይ ተኮይኑ ቐጥታ ናብ ቤተ ማሕዩር ይውሰድ ይዝበጥን ኢሉ እውን ብዘይ ፍርዲ ይቕተል ነይሩ]፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሬሳታት ተጋሩ ናብ ተከዘ ክ ኣቱ ተገይሩ እዩ። ነዚ እውን ሓይልታት ትምክሕቲ ናይ ሩዋንዳ ኣምቢቦም ዝፈጸምዎ ጀኖሳይክ ንኽከውን ገይርዎ እዩ።]
- ብናይ ታርጋ መኪኖኦም ከተረፈ ይፈልይዎም ነሮም፥[ እዙይ እውን “ትግ” ዝብል ታርጋ ዘለወን መኻይን ይቓጸላን ይውረሳን ነይረን። ብፍላይ ብሓይሊታት ዓፈርን ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ መኪና ገናሕቲ ተጋሩ ካሳብ ሐዚ ዘስካኽሕ ገበን እናፈጸሙ ይርከቡ። ናብነት መንገዲ ንክትሓልፉ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ገንዘብ የክፍልዎምን ይወርስዎምን።]
- ኣብ መወዳኣታ RPF ኣሸኒፉ፥ ናይቲ ጽንተት ሩዋንዳ ጆኖሳይድ ድማ መወዳኣታ ረኪቡ። ኣብዚ ብዙሕ ምጥቓስ ይከኣል ግን ንምንባብ ክጥዕም ብዘዓባ ሕዉየት ክነግረኩም።
ሩዋንዳውያን ፍትሕን ሕዉየትን ብኸመይ ኣረጋጊጾምዎ?
- ምርግጋጽ ፍትሒን ተሃታትነትን
- ዕርቒ፥ ውሑስ ሰላምን ልምዓትን ዲሞክራሲን ክረጋገጽ ተኾይኑ ምርግጋጽ ፍጥሒን ተሓታትነትን ወሳኒ እዩ።
- ሩዋንዳውያን 120 ሽሕ ገበነኛታት ዘርኢ ምጥፋእ እዮም ናብ ሕጊ ኣቕሪቦም፡ እቶም ብዓልምለኻዊ ሕጊ ክፍረዱ ዝግበኦም ኣሕሊፎም ሂቦም እዮም። ኣብታ ሃገር ድማ 3ተ ደረጃ ዘለዎ ቤት ፍርዲ ኣቛቑሞም፥ ከከም ዓይነትን ክብደትን እቲ ወንጀል ድማ ገበነናታት ጠቕላይ ሚ/ር ጂን ሓዊሱ፥ ከንቲባን ሚድያታትን ተሓተቲ ኾይኖም እዮም። እዙይ ንምግባር ብዙሕ ግዜ ወሲዱሎም እዩ።
- ዝተጎድኡ ወገናት ክከሓሱ ተገይሩ ፥
- ሓቓዊን ሰላማዊን ናይ ኲሎም ዜጋታት መሰልን ማዕርነትን ዝሕሉ ሕገመንግስቲ ኣጽዲቆም።
- ዓሌታዊ ኣፈላላያት ከይህሉ ብሕጊ ኣጽዲቆም። ናብነት ካብ ሚያዝያ 7 ክሳብ ሚያዝያ 14 ብዘዓባ ጀኖቺደ ዝዝክሩሉ እዋን እንትኸውን ፓፕሊክ ደርፊን ዳንኬራን ኣይፍቐድን፥ ግዳያት ጀኖሳይ ክድመጹ ዕድል ይወሃቦም፥ መዛናግዒ ቦታታት ከም ወትሩ ኣይድምቊን። እዙይ ዓብይ ነገር እዩ ኣንሕና እውን ኽንመሃረሉ ይግባእ።
- እዙይ ድማ ነቲ ሃገራዊ ዕርቂን ቐጻልነት እታ ሃገርን ዕምነ ኹርናዕ ኾይኑ።
- ሃገረ ወለድን ዓለምለኻዊ ቅቡልነት ዘለዎም ሽምግልናን ልማዴታዊ ተሳትፎ ናብነት ሓበራዊ ዘተ ንኽግበር ወሲኖም። ከም ባህላዊ ልምዲ ድማ ኣብ ሩዋንዳ ኹሉ ግዜ እታ ናይ ወርሒ ቅዳም ካብ ንጉሆ ክሳብ ምሳሕ ሰዓት ኩሉ ሩዋንዳዊ ዜጋ ኣብ ጽሬት ኸባቢን ሓበራዊ ዘተን ክሳተፍ ግዴታ ኣለዎ። ብዚ እውን ማሕበራዊ ርክቦም ጽቡቅ ኣሎ።
ድሕሪ ምርግጋጽ ፍትሒን ተሓታትነትን ሃገረ ሩዋንዳ ብሓገዝ ማዕኸን ገንዘብ ዓለምን (IMF) ባንክ ዓለምን (World Bank)፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተ-ዓመታት (2 decades)፡ ሩዋንዳ ዓበይቲ ናይ ቁጠባ ግስጋሰን ናይ ማሕበራዊ ትካላት ለዉጥን ከምዝገበረት ይትንተን። እዚ ቁጠባዊ ግስጋሰ ንሩዋንዳ፡ ‘ሓበንን ኣርኣያን ኣፍሪቃ’ ተባሂላ ክትጽዋዕ ኣኽኢልዋ’ እዪ።
ግን፡ እዛ ንእሽተይን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብሃላን ሃገር፡ ዝተኸተለቶም ፓለትካዊ ሸቶታትን ዘንጸፈቶም ቁጦባዊ መርሕታትን ከመይ ይመስሉ? እንታን ክንደይን ዝኸዉን ዓወታት እያ ኽ ክሳብ ሐዚ ሓፊሳ ዘላ፡ ሩዋንዳ? ነዛ ሃገር ከጋጥምዎ ዝኽእሉ ብደሆታት እንታይ እዮምን ከመይ ከ ይመስሉን? ከም ተጋሩ ኣፍሪቃዉያንን ከ ካብ ሩዋንዳ እንታይ ክንመሃር ንኽእል?
ሰፊሕን ዓሚቑን ጽሒፍ ኣለኒ ብፍላይ ንዓና ንተጋሩ ናይ ሩዋንዳ ተሞክሮ ንዳግመ ሕንጸትን ንሕውየትን ትግራይናን ተጋሩን ብጣዕሚ ጠቓሚ ስለዝኾነ ከም ዝስዕብ ከቕርቦ እየ።
ሐዚ ናብ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ቅሉዕ ዘርኣዊ ኲናት ምውልዑ ከመይ ከምዝነበረ ኣሕጽር ኣቢልና ዝተወሰኑ ንጥቐስ። ዕላማይ ሰብና ዝበጽሐና ግፍዒ ረሲዑ ኣብ ፖለቲካ ጸዓዳ ሽንጉርቲ ስለዝውዕል ዘሎ እዩ። ከይርሳዕ ከይድገም ንብል ተኾይናን ኩላትና ዝበጽሐና በደልን ግፍዒን ክንዝክሮን ክንመሃረሉን ኣለና እብል።
ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ዝበጽሐ ግፍዒን በደልን ካብ ባሕሪ ብማንካ

ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘይተሰነደ ልዕሊ 7 ግዜ ዘርኣዊ ጽንተት ከም ዝተፈጸመልና ብዙሓት ሊቃውንቲ ጽሒፎምዎ እዮም ። ብቐሊሉ ንምርዳ እ ተደሊኹም ኦሜጋ ቲቪ ዘቕርቦም መረዳእታታት ኽተዳምጹ ይዕድመኩም። ካል ኦጥ መረዳእታ እውን ኣለው።ንሐዚ ካብ ዘመነ ኢህወድግ ክጅምር ምክንያቱ ዕላማይ ነቲ ሐዚ በጺሑና ዘሎ ዘርኣዊ ኣጽንቶት ምስ ሩዋንዳ ምንጽጻር ሰለዝኾነ።
- ስርዓት ደርጊ ንምምሓው ን17 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቓልሲ ተኻይዱ። መብዛሕትኡ እቲ ኹናት ኣብ ትግራይ ኣብ ትግራይ ስለዝተኻየደ ትግራይ ካብ 2-3 ወለዶ ስኢና፥ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣዚዩ ብዂናት ባዲሙ፥ ተጋሩ ድማ ንድኽነት ተቃሊዕና።
- ኣብ 1983፡ ብመሪሕነት ጀጋኑ ተጋድልቲ ትግራይ /”ኢህወደግ”] ንደርጊ ስዒርና ኣብ ጓይላን ዳንኬራን ተጽሚንድና እንከለና፡ ሩዋንዳውያን ግን ኣብ ቀዛፊ ናይ ዓልየታዊ ግጭት ተጸሚዶም ነይሮም።
- ሕወሓት ባኳር ተቓላሳይ ስለዝንበረ ኲሉ ንባዕለይ ከይበለ ብማዕርነት፥ ሰናይ ናይ ሓባር ድልየት፥ ነዊሕ ናይ ልምዓት ጉዕዞ፥ ሓንጺጹ፥ ብተመጣጣኒ ምስ ካልኦት ህዝቢታት ብማዕረ ንኽዓቢ ዕድል ኣመቻችዩ እዩ።
- ሕወሃት ንኢ/ያ ክቆጻጸር ኸሎ፥ 54% ህዝቢ ኢ/ያ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ነይሩ። 64% ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብ ትሕቲ ጸፍሒ ድኽነት ይነብር ነይሩ፥ ብሓፈሻ ኢ/ያ ካብተን ዝደኻያ ሃገራት ኣፍሪካ መበል 8ይ ነይራ።
- ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ካብ ኣፍሪካ መበል 6ይ ልዑል ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ካብ ዘምጽኣ/ዘመዝገባ ሃገራት ኣፍሪካ ክትኸውን ኪኢላ እያ።
- ሕወሃት ኣብ ስልጣን [ኢ/ያ] እናሃለወ መጠን ድኽነት ኣብ ትግራይ 27% ነይሩ ። ሐዚ ክንደይ በጺሑ ይኸውን ንዓኻትኹም ክገድፎ?
