ቀፃሊ ዕድል ትግራይን ትግራዋይነትን (ሻድሻይ ክፋል)

By Girmay Yihdego

Reviewed by: Legese Kidane

ቅድም ክብል እቲ ዓለማውን ሃገራውን ሕሉፉን ህልውን ኩነታት ብመንፅር ስእነት ኣማቲ ስትራቴጅያዊ መሪሕነት ንምርኣይ ፈቲና ኔርና:: ሕዚ ድማ ፖለቲካ ትግራይ ዝቖመሎም ቀንዲ ዓንድታት ብምፍታሽ ስእነት ኣማቲ ስትራቴጂክ መሪሕነት እንታይ ኣሲኢኑና ከምዘሎ ንምሕባር ንፈትን:: እቶም ቀዲ ዓንድታት ፖለቲካ ትግራይ እዞም ዝስዕቡ ጌርካ ምውሳድ ዝክኣል ይመስለኒ::

ደርባዊ ምዝመዛን ብሄራዊ ዕብለላን
ፀረ ዴሞክራሲያዊነት
ስልጣን ከም መአከቢ ውልቀ ሃፍቲ ምጥቃም
ግጉይ መመዘኒ (benchmarking)
ግጉይ ትርጉም ተጋዳላይነት
ድርቅና (functional blindness)
ነቲ ኹነታት ዝምጥን ኣርኣእያ ውዳበን እስትራቴጅን ዘይምህላዉ
ብሓፁር ሰብ ደው ዝበለ መሪሕነት

ፖለቲካ ትግራይ ነቲ ሱር ዝሰደደ ናይ ኣሻሓት ዓማውቲ ደርባዊ ምዝመዛን ብተነፃፃሪ ሓዱሽ ዝባሃል ብሄራዊ ዕብለላን ኣሜን ኢሉ ዘይተቐበለ ናይ እምቢታን ናይ ኣይግዛእን ባሃላይነት ፖለቲካ ኣብ ርእሲ ምኳኑ ናይ ጅግንነትን ሃርበኝነትን ታሪኽ ንወለዶታት ዘስነቐ’ውን እዩ ፖለቲካ ትግራይ:: ናይዚ ክብርታት ባዓል ዋና ድማ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕን ጥራሕን እዩ:: ቀዳማይ ወያነ ነዚ ቅያ እዙይ ኣድሚቕዎ ሓሊፉ እዩ:: ህወሓት ክዓ ነዚ ቅያ ቃልስን ጀግንነትን ተጋሩ ብራኸ ወሲኽሉ እዩ:: ብፍላይ ደመኛ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምንፃርን ኣፈሙዙ ናብ መን ከዝር ከምዘለዎ ኣብ ምንፃርን … እቲ ሕዚ ብልጫ ሂቡና ዝርከብ ህዝቢ ኣብ ምንቃሕን ምውዳብን … ወታደራዊ ሳይንስ ኣብ ምንፃርን ሓድሽ ናይ ቆረፃ ቅዲ ኩናት ኣብ ምፍጣርን … ገስጋሳይ ሕገ መንግስቲ ኣብ ምፅዳቕን ነዚ ዝጣበቑ መሓዙት ቃልሲ ኣብ ምፍጣርን ተርኡ ርኡይ እዩ ኔሩ:: እዞም ትግራዋይ ክብርታት እዚኦም ኣብ ውድባዊ ዓንኬል ኣትዮም ከይጭወዩን ኣብ ፀቢብ ውድባዊ ዓውዲ ኣትዮም ከይጭፍለቑን ምሕብሓብን ምምዕባልን ናይ ኩሉ ሓድሽ ወለዶ ኮይኖም ክቕፅሉን ምግባር ድማ ግደ ኣማታይ ስትራቴጅያዊ መሪሕነት ይኾን ኣሎ ማለት እዩ … ሕዚ ኣብ ባይታ እንታይ ኣሎ ዝብል ፍርዲ ንመንበብባይ ክገድፎ::

