Site icon Tigrai Academy

ቀፃላይ ዕድል ትግራይን ትግራዋይነትን (4ይ ክፋል)

Advertisements

ኣብ ሕሉፍ ኣብ ትሕቲ ስእነት ኣማቲ ስትራቴጅያዊ መሪሕነት ዝብል ሃገራዊ ኢኮኖሚ ኢትዮዽያ ኣብ ድሑር ባህላዊ ዕዳጋ ዝተመስረተ ምኳኑ … በዚ’ውን ኣብ ልቓሕ ተረግሪጉ ናብ ሰላሕታ ባዕዳዊ መግዛእቲ ይኣቱ ምህላው … ኣብ ስሑት ስትራቴጂ ምህዞ ዋንነት መሬትን ኢንዱስትሪ ልምዓት ዝተደረኸ ምኳኑ ሪኢና ኔርና … ሎሚ’ውን ክልተ ኢኮኖሚያዊ ዓንድታት ወሲኸ ናብ ሃገራዊ ማሕበራዊ ጉዳይ ክኣቱ::

 ሃገራዊ ምዕባለ ዝረጋገፀሉ መስኮት ዝሸጎረ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ምኳኑ ድማ እቲ ሻድሻይ ዓንዲ ጌርካ ምውሳድ ይክኣል:: ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና መዋእል ግሎባላይዘሽን ናይ ሓንቲ ዓዲ ምዕባለ ዝረጋገፅ ብቐፃልነት ካብ ዓለማዊ ዕዳጋ ብትሓፍኖ መጠን ናይ ወፃኢ ሸርፊ ምኳኑ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ሰብ ሙያ ይሕብሩ:: ኢኮኖሚ ኢትዮዽያ ግን ካብ ዓለም ዶላር ብምልማንን ብምልቃሕን ዝእክብ ተፀባይ ኢኮኖሚ’በር ጥሉል ፍልፍል ናይ ወፃኢ ሸርፊ ዘምፅእ ኩሉ መማረፅታት (diversified options) ዝዳህሰስ ኢኮኖሚ ስትራቴጂ ዘይነበሮ ባዕሉ ጠጠው ክብል ዘይወሰነ ሓረጋይ ኢኮኖሚ እዩ ኔሩ ምባል ይክኣል::

 እቲ ሻውዓይን ናይ መወዳእታን ዓንዲ ኢኮኖሚ ኢትዮዽያ ካዓ ንትሓማዞቖ ደረጃ ምዕባለ እታ ሃገር ብሓደ ዓይነት ኢኮኖሚያዊ ፖሊስን ስትራቴጂን ክትገርሖ ምፍታን እዩ:: ገሊኡ ክፋል ሕ/ሰብ ኣብ ጥንታዊ መንባብሮ ሃደንን ሰበኽ ሳግምን … መብዛሕቱ ኣብ ሕርሻ … ገሊኡ ኣብ ዘኽታማት ኢንዱስትሪያዊ መዳይ … ውሱን ድማ ኣብ ኢንፎርመሽን ቴክኖሎጂ … በፃብዕቲ ዝቑፀር ድማ ኣብ ናይ ጥበብ ሓምሻይ መዋእል ዝርከበሉ ኢኮኖሚ ብሓደ ፖሊሲን ማንዋልን ዘማሓድር ጨፍላቓይ ኢኮኖሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ሞዴል ምዕባለ ዘየብሉ ዝተረኸበ ሃፍቲ ከም ፀበል ዝነፅግን መማቐሊ ድኽነት እዩ እቲ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ዝብሃል ዘሎን ዝነበረን::

 ዓንድታት ማሕበራዊ ጉዳያት ኢትዮዽያ ክንርኢ ተኾይና ቅድም ቀዳድም ዝመፅእ እቲ ብቱንን መኽሰራይን ኣሰፋፍራ ኣብዛሓ ህዝብታት ኢትዮዽያ እዩ:: እቲ ዝርካቡ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ይኹን ኢኮኖሚያውን ማሕበራዊን ግልጋሎት ንምርካብ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ዝገብር ኣብ ብቱን ኣሰፋፍራ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ሓሪሱ ከፍሪን ከጉዓዕዝን … ኣፍርዩ ከጥሕን … ዕንጨቲን ማይን ከመላልስ … ኮታስ ዓመት ምሉእ ንላዕልን ንታሕትን ዝገብሮ ዘይውፅኢታዊ ከርተት (unproductive labor) ብብልዮናት ዝግመት ምኳኑ ፅንዓታት የረጋግፁ:: እዚ’ውን ኣዝዩ መኽሰራይ ኣሰፋፍራ ይገብሮ ማለት እዩ::

 እቲ ካልኣይ ማሕበራዊ ዓንዲ ካብ ዝሰርሐሉ ዘይሰርሐሉ ግዘ ዝበዝሕ ምኳኑ እዩ:: ብምኽንያት ሃይማኖታዊ ባዓላት … ብምኽንያት ጫት … ብምኽንያት ተኣኪብካ ዝስተ ቡን … ዘይተኣደነ መስተን ካልኦት ድሑራት ባህልታትን ህዝቢ ኢትዮዽያ ብማእኸላይ ኣብ ማዓልቲ ክልተ ሰዓት ጥራሕ እዩ ዝሰርሕ … እዚ ህዝቢ እዙይ ምድካዩ ዘይኮነ ዝገርምስ ምንባሩ እዩ ዝገርም!!!