- ተጋሩ ን ኢትዮፕያዊያን ካብ ድኽነት ንምውጻእ ላዕልን ታሕትን እንትብሉ ብኣንጻሩ ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ድማ “ብኣድልዎ መሪሕነት ሕወሓት ትግራይ ብሃብቲ ተጸቒጣ” ፥ “ድኻ ዝበሃል የብላን እናበሉ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ክስበኩ ጸኒሑም።
- ህዝቢ ትግራይ ብዘለዎ ናይ ተፈጥሮ ኣቀማምጣ ኣብታ ዝርካቡ መሬት ሓሪሱ፥ ሓመድን ማይን ዕቐባ ዕውት ዝኸነ ተፈጥሮ ናይ ምሕዋይ ስራሕቲ ሰሪሑ ካብ ዓለም ወርቂ ኽሽለም ኺሉ እዩ። እዙይ ድማ ብሕወሓት ዝተወሃቦ ከይኾነስ ብጽፍሩ ሰሪሑ ዝተሰለሞ እዩ።
- ብጥይት ዝሰዓርናዮም ጸላዕትና ብሚድያ ንዝሓለፉ 27 ዓመታትን ልዕሌኡን ኣብ ጽልኣት ትግራይን ተጋሩን ክሰብኩ ጸኒሖምን ኣለውን።
- ብፍላይ ካብ መረጻ 1997ን ክሳብ ሓምለ 2008 ዓ/ም ብዙሓት ደቂ ትግራይ ብመንነቶም ካብ ክልላት 3ትን 4ን ተፈናቒሎም ፥ ተቐቲሎም፥ ብዙሓት ድማ ግዳያት ኣካላዊን ስን ኣእምሮኣዊን መጉዳእቲ ኾይኖም እዮም። በቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ኢህወደግ ሕጋዊን እዋናዊን ስጉምቲ ብዘይ ምውሳዱ ብዝህሓት ወገናትና ኣብ ዝወጽዎ ክቕተሉን ንብረቶም ክቓጸልን ክውረስን ንሳቶም ድማ ናብ ሱዳን ዝተረፉ ድማ ናብ ከተማታት ትግራይ ክስደዱ ክኢሎም እዮም።
- ካሕሳ ይኹን ፍትሒ ኣይረኸቡን፥ ብውጽኢቱ ድማ መልክዑ እናለዋወጠ ክቕጽል ክኢሉ እዩ፥ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ዓመጽ ተለዊጡ ኣብ 2010ዓ/ም ድማ ናይ መንግስቲ ለውጢ ኣስዒቡ፡ ሃ/ማርያም ደሳለኝ ብ ዓብይ ኣሕመድ ተተኪኡ። ህዝቢ ትግራይ ሓዊስካ ዳርጋ ብኣብዝሓ ኢትዮጵያውያን ድማ ተቐባልነት ረኺቡ ነይሩ፡
- ዓብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ካብ ክልል ሶማልያ ቐጺሉ ናብ ትግራ መጺኡ ህዝቢ ትግራይ ብድምቐት ተቐቢልዎ እዩ። ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ዘስምዖ መደረ ድማ “ ኢ/ያ ብዘይ ትግራይ ዳርጋ መኪና ብዘይ ሞተር ማለት እያ” ብተወሳኺ ንኹሎም ጀጋኑ ደቂ ትግራይ ሽሞም እናጸርሐ ኣወዲስዎም ህዝብና ድማ ን ንዘረብኡ 48 ግዜ ብጣቕዒት ዕጂብሉ፥ ብምዃኑ ድማ ሓዳሓደ ወገናት ልዕሊ መለስ ዜናዊ ኣብ ሓወልቲ ሰማዕታት ብዙሕ ታቕዒት ዝረኸበ “መራሒ” እናበሉ ይሽይፍዎ።
መንቐሊ ዘርኣዊ ዂናት ትግራይ
- ኣብ ልዕሊ ደቂ ትግራይን መሪሕ ውድብ ሕወሃትን ዘነጻጸሩ ዝተፈላለዩ ናይ ጸለመ ዶክመንቴሽን ብኹሎም መንግስታዊ ሚድያታት ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ክፍነው ተገይሮም፥ ትግራዋይ ብመንነቱ ጥራሕ ክእሰር፥ ኽሳቐ፥ ክፍንፈን፥ ካብ ኲሉ ዘርፊ ተገሊሉ፥ ኸቢድ ኣድለዎን በደላት በጺሕዎ፥ ናይ ዂሎም ኣብታ ሃገር ዝተፈጸሙ ሕመቓት ምኽንያት ንሱ ንኽከውን ተገይሩ ፥
- ናይ ጽልኣት ቓላት[QaeHate speech] ጽፍሪ ዝነቐሉ፥ ሃይላንድ ኣንጠልጢሎምልና፥ ናይ ቐትሪ ዝብኢ፥ ሌባታት፥ ጻይያይ፥ ካንሰር፥ ዲያብሎስ፥ ወዘተ ዝብሉ ምበንግስታዊ ሚድያን ካብ መራሕቲ ሃይማኖት [ጳጳስ] መንግስታዊ ኣካላትን [ኣብነት ከንቲባ ኣ/ኣ፥ ድሬዳዋን}
- ትግራይ ምስ ማዕኸላይ መንግስቲ ትራኸበሎም ዋና ዋና መንገዲታት ተዓጺዮም ብፍላይ ብሓይልታት ትምኽሕቲ ፥ ናይ ኢኮኖሚ ተጽዕኖታት ብመጠንን ብስፍሓትን እናወሰኹ ኸይዶም፥ ብተጋሩ ዝውነና ትካላት ንግዲ ዕዳጋ ክስእና፥ ወይ ዘይፍትሓዊ ግብሪ ክኽፍላ እሞ ካብ ውድድር ክወጻ ተገይሩ፥
- በጀት ትግራይ ክቕነስ ተገይሩ፥
- ዳርጋ ኩሎም ብሓላፍነት ዝሰርሑ ዝነበሩ ደቂ ትግራይ ካብ ኩለን ኣብያተ ጽሕፈት ፈደራል ክለዓሉ ተገይሩ፥ ንምንታይ ንዝብል ድማ “ዓቕሚ የብሎምን” ዝብል መልሲ ይወሃብ ነይሩ።
- ናይ ኣንበጣ ወራር እንትኽሰት ኣብ ከባቢታት ወሎ መድሓኒት ነጺጎም ኣብ ድቡብ ትግራይ ዝነበረ ብጣዕሚ ኸቢድ ዕስለ ኣንበጣ ፈደራል መንግስቲ ሓላፊነቱ ስለዘይተዋጸኤ ብዙሕ ጉድኣት፥ ኣብጺሑ፥ ብዙሓት ሓረስቶት ትግራይ ድማ ንጸገም ጥሜትን ተቓሊዖም።
- ሕማም ኮቪድ19፥ ኩለን ክልላት ኢ/ያ እኹል ድጋፍን ሓገዝን እንትወሃበን ብንጻሩ ትግራይ ምንም ሓገዝ ኣይተወሃባን። ብውሽጣዊ ዕቅማ ክትከላኸል ፈቲና፥እኹል ምክልኻልን መድሓኒትን እንተዝረኽቡ ሕይወቶም ክተርፍ ዝነበሩብዙሓት ዜጋታታ ስኢና፥
- ብሓፈሻ ካብ 2018-2020 ብተኸታታሊ ቕንጸላታት assassinations of prominent political figures, እዙይ ድማ ዘርኣዊ ጎነጽ ኣብ ኢ/ያ ክውስኽ ገይርዎ እዩ/which fueled the growing instability and rising ethnic tensions in Ethiopia. /
- ኣብ መንጎ TPLFን ዓብይ ኣሕመድ ዝመርሖ PPን ቴንሽን እናውስኸ ኸይዱ፥ TPLF ኮቪድ19 እናተኻላከልና ክልላዊ መረጻ ትግራይ ከካይድ እየ፥ ኢሉ ውሳነ ኣሕሊፉ፥
- ዐብይ ኣሕመድ ብግልጺ ኣዴታት ከይበኻ፥ መናኣሰይ ከሞቱ፥ ገዛውቲ ከይፈርሱ ኢሉ ብግልጺ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ኣጠንቂቑ።
- ጳጉሜን ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ዕውት መረጻ ተኻይዱ። ህዝቢ ትግራይ መራሕቱ መሪጹ። እዙይ ድማ መበገሲ ኹናት ትግራይ ኮይኑ።
- ዓብይ ኣሕመድ ነዚ መረጻ ኢ-ሕገምንግስታዊ ኢልዎ፥ ኣብ መወዳእታ May 2021 ንTPLF ግብረ ራዕዲ/ terrorists ኢሉ ብፓርላማ እታ ሃገር ወሲንሉ።
- ሕወሓት ሕገ መንግስቲ ይኸበር፥ መሰል ብሄር ብሄረ ሰባት ይተሓሎ፥ዋላ ተበል ማንም ዝሰምዖ ኣይረኸበን፡
- ኣብእዙይ እውን ኲሎም ህዝቢታት ኢ/ያ ኣብ ልዕሌና ኩናት ጽንተት ክፍጽሙልና ኪኢሎም እዮም።
ኹናት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ጀኖሳይድ ሩዋንዳን ብምንታይ ይመሳሰሉ?
- ትግራይ፥
- ጥቅምቲ 24/2013 ዓ/ም ዂናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ, ብዕሊ ተኣዊጁ፥
- ሰለስተ ብርኪታት ነይርዎ፡ 1ይ፡ ካብ ጥቅምት 24/2013 ዕ/ም ክሳብ 21 ሰነ 2013ዓ/ም [ማይካድራ፥ ደብረ ኣባይ፥ ሽረ፥ ውቕሮ ማራይ፥, ኣክሱ ም፥ ማህበረዴጎ፥ ማርያም ደንገላት፥ኢሮብ፥ ዓብይዓዲ, ተንቤን፥, ዛላምበሳ፣ ዓዲግራት፥ ነጋሽ፥ ውቕሮ፥ መቐለ፥ ቶገጋ፥ የጭላ፥ ጣንቛ በርገለ፥ ዕዳጋ ሕብረት፥ኣቡነ ይምኣታ ቤተክርስቲያን፡ ኣብ ገጠርን ከተማንን ደቡባዊ ትግራይን ወዘተ ብጣዕሚ ብዙሓት መስኻኽሒ ግፍዒታት ተፈጺሞም፡
- Countless crimes against humanity have taken place in #Tigray
- Since November 4, 2020, the people of Tigray have suffered unimaginable levels of pain.