እቲ ካልኣይ ዓንዲ ብሄራዊ ፖለቲካ ትግራይ ካብ ህልም ዝበለ መስፍናውን ድቓላ ተላኣኣኺ ስርዓት ብርዥዋን ዝፍልፍል ፀረ ዴሞክራሲያዊ ባህርይ ሒዙ ዝወፀ ምኳኑ እዩ ምባል ይክኣል:: እዚ ፀረ ዴሞክራሲያዊ ኣርኣእያ ገዛእቲ ደርቢ ነቲ ዘቤታውን ባይቶኣዊን ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ምምሕዳርን ናይ ጎንፂ ኣፈታትሓ ስርዓትን ጏዕፂፁ ዝጠጠዐ እኳ እንትነበረ ጠንቁ ግን ገፊሕን ዓሙቕን እዩ:: ነቲ ባይቶኣዊ ዴሞክራሲ (ኣብ መንጎ ተጋሩን ዓፋሮቶትን ዝነበረ ጎንፂ ተፈትሐሉ ኣግባብ … ክሳብ ነብሲ ምጥፋእ ዝኸድ ማሕበራዊ ውጥጥ ዝፍተሐሉ መገዲ) ካብ ምምሳን ጀሚሩ ክሳብ ነገራት ብዓመፅን ምምሕዳራዊ መዳይን ምፍታሕ (1993 ምግምማዕ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተፈትሐሉ ኣግባብ) ብዙሕ ዘኽሰረና እዩ ምባል ዝክኣል ይመስለኒ:: ህወሓት ካብ ውልደታ ክሳብዛ ሰዓት እዚኣ ካብ ፀረ ዴሞክራሲያዊ ኣርኣእያታትን ተግባራትን ንምንጋፍ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ኣካይዳ ሕዚ’ውን ግን ትፍተን ኣላ (ወለዲ ይእሰሩ … ዜጋ ይጋፋዕ … ፍትሒ ይጏደል … ተናሓናሕቲ ውድባት ይጏነዩ … ቀዳማይን ካልኣይን ዜጋ ዝዓነቱ ዝምድናታት ይጫጭሑ … ምፍርራሕን ምጉጣጥን ዕለታዊ መሳርሒ ምግባር ከም ኣብነት ምጥቃስ ይክኣል …):: ኣማቲ ስትራቴጅያዊ ኣመራርሓ ተዝህሉ ኔሩ ነቲ ኣረጊት ፀረ ዴሞክራሲያዊ መሪሕነት ኣብዝሓለፋ ዕስራን ሳላሳን ዓመታት ብዝተወልዱ (new blood) ተጋሩ ብምትካእ ሱር ቦቆስ ለውጢ ምምፃእ ምተኽኣለ ኢለ እግምት::

ስልጣን መገልገሊ ህዝቢ ምኳኑ ተሪፉ መአከቢ ውልቀ ሃፍትን ውልቀ ዝምድናን ዝገበረ ሰፊሕ ብኔትዎርክ ዝተኣሳሰረ ናይ ሕኸኸኒ ክሓከካ ዝዓይነቱ ዘይወያናይ ስርዓት ፖለቲካ ድማ እቲ ሳልሳይ ዓንዲ ፖለቲካ ትግራይ ኮይኑ ኣሎ:: ኣብዚ መዳይ እዙይ ካብ ንግምገማ ዝብድህ ድፋዕ ለያቡ ጀሚሩ ክሳብ ዘይተሰርሐ ስራሕ ከምተሰርሐ ጌሩ ብምፅብፃብ ሃፍቲ ህዝቢ ዝህሙኽ ብልሹው መሓውር ዘጠቓልል ኮይኑ እዚ ባህሊ ስርቅን ግዕዝይናን ፍልፍሉ ምብልሻው መሪሕነት እዩ ዘመላኽት (the culture of any organization is the culture of its leadership) … ኣማቲ ስትራቴጅያዊ መሪሕነት እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ብቲ ኩናት ምኽንያት ከምተኾልፈ ብምርዳእን መሊሱ ከይግንግንን ምእንታን ድሕሪ መልሲ መንግስቲ ትግራይ ንመቐለ ኣፍቲ ምምሕዳራዊ መሓውር ኮላይ ኣፍቲ ሴንትራል ኮማንድ ብመንፅር ግዕዝይና ፈፂሞም ዘይተኣማመኑን ዘይፋለጡን ኮሚቴታት (ካብ ኩሎም ብሄራዊ ውድባት … ካብ ሓፋሽ ማሕበራት … ካብ ሙሁራን … ካብ ዓበይቲ ዓዲ … ካብ TDF) ብምጥያሽ ነቲ ህዝብን ነቲ ቃልሲን ውሕስነት ክህቦ ምኽኣለ ኔሩ ኢለ እግምት::

እቲ ራብዓይ ዓንዲ ፖለቲካ ትግራይ (ብፍላይ መሪሕነት ህወሓት) ብስሑት መገዲ ንባዕልኻ እናዓቀንካ ንሕና እኮ ካብ ዝሓለፉን ዘለውን ስርዓታት ሃይለስላሰ … ፋሽሽቲ ደርጊ … ጀኖሳይዳል ስርዓት ብልፅግናን ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍን ዝሓሽና ኢና ብዝብል ምስምስ ነብስኻ ምዕሻው ኣሎ:: ንፅፅራዊ መዐቀኒ (benchmarking) ንዘውደቅካዮን ንትፅየፎን ስርዓት ከም መዐቀኒ ዝወስድ ኣይመስለንን:: እኳ ድኣስ ኣብ ናትካ ኩነታት ዝርከቡ ብሉፃት ተሞኩሮታትን ስርዓታትን ከም መነፃፀሪ ዝወስድ እዩ ዝመስለኒ እንተዘይተጋግየ:: ኣማቲ ስትራቴጅያዊ ኣመራርሓ ንዮ ዞቡኡን ኣህጉሩን ካብ ዓለም ተወንጢሖም ዝወፁ ብሉፃት ተሞኩሮታትን መዐቀንታትን ከም መነፃፀሪ ብምውሳድ ለውጡን ምዕባልኡን ይቆፃፀር … ንሕና’ኸ?