 ሳልሳይ ዓንዲ ሃገራዊ ማሕበራዊ ህይወት ጌርካ ዝውሰድ ድማ ብቱን ማንነት ምህላዉ እዩ:: እቲ ኣዝዩ ድሑር ኢኮኖሚን ካልኦት ድሕረ ባይታን ዘስዓብዎ ናብ 102 ዝፅጋዕ ተፈላለየ መንነታት ብናይ ወሰን ምውጣጥ ዝተሸመመ ኣብ ርእሲ ምኳኑ ኣምሓራይ ብኽቱር ዓብላላይነት እቲ ካልእ ኣብዝሓ ድማ ብኽቱር ዓርሰ ምትሓት ዝግለፅ መሰከፊ ዝምድናታት ዝተደረኸ ማሕበራዊ ዓንዲ ዘለዎ እዩ::

ፅርየቱ ገዲፍካ ኣብ መዳይ ዝርገሐ ዝስተ ማይ … ሓይሊ ፅኣት … መጏዓዝያ … ቴሌኮም … ጥዕናን ትምህርትን ዝሓሸ ስዳሮ ዝኸደ ማሕበራዊ ህይወት ከም ራብዓይ ዓንዲ ዝውሰድ እዩ:: እዚ’ውን ካብ ማእኸል መሊኡ ዘይተበጣጠሰን ኩሉ በጀቱ ብማእኸላይ መንግስቲ ዝምወልን እዩ:: እዚ ካዓ ማእኸላይ መንግስቲ ክጥዒ ዝጥዒ ማእኸላይ መንግስቲ ክሓምም ዝሓምም ይገብሮ::

 ሓምሻይ ዓንዲ ሃገራዊ ማሕበራዊ ሂይወት ብፀቕጢ ከባቢያዊ ኣየር … ብስእነት ስራሕ … ዝቕባበን ሕዚ ድማ ብኩናት ኣዝዩ ብጥምየትን ምምዝባልን ተጠቕዐ ህዝቢ ምኳኑ እዩ:: ኣብዚ መዳይ እዙይ ኣዝዩ ወዲ ሰብ ይገብሮ እዩ ዘይባሃል ጭካነን ባርባራዊ ግፍዕታትን (Genocide) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመሉ ስለዝኾነ ማሕበራዊ ረኽቢ ህዝብታት ዝበጣጥስ ፍሉይ ተርእዮ ጌርካ’ውን ዝውሰድ እዩ::

 እቲ ሻድሻይ ማሕበራዊ ሃገራዊ ሂይወት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ኩለ መዳያዊ ፀቕጥን ኣድልዎን ኮይኑ እቲ ኩነታት ካብ ዘበነ መስፍንነት ዝሓሸ እዩ እኳ ተተብሃለ ሕዚ’ውን ዘይተፈትሑ ፆታ ተንከፍ ባህላዊ … ኢኮኖሚያዊ … ፖለቲካውን ዘቤታውን ፀገማት ዝዓብለልዎ ሂይወት እዩ ምባል ይክኣል::

 እቲ ሻውዓይን ናይ መወዳእታን ማሕበራዊ ሂይወት ኣብ ወረን ድሑር ናይ ጥንቆላን ደፍተራን እምነት ዝተመስረተ ምኳኑ እዩ:: ቀንድን ማሕበራዊን ሚድያታት ብሓደ ወገን መሳርሒ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ብኻልእ ወገን ካዓ መሳርሒ ናብ ስልጣን ክወፅእ ዝናሓናሕ ሓይሊ እየን:: ማሕበራዊ ንቕሓትን ዘመናዊ ኣርኣእያታት ኣብ ምምፃእን እዚ እዩ ዝባሃል ተራን ግዘን ዘለዎን ኣይመስላን ካብ ፖለቲካዊ ሽኩት ወፃእ:: እቶም ናይ ውልቂ ቀንድን ማሕበራዊን ምድያታት’ውን ሳንቲም ምእራይ ስለዝኾነ እቲ ቀዳማይ ልኡኽተኦም ዳርጋ ልቢ ሰብ ዘንጠልጥል ዛዕባ ካብ ምቅላሕ ዝሓልፈ ኣብ ማሕበራዊ ንቕሓት እዙይ እዩ ዝባሃል ተራ ኣለዎም ዝባሃል ኣይኮነን::

 እዚ ሃገራዊ ዛዕባይ ቅድሚ ምዝዛመይ ኣብ ሃገራዊ ዲፕሎማሲ ቁሩብ ኣቕሪበ ኣብ ቀፃሊ ብሄራዊ ጉዳያት ዝጥምት ፖለቲካዊ … ኢኮኖሚያዊ … ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ህልው ኩነታት ትግራይን ከቕርብ ክጅምር እየ:: ድሕሪኡ ድማ ንትግራይ ጥራሕ ዝጠመተ ፍታሕ!!! የቐንየለይ::

Exit mobile version