- >1ሚልዮን ስቪላት ተጋሩ ብግፍዒን ብጥሜትን ተቐቲሎም (ግምታዊ).
- ልዕሊ 70ሽሕ ተጋሩ ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም
- ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ድማ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ተፈናቒሎም [Forced displacement of millions of Tigrayans >2.2M internally displaced]
- ልዕሊ 80% መሰረተ ልምዓት ጥዕና ትግራይ ዓኒዩ፥ ተዘሪፉን [Destruction of healthcare facilities, >80% of health centers were looted, vandalized, or destroyed].
- 99% ኣምቡላንስ ሆስፒታላት ትግራይ ናብ ጎረቤት ክልል ኣምሓራን ኤርትራን ተወሲደን ዝተረፋ ድማ ዓኒየን [99% of ambulances were stolen, taken to Eritrea, Amhara, or destroyed]
- 75% መሰረት ልምዓት ኩለን ትካላት ትምህርቲ ትግራይን ፌደራልን ዓንዩ [75% of public and private Universities, colleges, or schools were looted and destroyed beyond repair].
- ምዕራብ ትግራይ ከይሓወሰ ልዕሊ 200ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኾይነን እየን [220ኽ sexual and gender-based violence (SGBV) Amharize” them and cleanse the bloodline፥ ብጣዕሚ ዘስኻክሕ ግፍዒ ተፈጺምዎን እዩ። ንኣብነት ሓይሊታት ኣምሓራ ዝረሰነ ሓጺን ናብ ማህጸን እኖታትና ኣእትዮምለን እዮም። ኣራዊት ኤርትራ ድማ ና ማሕጸን ኣዴታት ትግራይ ባዕድ ነገራት ከም ጡጥን ሶፍትን ዝመሳሰሉ ክም ዘእተውለን እቲ በደል ዝበጽሓን ወገናትናን ሓካይምን ገሊጸን እየን። ዕድመ ጾታዊ ጥቕዓት ዝበጽሐን ካብ ጓል 8 ዓመት-89 ዓመት [ፍልፍል CNN’ን Sky News ኣብ ወርሒ March 22, 2021]
- 2ይ ብርኪ፡ ካብ 2014 ዓ/ም ዝበዝሕ ኣብ ክልል 3 ኣካባቢ ዝጸንሐ እንትኸውን [ ኣብ ካልኦት ክልላት ኢ/ያ ዝነብሩ ተወልድቲ ትግራይ ከቢድ ስቓይ ዘተኣናገድሉ፥ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ይኲኑ ኣብ ኣዲሳባን ከባቢኣን ዝጸንሑ ተጋሩን ትውልደ ትግራይ ዘለዎምን ብጣዕሚ ከቢድ ስቓይን ምንግልታዕን ዘተኣናግድሉ፥ ብፍላይ መራሕቲ ሐይማኖት ካህናት ካብ ቤተ መቅደስ ከይተረፈ ዝተወሰድሉ፥ ሰባክያነ ወንጌል ካብ ዓውደ ምሕረት ዝተዓፈኑሉ፥ ብሓፈሻ ትግራዋይ መሬት ብብርሃኑ ዝጸልመቶ እዋን ነይሩ። በዓላት ልደት ኣብ እንዳ ኣባ ሳሙኤል ዝበሃል ቤት ማሕሩይ ዝሕለፍሉ፥ በዓል ጥምቀት እውን ኣ ብቤት ህንጸት ዝተጠመቐሉ፥ ብዙሓት ድማ ኣን እኹል ጥዕናዊ ሓገዝ ዝሞትሉ እዋን ነይሩ፥ ብፍላይ ኣብ ክልል 3 ብዙሓት ምሁራን ዪኒቨርስቲ ብግፍዒ ዝተቐተሉሉ ንኣብነት ባህርዳር ዩኒቨርስቲን ኣብ ወሎ ዪኒቨርስቲ ምጥቓስ ይከኣል።
- ብመጥቓዕቲ ድሮን ብዙሓት ንጹሐን ተጋሩ ዝሰኣናሉ፥ ነበር መከላኸሊ ሃገር ዝንበሩ ተወለድቲ ትግራይን ስድርኦምን ብጣዕሚ ብቓላት ክግለጽ ዘይኽእል ግፍዒታት ዘተኣናገድሉ እዋን ነይሩ፡
- 3ይ ብርኪ ድማ ካብ ነሓሰ 2015 ዓ/ም ክሳብ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣብዝሓ እቲ ዂናት ኣብ መሬት ትግራይ ዝተኻየደ ኾይኑ ብፍላይ ደቡባዊ ዞባ 13 ጣብያታት፥ ዞባ ሰሜን ምዕራብ፥ ማእኸላይ ዞባን (ብፍላይ ዓድዋ-ማርያም ሸዊቶን ድብድቦን) ፥ ምብራቃዊ ዞባ ብክፋልን ኢሮብን እገላን]። ብቓላት ክግለጽ ዘይኽእል ብጣዕሚ ከቢድ ግፍዒ ተፈጺሙ። ክሳብ ሐዚ ኣብ ንጹሐን ተጋሩ ዝበጽሐ ጨፍጫፍ ብትክክል ኣይተነጸረን።
- ብሓፈሻ ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎም ብተወሳኺ ክንርስዖ ዘይብልና ኣብ ካል ኦት ሃገራት ዘይተፈጸሙ፥
- ልዕሊ 5.5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ዕጽዋን ከበባን ንጥሜት ተቓሊዑ ። ካብዚኦም እቶም 2.3 ሚልዮን ህጻናት እዮም።
- ልዕሊ 900,000 ኣብ ረሃብ/ ጥሜት [in famine conditions] ነይሩ፡.
- ልዕሊ 1.39 ሚልዮን ሕጻናት ትግራይ ንተኸታታሊ 3 ዓመት ካብ መዓዲ ትምህርቲ ክሳብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ተኸልኪሎም ብተወሳኺ ሎሊ 500 ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ሐዚ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትምክሕቲ ኣምሓራን ሃይልታት ኤርትራን ሰለ ዘለዋ ብዙሓት ተምሃሮ ትምህርቶም ክቅጽሉ ኣይከኣሉን ዘለው፡
- “ኣብ መብዛሕትኡ, ከባቢታት ትግራይ ሓይሊታት ጽንተት ብዙሓት መናኣሰይን ዓበይትን ኣኪቦም ረሽኖም ኣስከሬኖም ከይቕበሩ ናብ ወሓዚ ማይን [ንብነት ተከዘ] ናብ ህዝቢ እቲኸባቢ ንመስተ ዝጥቐመሉ ማይ ኣእትዮምዎም እዮም [ናብነት ኢሮብ ቊሸት ጋማዳ] ሓደ ወዲ 68 ዕድመ ኣቦ ዝሃብዎ ናይ ዓይኒ ምስክር]።
- ዂናት ትግራይ ምስተኣወጀ ጀሚሩ መሰረታዊ ኣገልግሎታትት ክም መብራህቲ, ስልኪ፥ ኢንተርኔት፥ ባንኪ ሒሳብ ናይ ትግራዋይ ኣብ መላእ ኢ/ያ ተዓጽዩ፥, ብሓፈሻ ዘርኢ ጽንተት ተጋሩ ኣብ ጸልማት ተኻይዱ ምባል ይከኣል ስለዝኮነ እውን ኲለመዳይ ዕንወት ትግራይ ብዝግባእ ዓለም ክፈልጦ ኣይከኣለን።
- ስቪል ሰርቫንት ንልዕሊ 20 ኣዋርሕ ደሞወዝ ኣይተኽፈሎምን፥ ንኢ/ያ ኣገጊሎም ጥሮታ ዝወጹ ወገናት፥ ኣይተኸፈሎምን፡ ኢትይፕያዊነት ከምዚ ዝበለ ጨካን መንነት ምዃኑ ኩሉ ትግራዋይ ክርድኦ ኣለዎ።
- ብተወሳኺ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ይኹን ዝወጽ ግልጋሎት መጓዓዝያ እዉን ስለዝተኸልከለ እቲ ኣብ ህዝብና ዝተኣወጀ ኣጽንቶታዊ ኩናት ኸቢድ ክኸውን ገይርዎ እዩ።
- ዋላኳ ዓለምለኸ ማ/ሰብ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ዓለምለካውያን ጋዜጠኛታት ብዘዓባ ኣቲ ኲናት ክጽብጽቡ ጻውዒት ተቕረበ መንግስቲ ኢ/ያ ግን ፈቓድ ክህብ ኣይከኣለን።
- ብሽፋን ምኽባር ሕጊ፥ መንግስታት ኢ/ያን ኤርትራን፥ ተሓባበርቶምን ዝ ኣወጅዎ ናይ ዘርኢ ምጥፋ ኹናት ብዋናነት ታሪኽ፥ ባህልን political existence ብፍላይ መጻኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ኣብ ደልሃመት ክኽውን ዝኣወጅዋ ኹናት እዩ ነይሩ ።
- እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝነካ ግን ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ከም ትካልን ሕድ ሕድ ኣባላቱን ቐንዲ ደገፍቲ እቲ ዘር ኣዊ ጨፍጫፍ ምንባሮምን፥ ናይ ዓለም መንግስታት ሰላም ይስፈን፥ ዕርቂ ይውረድ እንትብሉ 11 ጳጳሳት ኢትዮጵያ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሃገረ ኣሜሪካ ብምኻድ ተቖውሞ ኣስሚዖም እዮም፥ ብተወሳኺ ቅዱስ ፓትርያሪክ ብጹዕ ወ ቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝበጽሐ ግፍዒን በደልን ጠጠው ይበል ኢሎም ብምንጋሮም ንዘረባ ቅዱስ ፓትርያሪክ ብሃገራዊ ሚድያ ወጺኦም ተቋውሞኦም ኣስሞዖም እዮም። ብተወሳኺ መንፈሳዊ ማሕበራት ትባሂለን በቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣፍልጦ ዘለወን ከም በዓል ማሕበረ ቅዱሳን ብገንዘብን ብሕሳብን ሙሉእ ድጋፍ ሂበን እየን፡ ኣባላተን ድማ ብሚድያን ኣብ ህዝቢ ዝተኣከበሉ ቦታታትን ኣደራሻትን ብዘዓባ ጽልኣት ትግራይን ህዝባን ሰቢኾም እዮም።
- ስለዚ ትግራይ ብቲ ዝበጽሓ ኩለ መዳይ ዕንወት ንኽትሓዊ ካብ ሩዋንዳ እንታይ ክትመሃር ኣለዋ?