እቲ ሓምሻይ ዓንዲ ፖለቲካ ትግራይ ንተጋዳላይነት ዝወሃቦ ትርጉምን በዚ ዝተፈጥረ ባዓልቲ ጎሓሉን ይምልከት:: ተጋዳላይ ማለት ኣብቲ ህዝባዊ ቃልሲ ዝዓሰለ ናይ ቅድመ ግንባርን ናይ ደጀንን ተቓላሳይ ህዝቢ ዘጠቓልል እዩ:: ቅድመ ግንባር ማለት ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ (TDF) ምኳን እዩ:: ደጀን ድማ ሓይሊ ሰብ … ገንዘብ … ቀለብ … ሓሳብ … ሞራላውን ዲፕሎማሲያውን ደገፍ ዝገብር ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ዘሎ ኩሉ ትግራዋይ (ብጀካ ባንዳ) ዘጠቓልል እዩ:: ብዘይ ደጀን ቅድመ ግንባር ዝባሃል … ብዘይ ቅድመ ግንባር ድማ ደጀን ዝባሃል ከምዘየለ እቲ ኹነታት ኣዐርዩ ኣርእዩና እዩ:: ነቲ ተቓላሳይ ህዝቢ ትግራይ ፍርቁ ተጋዳሊ ፍርቁ ዘይተጋዳላይ ገይሮም ክሰርዑን ክመቓቕሉን ዝደልዩ ስሑታን ድማ ካብ ተግባሮም ክእደቡን ንመንእሰይ ትግራይ’ውን ናብ ቅድመ ግንባር ክወፍርን መስመር ገድሉ ክቕይርን እዩ ክንገሮ ዘለዎ’ምበር “ተጋደል” ዝብል ኣጠቓቕማ እቲ ቓል ም ነቲ ናይ ደጀን ማእቶታዊ ገድሊ ዝሃሲ ምኳኑ ምርዳእ የድሊ:: ኣማቲ ስትራቴጅያዊ መሪሕነት ንኹሉ ህዝቢ ትግራይ ዝጠምርን ኩሎም ተጋሩ ዝተሰማምዕሉን ስሉሕ መገዲ ፖለቲካ (political road map) (ጉዳይ ምቁራፅ ተፃብኦ … ጉዳይ ድርድር ሰላም … ጉዳይ ኩናትን ሰላምን … ጉዳይ ቀፃሊ ዕድል ትግራይ ዝሓዘ) ዶኩመንት ክህሉ ምግባር ናይ ቀዳማይ ቀዳማይ ዕማሙ ክገብር ምተገብአ ነቲ ቃልሲ ቅድመ ግንባርን ደጀንን ንምጥንኻር ብሓፈሻ ነቲ ቃልሲ መኸተን ቃልሲ ህልውና ህዝብናን ንምውሓስ::

እቲ ሻድሻይ ዓንዲ ፖለቲካ ትግራይ ብፖለቲካዊ ድርቅና (functional blindness) ዝግለፅ ምስ ኩነታትን ምስ ግዘን ክትተዓፃፀፍ ዘይምኽኣል ጌርካ ምውሳድ ይክኣል እዩ:: ንሕና ምስ መሪሕነት ህወሓት’ምበር ምስ ህዝቢ ትግራይ ባእሲ የብልናን ካብ ዝብል ፖለቲካዊ ምስሉይነት (political correctness) ጀሚሩ ክሳብ ንህወሓት ብግብረ ሽበራ ምስራዕን ከምኡውን ኮሚኒስት ስለዝኾኑ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ኣይንደልን ዝብል መናውራ ወፃእተኛታትን ዝሰብር ስጉምቲ ዝወስድ ኣማቲ ስትራቴጅያዊ መሪሕነት ተዝነብር ኔሩ ኩሎም ብሄራዊ ውድባት ዝርከብዎ (ታክቲካዊ ወይ ስትራቴጅያዊ) ግንባር ብምፍጣር ህወሓት ዝብል ሽም ኣብ ውሽጢ እቲ ግንባር ክወሓጥ ብምግባር ነዚ ገጢሙና ዘሎ ፈተናታት ዝብድህን ዘሳግር ምትዕፅፃፍ ምርአይና ኔርና:: ግን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከምኡ ኣይኮነን::