ትግራይ ካብ ሩዋንዳ ብዙሕ ልምዲ ክትወስድ ኣለዋ።
- ምርግጋጽ ፍትሒን ተሓታትነትን
- ኣሳታፋይ ኸይዲ ዕርቂ
- ኻሕሳ ንግዳያት ትግራይ ጆኖሳይድ
- ምምሕዳር ትግራይ [ካቢኔ ትግራይ] ብክልል ደረጃ ጆኖሳይ ከም ዝተፈጸመልና ክእውጅ ኣለዎ። ንኸይድገምን ከይርሳዕን ድማ ጠንኪሩ ክሰርሕ ኣለዎ።
- ጆኖሳይድ ትግራይ እንዝክረሉ እዋን ዓመታዊ ዝኽሪ ክህልወና ኣለዎ። ሙዚየም ድማ ክስርሐሎም ኣለዎ።
- ንቡዙሕ ዓመታት እናተዋህለሉ ዝመፁ ፀገማትናን፤ ሳዕቤን እቲ ናይዚ ኲናት ዝኾኑ ዝተሓላለኹ ፀገማት ስለዘልው ህፁፅ ፍታሕ ዝጠልቡ ኣዝዮም ገዘፍቲ ኩለመዳያዊ ቅልውላዋት ኣብ ዝጠጥዕሉ እዋን ክንርከብ ገይሩና ኣሎ። ካብቲ ባህሪ ዘለናሉ ኹነታት ተበጊሱ ድማ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዕላዊ ኾይኑ ኣሎ ንመጻኢት ዲሞክራሲያዊት ትግራይ ድማ ወሳኒ ዕምነ ዂርናዕ ወይ ምዕራፍን ከምዘቕምጥ ይት ኩሉ ትግራዋይ እምነትን ትጽቢትን እዩ።
- ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ፤ ኣብ ልዝብን እንካሃባ ሓሳባትን ምርድዳእን ምትእምማንን ዝተመስረተ ሓቛፋይ ፥ ግልፂ፥ ኣሳታፊ፥ ተኣማኒንን ቅቡልን ከይዲ ክኽተል ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ።
- ነታ እንምነያ ልምዕቲ፥ ዴሞክራስያዊትን፥ ሰለማዊትን ትግራይ ንምህናፅ ፅኑዕ መሰረትን እምነ ኩርናዕን እነቕምጠሉ፣ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ትግራይ ሓዱሽ ኩትሞ (new paradigm) ከምፀአልና ዝህቅን፤ ምዕሩይ/ግቡእ ኣወዳድባ መንግስቲ ክህልወና መንፀፍ እነቕምጠሉ፤ ማለት ፓርትን መንግስትን ዝፍለዩሉ፥ ፖለቲካዊ ነፃነትን ሰብኣዊ መሰላትን ትካላውነትን ዘረጋግጽ፥ ተሓታትነት፣ ግልፅነት፣ ኣሳታፍነትን ፣ለውጥን ቀፃልነትን (change and continuity) ዘማእዝኖ ካብቲ ተመስሪቱ ዘሎ ግዝያዊ መንግስቲ ትፅቢት ብዙሓት እዩ ተባሂሉ ይእመን።
- ንህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ከውሕሱ ክቡር መስዋዕቲ ዝኽፈሉን ኣካላዊ መጉዳኣቲን መቑሰልትን ዝኸፈሉ ኣባላት ሰራዊት ምኽልኻል ትግራይ እግሪ ንኽተኽሉን ስድራ ስውኣት እኹል ሓጋዝን ድጋፍን ክግበረሎም፥
- ሓደ ዲያስፖራ ንሓደ ሕጻን ዝብል ፕሮጀክት ኣብ ተግባር ክውዕል ኩሉ ትግራዋይ ዜጋ ግቡኡን ሞራላዊ ግዴትኡን ክዋጻእ ይግባእ፡
- ኣብ ዳግመህንጸት ትግራይ ኩሎም ደቂ ትግራይ ክሳተፉሉን ዝግበኦም ዘወፍይሉን መርሓግብሪ ክዳሎ ኣለዎ። ሞተር ሕላወና ዝኾነ ሕርሻ ትግራይ ክድንፍዕን ዝተጎድኡ ሓረስቶት እኹል ሓገዝ ኽግበረሎም እለዎ።
ሃገረ ሩዋንዳ ድሕሪ እቲ ዘስኻክሕ ዘርኣዊ ጨፍጫፍ ኣብ መብዛሕት ኦም ዘርፊታት ብጣዕሚ ፈጣንን ዘተ ኣማምንን ምዕባለታት ዝመዝገበትሎም ዓውዲታት ሕርሻ፥ ትሪዙም፥ ትምህርቲ፥ ጥዕናን ኣብ ዓውዲ መራኸብቲን ተክኖሎጂን ከም ኣብነት ወሲድና ክንድህስስ ኢና። ናይዚ ጽሑፍ ዓላማ ትግራይ ዓድና ድሕሪ ኣቲ ኸቢድ ዕንወትን ጽንተትን ኩለመዳይ ሕውየታ ኣረጋጊጻ ካብ ሩዋንዳ ከምተሞክሮ ወሲዳ ንቐጻሊ ናይ ዕቤት ግስጋሰአ ንሕግዛ እዩ።
ግስጋሰ ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎትን መስሕብ በጻሕትን
ብሓፈሻ፡ ጽላታታ ቁጦባ ናይ ሓንቲ ኣብ ምምዕባል ትርከብ ሃገር ኣብ ሰለስተ እዩ ዝምቐል።
ንሳቶም ከዓ፡
- ሕርሻ፡
- ኢንዳስቱሪን/ኣገልግሎት
- ኣገልግሎትን ዝበሃሉ።
ካብዞም ሰለስተ ድማ፡ ሩዋንዳ ኣብ ጽላት ኣገልግሎት (service sector) እቲ ዝገዘፈ ዕብየት ዘርኣየትሉ ሴክተር እዩ።
ብገማጋም ባንኪ ዓለም፡ ኣብ 1994 6ሚእታዊት ናይታ ሃገር ቁጠባ ጥራይ ዝሽፍን ዝነበረ፡ ኣብ 2021 ግን 48 ሚእታዊት ናይታ ሃገር ቁጠባ ኣዉሒሱ እዩ። እዚ ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝተመዝገበ ዓወት ከም በዓል ኣብ ባንክን ፋይናንስን፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ንግድታት፡ ሆቴላትን ኣብያተ-መግብን፡ መኽዘናት፡ መራኸቢታት፡ መድሕንን ናይ ንግዲ ኣገልግሎትን ዝተጓናጸፍዎ ዓበይቲ ዓወታት የጠቓልል።
ዘፈር ሕርሻ ሩዋንዳ
ድሕሪ ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ ኣብ 1994፡ እታ ሃገር ጽላት ሕርሻኣ ዳግማይ ኣብ ምህናጽ ርኡይ ብድሆታት ኣጋጢምዋ። እቲ ምጽናት ዓሌት ኣብ ብዝሒ ህዝቢ፡ ትሕተ-ቅርጽን ማሕበራዊ ቅርጺን ሩዋንዳ፡ እንተላይ ኣብ ስርዓታት ሕርሻኣ ኣዕናዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ። ይኹን እምበር ካብ ሽዑ ጀሚራ ሩዋንዳ ሕርሻዊ ምህርታ ኣብ ምሕያልን ኣፍራይነታ ኣብ ምምሕያሽን ዘደንቕ ምዕባለ ኣመዝጊባ እያ።
- ተወፋይነት መንግስቲ [Government commitment] ፡- መንግስቲ ሩዋንዳ ኣገዳስነት ሕርሻ ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ብምግንዛብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዓውዲ ገይርዎ። ሓረስቶት ንምድጋፍን ዕብየት ሕርሻ ንምድንፋዕን ፖሊሲታትን ተበግሶታትን ተግባራዊ ገይሩ።
- ጽገና መሬት [Land Reformes]፡- ድሕሪ ምጽናት ዓሌት፡ ሩዋንዳ ንግርጭታት መሬት ንምፍታሕን ውሑስ ዋንነት መሬት ንምርግጋጽን ዝዓለመ ጽገናታት መሬት ኣተኣታትያ። እዚ ድማ ሓረስቶት ኣብ መሬቶም ወፍሪ ክገብሩን ነዊሕ ዝጸንሕ ኣፍራይነት ከስፍሑን ኣኽኢልዎም.
- ሕብረት ስራሕ ሕርሻ [Cooperative Farming]፦ መንግስቲ ሕርሻዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ክምስረታ ኣተባቢዑ፣ እዚ ድማ ንኣናእሽተይ ሓረስቶት ሃፍቲ ንምውህሃድ፣ ልቓሕ ንምርካብን ካብ ቁጠባዊ ዕቤት ተጠቀምቲ ክኾኑን ሓጊዙ። ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ሓረስቶት ኣፍራይነት ኣብ ምዕባይን ተበፃሕነት ዕዳጋ ኣብ ምምሕያሽን ወሳኒ ተራ ተፃዊተን እየን።
- ዕቃበ ሓመድን ኣግሮፎረስትሪን [Soil Conservation and Agroforestry:}፡ ሩዋንዳ ብሰንኪ ምብራስ ኣግራብን ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ መሬትን ብድሆታት ምሕራር ሓመድ ኣጋጢምዋ። ነዚ ንምፍታሕ መንግስቲ ከም ቴራሲንግን ኣግሮፎረስትሪን ዝኣመሰሉ ሰፊሕ ስጉምትታት ዕቃበ ሓመድ ተግባራዊ ገይሩ። እዞም ተግባራት እዚኦም ንመሸርሸሪ ሓመድ ንምክልኻል፣ ልሙዕነት ሓመድ ንምምሕያሽን ኣፍራይነት ሕርሻ ንምዕባይን ሓጊዞም እዮም።
- ኣገልግሎት ኤክስቴንሽን ሕርሻ [Agricultural Extension Services] ፡ ሩዋንዳ ኣብ ኣገልግሎት ኤክስቴንሽን ሕርሻ ወፍሪ ብምግባር፡ ንሓረስቶት ስልጠና፡ ፍልጠትን ዘመናዊ ሜላታት ሕርሻ ንኽረኽቡን ሂባ። ሰራሕተኛታት ኤክስቴንሽን ንሓረስቶት ዝተመሓየሸ ኣሰራርሓ ሕርሻ፣ ምብዛሕ ኣእካልን ስሉጥ ምሕደራ ሃፍቲን ኣብ ምቕባል ደገፍ ገይሮም እዮም።
- ዕዳጋ ዝቐንዐ ሕርሻ [Market-oriented Agriculture] ፡- ሃገርና ናብ ዕዳጋ ዝቐንዐ ሕርሻ ብምስግጋር፡ ምፍራይ ልዑል ዋጋ ዘለዎም ኣእካልን ጥሪትን ኣስፋሕፊሓ። እዚ ኣብ ንግዳዊ ሕርሻ ትኹረት ብምግባር እቶት ሓረስቶት ዘመሓይሽን ኣብ ሓፈሻዊ ቁጠባዊ ዕብየት ኣበርክቶ ዝገበረን እዩ።
- ልምዓት መሰረተ ልምዓት [Infrastructure Development:]፦ ኣብ ገጠር ትሕተ ቅርጺ ከም ጽርግያታት፣ ስርዓተ መስኖን መኽዘናትን ዝግበር ወፍሪ ንዕዳጋ ንምብጻሕ ኣመቻቺዩ፣ ድሕሪ ቀውዒ ዝመጽእ ክሳራታት ኣጉዲሉ፣ ምትእስሳር ሰንሰለት እሴት ኣመሓይሹ።
- ቴክኖሎጂ ምቕባል [Technology Adoption]፦ ሩዋንዳ ዝተመሓየሸ ዘርኢ ምጥቃም፣ መካናይዜሽንን ስርዓተ መስኖን ሓዊሱ ናይ ሕርሻ ቴክኖሎጂታት ተቐቢላ እያ። ቴክኖሎጂ ምቕባል ምህርቲ ዝራእቲ ከምዝወሰኸን ሓፈሻዊ ኣፍራይነት ከምዘዕበየን ተገሊፁ።
- ምርምርን ምዕባለን ሕርሻ [Agricultural Research and Development]፡- መንግስቲ ኣብ ትካላት ምርምር ሕርሻ ወፍሪ ብምግባር፡ ምስ ኩነታት ከባቢ ዝሰማማዕ ፈጠራዊ ኣገባባት ሕርሻ፡ ዓይነታት ኣእካልን ቴክኖሎጂታትን ንምምዕባልን ንምዝርጋሕን እዩ።
- ምሕዝነት መንግስታውን ውልቃውን [Public-Private Partnerships:]፡ ሩዋንዳ ኣብ መንጎ መንግስታውን ውልቃውን ጽላታት ምትሕብባር ኣማዕቢላ፡ ኣፍራይነት ሕርሻ ንምዕባይ። ምስ ሕርሻዊ ትካላት ንግዲ፣ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ትካላት ልምዓትን ዝተገብረ ምሕዝነት ንሓረስቶት ፋይናንስ፣ ዕዳጋታትን ቴክኒካዊ ክእለትን ንኽረኽቡ ኣመቻቺኡ እዩ።
እዚ ጻዕርታት ምስ ጽንዓትን ጻዕርን ሓረስቶት ሩዋንዳ፡ ድሕሪ እቲ ምጽናት ዓሌት ኣብ ምህርትን ኣፍራይነትን ሕርሻ ርኡይ ምምሕያሽ ንኽመጽእ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ሩዋንዳ ብዕዉት ሕርሻዊ ለውጢ ትፍለጥ ኮይና፡ ኣብታ ሃገር ድኽነት ኣብ ምንካይን ውሕስነት መግቢ ኣብ ምምሕያሽን ርኡይ ምዕባለታት ኣመዝጊባ እያ። ብፍላይ ድማ ኣብዞም ምውሳኽ ኣፍራይነት፥ምምሕያሽ ውሕስነት መግቢ፥ ምህርቲ ቡን፥ምብዛሕ ሰደድ ፥ዘላቒ ሕርሻ ፥ዲጂታላዊ ሕርሻን ካልኦትን።
- ምውሳኽ ኣፍራይነት (Increased Productivity)፦ ኣብ ጽላት ሕርሻ ሩዋንዳ ካብ ዝተረኽበ ርኡይ ዓወታት ሓደ፡ ምውሳኽ ኣፍራይነት እዩ። እታ ሃገር ዘመናዊ ሜላታት ሕርሻ፡ ከም ኣጠቓቕማ ድኹዒ፡ ዝተመሓየሸ ዘርኢ፡ ከምኡ’ውን ስርዓተ መስኖ ተግባራዊት ኮይና ኣላ። እዚ ድማ ምውሳኽ ምህርቲ ከምዘስዓበን እዚ ድማ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጠለብ መግቢ ንምምላእ ሓጊዙ እዩ።
- ምምሕያሽ ውሕስነት መግቢ (Improved Food Security)፦ ሩዋንዳ ውሕስነት መግቢ ኣብ ምምሕያሽ እውን ርኡይ ምዕባለታት ኣመዝጊባ እያ። መንግስቲ ዝተፈላለዩ መደባት ኣተግቢሩ እዩ፣ ከም ተበግሶ ሓንቲ ላም ንሓደ ድኻ ስድራቤት፣ እዚ ድማ ላሕሚ ንዝተቓልዑ ስድራቤታት ኣመጋግባኦም ንምምሕያሽን እቶት ንምፍራይን ዝሕግዝ እዩ። መንግስቲ ድሕሪ ቀውዒ ንዝፍጠር ክሳራ ንምክልኻል ኣብ መኽዘናት ወፍሪ እውን ብምግባር ኣብ ምሉእ ዓመት ርጉእ ቀረብ መግቢ ንምርግጋፅ ሓጊዙ እዩ።
- ምህርቲ ቡን (Coffee Production)፡- ቡን ሓደ ካብቶም ኣብ ሕርሻዊ ሰደድ ሩዋንዳ ኣገደስቲ እዮም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ መንግስቲ ንሓረስቶት ቡን ብስልጠና፣ ተበፃሕነት ፋይናንስን ተበፃሕነት ዕዳጋን ንምድጋፍ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ፣ ምህርቲ ቡን ወሰኽ ከምዘርኣየ ይፍለጥ።
- ምብዛሕ ሰደድ (Export Diversification:)፦ ሩዋንዳ ካብ ቡን ሓሊፋ ኣብ ሕርሻኣ እትሰዶ ብዙሕነት ብምምዝጋብ፡ ሕጂ ካልኦት ኣእካል ከም ሻሂ፡ ፓይረትራምን ፍርያት ሆርቲካልቸርን ናብ ወጻኢ ትሰድድ። እዚ ድማ እታ ሃገር ኣብ ሓደ ሸቐጥ ዘለዋ ፅግዕተኛነት ንምንካይ ሓጊዙን ንሓረስቶት ሓደሽቲ ዋሕዚ እቶት ከምዝፈጠረን ይፍለጥ።
- ዘላቒ ሕርሻ (Sustainable Agriculture) ፥ ሩዋንዳ ዘላቒ ሕርሻ ንምድንፋዕ ልዑል ጻዕርታት ኣካይዳ እያ። እታ ሃገር ኣግሮፎረስትሪ፣ ዕቃበ ሓመድ፣ ከምኡ እውን ኣብ ሕርሻ ምጥቃም ተሓዳሲ ፀዓት ንምድንፋዕ መደባት ኣተግቢራ እያ። መንግስቲ ንኣጠቓቕማ ኦርጋኒክ ኣገባብ ሕርሻ እውን ኣተባቢዑ እዩ፣ እዚ ድማ ኣጠቓቕማ ጸረ-ባልዕ ንምንካይን ጥዕና ዘለዎ ምህርቲ መግቢ ንምድንፋዕን ሓጊዙ እዩ።
- ዲጂታላዊ ሕርሻ (Digital Agriculture) ፡ ሩዋንዳ ዲጂታላዊ ሕርሻ ሓቚፋ፡ ቴክኖሎጂ ተጠቒማ ኣሰራርሓ ሕርሻ ንምምሕያሽን ምህርቲ ንምዕባይን ትሰርሕ ኣላ። መንግስቲ ኣብ ከም ኢ-ሶኮ[e-Soko} ዝበሃል ሓረስቶት ምስ ዓደግቲ ዘራኽብ ተንቀሳቓሲ መድረኽን ጥዕናን ምህርትን ዝራእቲ ንምክትታል ብሳተላይት ምስሊ ዝጥቀም ስርዓተ ምክትታል ዝራእቲ ዝኣመሰሉ መደባት ወፍሪ ገይሩ እዩ። እዞም ዲጂታላዊ መፍትሒታት ኣብ ሰንሰለት እሴት ሕርሻ ብቕዓት ንምዕባይን ብኽነት ንምንካይን ሓጊዞም እዮም።
- ልምዓት ውልቃዊ ጽላት (Private Sector Development:)፦ ሩዋንዳ ኣብ ጽላት ሕርሻ ወፍሪ ውልቃዊ ጽላት ንምስሓብ እውን ልዑል ጻዕርታት ኣካይዳ እያ። መንግስቲ ንኢንቨስትመንት ውልቀ ሴክተር ዘኽእል ሃዋህው ፈጢሩ እዩ፣ ከም ምትብባዕ ግብሪ ምሃብን መስርሕ ኢንቨስትመንት ምቅልጣፍን ዝኣመሰሉ። እዚ ድማ ኣብ ሕርሻዊ ንግዲ ውልቀ ሴክተር ኢንቨስትመንት ክውስኽ ብምግባር ስራሕ ፈጢሩን ኣፍራይነት እቲ ዓውዲ ክውስኽን ገይሩ እዩ።
- ጾታዊ ምትእትታው (Gender Inclusivity)፦ ሩዋንዳ ኣብ ጽላት ሕርሻ ጾታዊ ምትእትታው ንምድንፋዕ ጻዕርታት ኣካይዳ እያ። መንግስቲ ንደቂ ኣንስትዮ ማዕረ መሰል ዋንነት መሬት ዝህብ ፕሮግራም ምቁፅፃር ዋንነት መሬት ከምኡ እውን ንደቂ ኣንስትዮ ሓረስቶት ስልጠናን ፋይናንሳዊ ደገፍን ዝህብ ፕሮግራም ምሕያል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕርሻን ዝኣመሰሉ መደባት ኣተግቢሩ እዩ። እዞም መደባት እዚኦም ኣብቲ ዓውዲ ጾታዊ ማዕርነት ንምምሕያሽን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕርሻ ንምድንፋዕን ሓጊዞም እዮም።
- ምጽዋር ክሊማ (Climate Resilience) ፡- ሩዋንዳ ኣብ ጽላት ሕርሻ ምጽዋር ክሊማ ንምድንፋዕ መደባት ኣተግቢራ እያ። መንግስቲ ኣብ ስርዓተ መስኖ፣ ድርቂ ዝፃወር ኣእካልን ኣሰራርሓ ዕቀባ ሓመድን ወፍሪ ብምግባር ሓረስቶት ምስ ለውጢ ክሊማ ንኽላመዱ ይሕግዞም። እዚ ጻዕርታት እዚ ለውጢ ክሊማ ኣብ ጽላት ሕርሻ ዘስዕቦ ጽልዋ ንምንካይን ውሕስነት መግቢ ንህዝቢ ንምርግጋጽን ሓጊዙ እዩ።
- ዞባዊ ውህደት (Regional Integration) ፡ ሩዋንዳ ኣብ ጽላት ሕርሻ ዞባዊ ውህደት ኣስፋሕፊሓ እያ። መንግስቲ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምትሕብባር ንግዲ ፍርያት ሕርሻ ከም ፕሮጀክትታት ውህደት ሰሜናዊ ካንሸሎ ንምድንፋዕ ከምዝሰርሐ ይፍለጥ። እዚ ድማ ንሓረስቶት ሩዋንዳ ሓድሽ ናይ ዕዳጋ ዕድላት ፈጢሩን ተወዳዳርነት እቲ ዓውዲ ከምዘዕበየን ይፍለጥ።
- ብሓጺሩ፡ ጽላት ሕርሻ ሩዋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሳላ መንግስቲ ኣብ ዘመናዊ ሜላታት ሕርሻ፡ ውሕስነት መግቢ፡ ምብዛሕ ሰደድን ዘላቕነትን ዝገበሮ ወፍሪ ርኡይ ምዕባለታት ኣመዝጊቡ። እቲ ዓውዲ ዘመዝገቦ ዓወት ንሓረስቶትን ሕርሻዊ ቢዝነሳትን ሓድሽ ዕድላት ብምፍጣር ኣብታ ሃገር ቁጠባዊ ዕብየትን ልምዓትን ኣስፋሕፊሑ እዩ።
ብሓፈሻ ጽላት ሕርሻ ሩዋንዳ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ርኡይ ምዕባለታት ብምምዝጋብ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን እታ ሃገር ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። መንግስቲ ኣብ ዘመናዊ ሜላ ሕርሻ፣ ውሕስነት መግቢ፣ ምብዛሕ ሰደድ ዘካየዶ ወፍሪ፣ ህይወት ሓረስቶት ንምምሕያሽን ንህዝቢ ርጉእ ቀረብ መግቢ ንምርግጋጽን ሓጊዙ እዩ።
ጽላት ቱሪዝም ሃገረ ሩዋንዳ
ሩዋንዳ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልምዓት ቱሪዝም ርኡይ ምዕባለታት ዘመዝገበት ኮይና፡ ፍሉይ ተመኩሮ እንስሳ ዘገዳም፡ ባህላዊ ርክባትን ተፈጥሮኣዊ ጽባቐን ንዝደልዩ ተጓዓዝቲ ዝያዳ ተፈታዊት መዕረፊት ኮይና ኣላ።
- ታሪኻውን ምጽናት ዓሌትን ዝኽሪ [Historical and Genocide Memorials]: – ሩዋንዳ ኣብ 1994 ኣብ ልዕሊ ቱትሲ ዘጋጠመ ምጽናት ዓሌት ዘሕዝን ታሪኽ እውን ንመልክዓ ቱሪዝማ ቀሪጽዎ እዩ። መዘከርታታትን ቤተ መዘክርን ከም ልቢ ዝትንክፍ መዘኻኸሪታት ኮይኖም ዘገልግሉ ኮይኖም፡ በጻሕቲ ብዛዕባ እቲ ምጽናት ዓሌት፡ ጽልዋኡን ጉዕዞ እታ ሃገር ናብ ዕርቅን ዳግመ ህንጸትን ክፈልጡ የኽእሎም።
- ዕዳጋን ምልላይን [Marketing and Promotion] ፡ ሩዋንዳ ፍልይትን ውሑስን መዕረፊት ቱሪዝም ኮይና ንነብሳ ብንጥፈት ዕዳጋ ኣቕሪባ ኣላ። ኣህጉራዊ ጎስጓሳት ንኣብነት፡ ንኩዕሶ ተጻወቲ ዓዲ እንግሊዝን (ኣርሰናል) ፈረንሳን (ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን)፡ “ንሩዋንዳ ብጽሑ” (Visit Rwanda) እናበለት ክቡር ዋጋታት እናኸፈለት ተዋዓዉዕ ኣላ፡ ምስ ትካላት ጉዕዞ ምትሕብባር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምርኢታትን ፍጻሜታትን ቱሪዝም ምክፋል፡ ንቕሓት ንምዕባይን ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ በጻሕቲ ንምስሓብን ሓጊዙ እዩ።
- ኢኮቱሪዝምን ኣድቨንቸር ቱሪዝምን [Ecotourism and Adventure Tourism] ፦ ዝተፈላለየ መልክዓ ምድሪ ሩዋንዳ ንኢኮቱሪዝምን ኣድቨንትሪ ንጥፈታትን ዕድላት ይህብ። በጻሕቲ ኣብ ከም ምጉዓዝ እግሪ፡ ምዕዛብ ኣዕዋፍ፡ ምጉዓዝ ሽፋንን ጃልባ ሳፋሪን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ክዋፈሩ ይኽእሉ፡ እዚ ድማ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ሩዋንዳን ኣብ ደገ ዝግበር ጀብሃታትን ንኽርእዩ የኽእሎም
- ኣኼባታት፡ ምትብባዕ [Meetings, Incentives, Conferences, and Exhibitions]- ዋዕላታትን ምርኢታትን (MICE)፦ ሩዋንዳ ጽላት MICE ኣማዕቢላ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ዋዕላታት፡ ዋዕላታትን ፍጻሜታትን ኣአንጊዳ ኣላ። ማእከል ዋዕላ ኪጋሊ፡ ምስ ምዕቡል መሳለጥያታቱ፡ ንሩዋንዳ ከም ተመራጺ መዕረፊ ንግድን ኮንፈረንስ ቱሪዝምን ኣቐሚጥዋ ኣሎ።
- ምሕዝነት ቱሪዝም [Tourism Partnerships:]፡- ሩዋንዳ ምስ ኣህጉራውያን ትካላት፡ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ትካላት ውልቃዊ ጽላትን ስትራተጂካዊ ሽርክነት ብምፍጣር ንልምዓት ቱሪዝም፡ ህንጸት ዓቕምን ወፍሪን ኣብቲ ዓውዲ ንምድጋፍ እዩ። እዞም ምትሕብባራት ዘላቒ ኣሰራርሓታት ቱሪዝም ንምዕባይ፣ ምቕራብ ቱሪዝም ንምስፋሕን ቁጽሪ በጻሕቲ ንምዕባይን ዝዓለሙ እዮም።
- ቱሪዝም ጎሪላ [Gorilla Tourism]- ሓደ ካብቶም ቀንዲ መንቀሳቐስቲ ጽላት ቱሪዝም ሩዋንዳ፡ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ እሳተ ጎመራታት ምጉዓዝ ጎሪላ እዩ። ሩዋንዳ፡ ርኡይ ክፋል ናይቶም ኣብ ዓለም ዝተረፉ ጎሪላታት ኣኽራን ዝነብሩላ ሃገር ኮይና፡ በጻሕቲ ዓዲ ነዞም ግርማውያን ፍጥረታት ኣብ ተፈጥሮኣዊ መነባብሮኦም ንምዕዛብ ይበጽሑ። ነቶም ጎሪላታት ንምክልኻልን ሓላፍነታዊ ቱሪዝም ንምርግጋጽን ጽኑዕ ደንብታትን ዘላቒ ኣሰራርሓታትን ተታሒዙ ኣሎ።
- ሃገራዊ ፓርክታትን እንስሳ ዘገዳምን [Gorilla Tourism] ፦ ሩዋንዳ ብዘይካ ጎሪላታት፡ ዝተፈላለየ ተመክሮታት እንስሳ ዘገዳም ዝህቡ ካልኦት ሃገራዊ ፓርክታት ኣለዋ። ሃገራዊ ፓርክ ኣካገራ ብናይ ሳቫና መልክዓ ምድሪ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንኣናብስ፡ ወይጦታት፡ ቀዛፍን ካልእን ሓዊሱ ንጸወታታት ንምጉዓዝን ንእንስሳ ዘገዳም ንምርኣይን ዕድላት ዝህብ እዩ። ሃገራዊ ፓርክ ጫካ ንዩንግዌ፡ መዕቆቢ ፕራይመት፡ ኣዕዋፍን ልሙዕ ትርኢት ጫካታትን እዩ።
- ጻዕርታት ዕቃበ [Conservation Efforts] ፡ ሩዋንዳ ንዕቃበን ዘላቒ ኣሰራርሓ ቱሪዝምን ተወፋይነት ኣለዋ። ሃገራዊ ፓርክታታ፡ እንስሳ ዘገዳምን ብዙሕነት ህይወትን ንምሕላውን ንምዕቃብን ጻዕርታት ይግበር። ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ኣብ ንጥፈታት ዕቃበን ቱሪዝምን ንምስታፍ ኣብ ማሕበረሰብ ዝተመስረቱ ተበግሶታትን ናይ እቶት ምክፍፋል መደባትን ተጣይሹ ኣሎ።
ጽላት ቱሪዝም ሩዋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ርኡይ ዕብየት ኣመዝጊቡ፡ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ስራሕ ምፍጣርን ምዕቃብ ተፈጥሮኣውን ባህላውን ቅርስታት ኣበርክቶ ገይሩ። ንመንግስቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዓውዲ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ቀጻሊ ጻዕርታት ድማ ኣብ ዘላቒ ኣሰራርሓታት ቱሪዝም፡ ምትእስሳር ሕብረተሰብ፡ ከምኡ’ውን ንተመኩሮ በጻሕቲ ዝያዳ ንምዕባይ ኣብ ምብዛሕ ምቕራብ ቱሪዝም ዘተኮረ እዩ።
ምዕባለ ሩዋንዳ ኣብ ጽላታት ጥዕናን ትምህርትን
- ሩዋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ክልቲኡ ጽላታት ጥዕናን ትምህርትን ዝድነቕ ምዕባለታት ኣመዝጊባ እያ፡ እዚ ድማ ንጽቡቕ ሂወትን ምዕባለን ህዝባ ንምምሕያሽ ዘለዋ ተወፋይነት ዘርኢ እዩ። ገለ ወሰንቲ ድምቀት ናይቲ ሩዋንዳ ኣብዞም ዓውድታት ዘርኣየቶ ምዕባለ እነሆ፤
ግስጋሰ ኣብ ጥዕና
- ተበፃሕነት ክንክን ጥዕና፦ ሩዋንዳ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ምዕባይ ርኡይ ስጉምቲ ኣመዝጊባ እያ። ሙቱኤል ደ ሳንቴ ዝበሃል [Mutuelle de Santé] ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መደብ መድሕን ጥዕና ኣተግቢሩ ኣሎ፡ እዚ ድማ ኣብ ምምሕያሽ ሽፋን ክንክን ጥዕናን ሕክምናዊ ክንክን ንምርካብ ዝፍጠር ፋይናንሳዊ ዕንቅፋታት ንምንካይን ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
- ምንካይ ሞት ህጻናት፦ ሩዋንዳ መጠን ሞት ህጻናት ኣብ ምንካይ ዘደንቕ ምዕባለ ኣመዝጊባ እያ። ሩዋንዳ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ኣዴታትን ህጻናትን፡ ክታበት፡ ቅድመ ሕርሲ ክንክንን ክኢላታት ሕርስን ሓዊሱ ብዝግበር ወፍሪ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት መጠን ሞት ህጻናት ርኡይ ምንካይ ርእያ።
- ምምካት ተላባዒ ሕማማት፦ ሩዋንዳ ከም ዓሶ፡ ዓሶን ኤችኣይቪ/ኤይድስን ዝኣመሰሉ ተላባዕቲ ሕማማት ንምምካት ልዑል ጻዕርታት ኣካይዳ እያ። ሃገርና መደባት ምክልኻልን ሕክምናን ብምትግባር፡ ተበጻሕነት መርመራን ሕክምናን ብምውሳኽ፡ ጾር ናይዞም ሕማማት ኣብ ምንካይ ሰሪሓ።
- ልምዓት ትሕተ ቅርጺ ጥዕና፦ ሩዋንዳ ኣብ ልምዓት ትሕተ ቅርጺ ጥዕና ወፍሪ ገይራ እያ፣ እዚ ድማ ንህንጸትን ምሕዳስን ማእከላት ጥዕና፣ ሆስፒታላትን ፍሉያት ትካላት ሕክምናን ሓዊሱ እዩ። እዚ ድማ ኣብ መላእ ሃገር ተረባሕነትን ፅሬትን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣመሓይሹ እዩ።
- ምሕያል ሓይሊ ስራሕ ጥዕና፡ ሩዋንዳ ንሓካይም፡ ነርስታትን ሰራሕተኛታት ጥዕና ማሕበረሰብን ሓዊሱ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ኣብ ምምልማልን ምውፋርን ኣተኲራ እያ። እዚ ድማ ሕጽረት ወሃብቲ ክንክን ጥዕና ብፍላይ ኣብ ገጠራት ንምፍታሕን መባእታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንኹሉ ተበጻሒ ምዃኑ ንምርግጋጽን ሓጊዙ እዩ።
- ሩዋንዳ፡ ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕና ዘርኣየቶ ምምሕያሻትን ዕብየትን ’ዉን ብኣህጉር ኣፍሪቃን ዓለምን ከም ኣብነት ክትጥቀስ ኣኽኢልዎ ይርከብ። ብመሰረት ስታቲስቲካዊ ጸብጻብ ኣገልግሎት ጥዕና ዓለም፡ ትጽቢት ዕምሪ (life expectancy) ሓደ ሩዋንዳዊ፡ ኣብ 1994 26 ዓመት ጥራይ ከም ዝነበረ ይሕብር። ኣብ 2019 ግን ናብ 69 ዓመት ዓሪጉ። ብመሰረት ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ ክሳብ 2019 ኣብ ሩዋንዳ ዕምሪ (life expectancy) ዝነበረ ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ 68.4 ዓመት፡ ደቂ ኣንስትዮ ድማ 71.3 ዓመት ነይሩ።
- ሞት ህጻናት ብልዕሊ ክልተ-ሲሶ ክንኪ እንከሎ፡ ሞት ኣዴታት ኣብ ግዜ ሕርሲ፡ ዳርጋ ብ80% ቀኒሱ።
- መልከፍቲ ኤች ኣይ ቪ/ኤይ ድ ስ ካብ 13% ናብ 3% ጎዲሉ። ብተወሳኺ፡ ሓባራዊ ጥዕና (Mutual Health) ዝብል ስም ኣድማሳዊ ናይ ጥዕና ክንክን መድሕንን ኣተኣታትያ ትርገብ::
- ምሕያል ሓይሊ ስራሕ ጥዕና፡ ሩዋንዳ ንሓካይም፡ ነርስታትን ሰራሕተኛታት ጥዕና ማሕበረሰብን ሓዊሱ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ኣብ ምምልማልን ምውፋርን ኣተኲራ እያ። እዚ ድማ ሕጽረት ወሃብቲ ክንክን ጥዕና ብፍላይ ኣብ ገጠራት ንምፍታሕን መባእታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንኹሉ ተበጻሒ ምዃኑ ንምርግጋጽን ሓጊዙ እዩ።
ኮቪድ-19
- ሩዋንዳ ንኮቪድ-19 ንምምካት፡ ሓንቲ ነቲ ብማሕበረሰብ ዓለም ንኣፍሪቃዉያን ሃገራት ዝተዋህበ ሓገዛት ብዝግባእ ዝመዝመዘኦን ዝተጠቕማሉ ሃገራት እያ።
- ስለዚ ድማ እታ ሃገር ሓንቲ ካብተን ዝበለጸ ኣገባብ ንለበዳ ኮቪድ-19 ንምግታእ ስጉምታታ ዝወሰደትን ብዝግባእ ንዜጋታታ ክታበት ዝሃበትን ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮናን ኣላ።
- ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 76% ካብ ህዝቢ ሩዋንዳ እንተወሓደ ሓደ ግዜ ክታበት ወሲዱ ኣሎ። ኤርትራ እታ እንኮ ንዜጋታት ክታበት ዘይሃበት ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ይሕበር።
ግስጋሰ ኣብ ትምህርቲ
- ኣድማሳዊ መባእታ ትምህርቲ፡ ሩዋንዳ ኣብ መጠን ምዝገባ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ መስተንክር መኽሰብ ኣመዝጊባ። መንግስቲ ንኹሎም ህጻናት ነጻን ግዴታውን ትምህርቲ ንኽረኽቡ ዝሕግዙ ፖሊሲታት ብምትግባር፡ ምውሳኽ ምምጻእ ቤት ትምህርቲን ቁጽሪ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዝኾኑ ህጻናት ብዓቢኡ ምንካይን ኣስዒቡ።
- ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ፦ ሩዋንዳ ስልጠና መምህራን፣ ምምዕባል ስርዓተ ትምህርቲን ንዋት ትምህርትን ብምዕባይ ፅሬት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ንዝግበር ፃዕሪ ቀዳምነት ሂባቶ እያ። መንግስቲ፡ መጠን ምቁራጽ ትምህርቲ ንምንካይን ውጽኢት ትምህርቲ ንምምሕያሽን መደባት እውን ኣተግቢሩ ኣሎ።
- ቴክኒካውን ሞያውን ትምህርቲ፦ ሩዋንዳ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ክእለት ክፍተት ንምፍታሕን ቁጠባዊ ምዕባለ ንምድንፋዕን ኣብ ቴክኒካውን ሞያውን ትምህርትን ስልጠናን (TVET) ትኹረት ሂባ ኣላ። ዕድላት ቲቪኢቲ ኣስፊሑ፣ ማእኸላት ሞያዊ ስልጠና ብምቛምን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምዕባለ ክእለት ኣስፋሕፊሑን እዩ።
- ላዕለዋይ ትምህርቲ፦ ሩዋንዳ ዕድላት ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣብ ምስፋሕን ምዝገባ ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ምዕባይን ወፍሪ ገይራ እያ። እታ ሃገር ሓደስቲ ዩኒቨርሲቲታትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ብምቛም፡ ሰፊሕ ዝርዝር ኣካዳሚያዊ መደባትን ዕድላት ምርምርን ኣቕሪባ ኣላ።
- ምዕባለ ትሕተ ቅርጺ ኣብያተ ትምህርቲ፡- ሩዋንዳ ኣብ ምምሕያሽ ትሕተ ቅርጺ ኣብያተ ትምህርቲ ርኡይ ወፍሪ ገይራ እያ፡ እዚ ድማ ንህንጸትን ምሕዳስን ክፍልታት፡ ቤተ-መጻሕፍቲ፡ ቤተ-ፈተነታትን መደቀሲ ክፍልታትን ሓዊሱ እዩ። እዚ ድማ ንተማሃሮ ዝያዳ ምቹእ ናይ ትምህርቲ ሃዋህው ፈጢሩሎም ኣሎ።
- ትምህርቲ ኣዋልድ፡ ሩዋንዳ ኣብ ትምህርቲ ጾታዊ ማዕርነት ንምድንፋዕ ሓያል ትኹረት ሂባ። ምዝገባን ምዕቃብን ኣዋልድ ንምዕባይ፡ ውሑስ ናይ ትምህርቲ ሃዋህው ንምሃብን ኣብ ትምህርቲ ኣዋልድ ዝዕንቅፉ ነገራት ንምፍታሕን ጻዕርታት ተገይሩ እዩ።
- እዚ ኣብ ጽላታት ጥዕናን ትምህርትን ዝተረኽበ ዓወታት፡ ሩዋንዳ ንሰብኣዊ ምዕባለ ዘለዋ ተወፋይነትን ብልጽግናን ንኹሉ ዝሓቁፍን ሕብረተሰብ ዘለዋ ራእይን ዘንጸባርቕ እዩ። መንግስቲ ኣብዞም ዓውድታት ኣብ ተበፃሕነት፣ ፅሬትን ፍትሓውነትን ትኹረት ምግባሩ፣ ኣብ ጽቡቕ ሂወትን ህዝቢ ሩዋንዳ ንዘሎ ዕድላትን ርኡይ ምምሕያሽ ንኽመጽእ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
ኣብ ቴክኖሎጂን መራኸቢታትን
- መንግስቲ ርዋንዳ፡ ንሃገሩ ናይ ኣፍሪቃ ማእከል ቴክኖሎጂ ሓበሬታን መራኸቢታትን ማእከል (Information and communications technology hub) ክገብራ እዩ ዕላማ ነዲፉ ዝግስግስ ዘሎ።
- ነዚ ክዉን ንምግባር ድማ ድሮ 2,300 ኪሎሜተር ኣብ ዓለም እቲ ዝማዕበለ ጽሕጊ-ኦፕቲክ መርበብ (fibre-optic telecoumnication network) ዘርጊሑ ኣሎ።
- ሩዋንዳ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ጽላት ቴክኖሎጅን ርክብን ዘደንቕ ምዕባለታት ኣመዝጊባ እያ፡ ንነብሳ ከም ዞባዊ ማእከል ምህዞን ዲጂታላዊ ትራንስፎርሜሽንን ንምቕማጥ ዝዓለመት እያ። ገለ ወሰንቲ ድምቀት ናይቲ ሩዋንዳ ኣብዚ ዓውዲ ዘርኣየቶ ምዕባለታት እነሆ፤
- ትሕተ ቅርጺ ICT: [ICT Infrastructure] ሩዋንዳ ድልዱል ትሕተ ቅርጺ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን (ICT) ኣብ ምምዕባል ወፍሪ ገይራ እያ። እዚ ድማ ምስፍሕፋሕ ፍጥነት ዘለዎ ምትእስሳር ኢንተርነት፣ ፋይበር ኦፕቲክ ኔትወርክን ምምስራት ሃገራዊ ማእከላት ዳታን የጠቓልል። ኣብ ገጠር እውን ምትእስሳር ንምምሕያሽ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ።
- ኣገልግሎት ኢ-መንግስቲ [E-Government Services]: ሩዋንዳ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ብቕዓትን ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ኢ-መንግስቲ ኣተግቢራ እያ። እዚኦም ድማ ንመዝገብ ዜጋታት፡ ክፍሊት ግብሪ፡ ምዝገባ መሬትን ምዝገባ ንግዲን ዝሕግዙ ብኢንተርነት ዝጥቀሙሉ መድረኻት ይርከብዎም። ዲጂታላይዜሽን ኣገልግሎት መንግስቲ፡ ኣሰራርሓታት ኣመሓይሹ፡ ቢሮክራሲ ኣጉዲሉ፡ ግሉጽነት ኣመሓይሹ።
- ስማርት ከተማታት [Digital Financial Services] ሩዋንዳ ንብቑዕ ምሕደራ ከተማታት ቴክኖሎጂን ብዳታ ዝምራሕ መፍትሒታትን ብምውህሃድ፡ ኣምር ስማርት ከተማታት ሓቚፋ ኣላ። ርእሰ ከተማ ኪጋሊ፡ ስማርት መብራህቲ ጎደናታት፡ ስርዓታት ምሕደራ ጎሓፍን ዲጂታላዊ መድረኻት መጓዓዝያን ውጥን ከተማን ሓዊሱ ስማርት ሲቲ ተበግሶታት ኣተግቢራ ኣላ።
- ዲጂታላዊ ፋይናንሳዊ ኣገልግሎት [Digital Financial Services] ሩዋንዳ ኣብ ዲጂታላዊ ፋይናንሳዊ ምትእትታው ኣብ ቅድሚት ኮይና ጸኒሓ እያ። ከም MTN Mobile Moneyን Airtel Moneyን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ሞባይል ማኒ ተፈታውነት ረኺቦም፡ ባንክ ዘይብሎም ህዝቢ ፋይናንሳዊ ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ኣመቻቺኡ። መንግስቲ ዲጂታላዊ ክፍሊት ምጥቃም እውን ኣተባቢዑ እዩ፣ እዚ ድማ ጥረ ገንዘብ ዘይብሉ ቁጠባ ንኽህሉ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
- ምህዞን ጀመርትን፦ [Innovation and Startups] ሩዋንዳ ንመሃዝነትን ንኢንተርፕሪነርሺፕን ዝምችእ ሃዋህው ኣማዕቢላ እያ። ከም ከተማ ምህዞ ኪጋሊ፡ ፈንድ ምህዞ ኪጋሊ፡ ከምኡ’ውን ስታርትኣፕ ኢንኪቤተራት ዝኣመሰሉ ተበግሶታት፡ ንልምዓት ናይ ውሽጢ ዓዲ ቴክኖሎጂ ጀመርቲ ትካላት ዝድግፉን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት፡ እንተላይ ኣብ ሕርሻ፡ ጥዕናን ፋይናንስን ምህዞታት ዘተባብዑን እዮም።
- ትምህርትን ምዕባለ ክእለትን ICT [ICT Education and Skills Development]፡ ሩዋንዳ ጠለባት ዲጂታላዊ ቁጠባ ንምምላእ ንትምህርትን ምዕባለ ክእለትን ICT ቀዳምነት ሂባ እያ። መንግስቲ ኮዲንግን ኣካዳሚታት ICTን ከምኡ እውን ምስ ዩኒቨርሲቲታትን ትካላት ስልጠናን ብምትሕብባር ኣብ መናእሰይ ክእለት ICT ንምዕባይ ኣጣይሹ ኣሎ።
- ኢ-ጥዕናን ቴሌሜዲሲንን [E-Health and Telemedicine]፦ ሩዋንዳ ብኢ-ጥዕናን ቴሌሜዲሲንን መፍትሒታት ኣቢላ ኣወሃህባ ክንክን ጥዕና ንምምሕያሽ ቴክኖሎጂ ተጠቒማ እያ። ከም ምልውዋጥ ሓበሬታ ጥዕና ሩዋንዳን ኣገልግሎት ቴሌሜዲሲንን ዝኣመሰሉ ፕሮጀክትታት፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፡ ምሕደራ ሕክምናዊ መረዳእታን ርሑቕ ምኽርን ንምርካብ ኣመቻቺኦም እዮም።
**********************************************************************************
Biography of the Author

Dr. Kahsay Tadesse Mawcha
Dr. Kahsay Tadesse is a renowned academician and researcher in the field of Plant protection. With a passion for mycology and mycotoxin analysis, He has made significant contributions to the understanding of Fusarium mycotoxins and plant disease management strategies.
Born and raised in a small village, Dr. Kahsay developed a deep appreciation for nature and agriculture from an early age. This passion led him to pursue a bachelor’s degree in Agricultural Sciences from Haramaya University, where he graduated with honors. He furthered his education by completing a master’s degree in plant Pathology and a Ph.D. in Molecular Plant Pathology Studies from Hebei Agricultural University.
Throughout his career, Dr. Kahsay has held various academic positions at Aksum University. He has been working as Head Department of Plant Sciences, Registrar and alumni officer, and delegated Dean of college agriculture. He has been an assistant professor of Plant Pathology at Aksum University for over two years, where he has inspired and mentored several students. Known for his engaging teaching style, he has developed innovative curricula and courses that integrate practical fieldwork with theoretical knowledge.
Dr. Kahsay’s research focuses on plant-microbe-environment interactions and integrated pest management strategies. He has published more than ten peer-reviewed articles in leading scientific journals, and his research has been instrumental in shaping Fusarium pathogen identification, characterization, and management strategies.
In addition to his academic pursuits, Dr. Kahsay is actively involved in collaborative projects with government agencies, non-profit organizations, and local communities. He believes in bridging the gap between academia and the real world, working towards practical solutions to Agricultural challenges, especially insect pests, and Plant diseases Management.
Beyond his professional achievements, Dr. Kahsay enjoys spending time outdoors, hiking, and exploring nature. He is also deeply committed to agricultural advocacy and promoting environmental awareness.
Dr. Kahsay’s passion, expertise, and dedication to Plant Sciences have made him a prominent figure in academia. His research, teaching, and advocacy continue to inspire the next generation of plant scientists and contribute to a more sustainable and resilient future.
Leave a Reply