እቲ ሻውዓይ ዓንዲ ፖለቲካ ትግራይ ምስቲ ዓለማዊ ዞባዊ ሃገራውን ውሽጣውን ኩነታት ዝናበብን ነቲ ኩነታት ዝምጥን ኣርኣእያን ውዳበን ክፈጥር ዘይክኣለ ምኳኑ እዩ:: ዓለማዊ ኩነታት ካብ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት (New World Order) ናብ ዞባዊ ንሕንሕን ናብ ምምንጣል ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት ኦሽንያ … ማእኸላይ ምብራቕ … ኣፍሪካን ደቡብ ኣሜርካን ዝወረደሉ … ነዚ’ውን ዞባውያንተልኣእኽቲ ዝተመዘዙሉ (ንኣብነት ናይ ዞባና ወኪላት ተወሲድና ሕቡራት ዓረብ ኤመሬትስ … ሳውዲ … ግብፂ … ቱርኪ … ኢስራኤል ኮይነን በብዋኒነን ድማ ይዋሳኣሉ) … ሃገራዊ ፖለቲካ ኣብ ኢድ ክራይ ኣከብትን ደርገ-ኢሰፓን ዝኣተወሉ ንትግራይ ንምጭፍላቕ ካብ ኣዲስ ኣበባ-ኣምሓራ ክሳብ ኣስመራ ተፀዋውዕሉ እንትኸውን ነዚ ዝምጥን ውሽጣዊ ምድላው ግና ዘይተገብረሉ … ብምኳኑ’ውን ኣብ ታሪኽ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመሉ … በዚ’ውን ኩሉ ትግራዋይ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ሆ ኢሉ ብፉኑው መልክዕ ንቓልሲ ዝተልዓለሉ (ብጀካ ባንዳ) እዩ ምባል ይክኣል:: ኣማቲ ስትራቴጅያዊ መሪሕነት ኣብ ቦትኡ ተዝነብር ኔሩ ነቲ ኣዝዩ ተፈልየ ኩነታት (extra ordinary situation) ዝምጥን ብሄራዊ ዕላማን ውዳበን ብምፍጣር ነቲ ዋሕዚ ህዝቢ ዋዒኡ ሓሊዩ ንቕድሚት ክውንጨፍ ምግባር ምተኽኣለ:: ይኹን’ምበር ነቲ ኣዝዩ ፍሉይ ኩነታት በቲ ልሙድ ኣግባብን ውዳበን ክንብድሆ ኢና ፈቲና … ንሕና ነቲ ኩነታት ተረዲእና ምስቲ ኩነታት ክንተዓፃፀፍ ስለዘይክኣልና እቲ ኩነታት ካብ ኢድና ክወፅእ ምስጀመረ ናብ ምፍርራሕን ማእሰርትን በትርን ምግዳድን ንኣቱ ኣለና ካብ ህዝቢ’ውን ስደት ጀሚሩ ኣሎ:: እቲ ኩነቲት ካብዙይ ከይገደደ ምልኣተ ህዝቢ ዘናቓንቕ ብሄራዊ ውዳበ ተዝፍጠር ዝሕሽ ይመስለኒ::

እቲ ናይ መወዳእታ ሽኻል ፖለቲካ ትግራይ ብናይ ሰብ ሓፁር ዝተረኸበ መሪሕነት ምህላዉ እዩ:: ኣብ ውድብ ህወሓት ብቑዕ መሪሕነት ካብ ክልተ ሽኻላት ይፍልፍል:: ቀዳማይ ካብ ምውያንን ነቲ ህዝባዊ ዕላማ ካብ ብምብጃውን ኮይኑ እቲ ካልኣይ
ድማ ንነዊሕ እዋን ዝተውሃለለ ተሞኩሮ ምህላው ይመስለኒ:: ናይ መሪሕነት ንነዊሕ እዋን ኣብ ውድብ ምፅናሕ ብሃንደበት ዝተረኽበ ዘይኮነስ ብትልሚ (by design) መሪሕነት ከይስዋእ ናይ ሰብ ሓፁር ተመዲብሉ ክሕሎ ስለተገብረ ምኳኑ ምፍላጥን ምዝካርን ነቲ ህዝቢ ትኸፍሎ ዋጋ ልዕሊ ሓደ ህይወት ከምዝኾነ ተረዲእኻ ህዝብና ክጠሚ ከሎ መሪሕነት’ውን ክጠሚ … ህዝቢ ክሽገር ከሎ’ውን መሪሕነት ክሽገር እናተገብአ ብግልባጡ ምኳኑሲ ተዝእረም ኢለ ኣብ ቀፃሊ ዘይንቡር ኩነታትን ፖለቲካ ትግራይን ከስዕብ እየ:: የቐንየለይ:

Leave a Reply

%d bloggers like this: